Tag Archives: Fun Fair

ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኤክስፖ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ሽልማት ዓቲራ

ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ

ኤርትራ ብመገዲ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወኪላ ኣብቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ዲፕሎማሲያዊ ኤክስፖ (Diplomatic Fun Fair) ተሳቲፋ። ኣብዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃን ምምሕዳር ከተማ ጽዋነ (Tswane-ፕሪቶርያን ከባቢኣን ዘጠቓለለ) ዝተወደበ፣ ልዕሊ 90 ሃገራት ብመገዲ ኤምባሲታተን፣ ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብድምር ልዕሊ 120 ኣካላት ዝተሳተፋሉ ኤክስፖ፣ ኤርትራ ንመበል 4ይ ግዜ ተሳቲፋ፣ ኣብዚ ናይ ሕጂ 2015 መደብ ድማ፣ ፍሉይ ሽልማት “Most Authentic Stall- The Minster Maite Nkoana-Mashabane Award” ዓቲራ። Continue reading ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኤክስፖ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ሽልማት ዓቲራ