Tag Archives: La Vuelta a Espana

ቮልታ እስጳኛ 2015 ፡ ናትናኤል ኣብ ዓቐብ ኣተዂሩ ክሰርሕ ተሓቢሩ

natnael-la-Vuelta
“ዳግማይ ኣብ ቮልታ እስጳኛ ይወዳደር ብምህላወይ ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተሳተፍኩሉ ውድድር ቮልታ እስጳኛ ብቕዓተይ ኣሰካፊ ነበረ፣ ሎሚ ግን ብኣንጻሩ እዩ – ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ፣ ብብቕዓት ጥራይ ዘይኮነስ ብስነልቦና እውን ነዚ ውድድር እኹል ምድላዋት ብምግባር ይኣቱ ኣለኹ” – ናትናኤል ብርሃነ

ኤርምያስ ገብረልዑል

ደ ካብቶም ናይ ዓለምና ‘ግራንድ ቱራት’ ዝኾነ ቮልታ እስጳኛ፡ ሎሚ ካብ ፖርት ባኑስ ናብ ማርበላ ብዝበጽሕ ናይ 7.4 ኪሎሜተር ውድድር ክፍልም እዩ፣ ኣብዚ 21 መድረኻት ዝሽፍን ውድድር፡ ቀጻልነት ሱታፌ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተረጋጊጹ ኣሎ – ብመገዲ ተቐዳዳማይ ኤምቲኤን ኵቤካ ናትናኤል ብርሃነ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ክለብ ዩሮፕ ካር ኮይኑ ናይ ቮልታ ዕዮኡ ብግቡእ ዝፈጸመ ናትናኤል፡ ሎሚ፡ ነታ ብባንዴራ ሃገሩ ዝወቀበት ፍልይቲ ማልያ ክለቡ ወድዩ ምስ ኤምቲኤን ክሳተፍ እዩ። ኣብ ዝገደመ ውድድር ብሽክለታ ዓለም – ቱር ደ ፍራንስ፡ ብመገዲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኩሚንግስ …ወዘተ ስማ ዝኾልዐት ኤምቲኤን፡ ኣብዚ ናይ እስጳኛ ውድድር ንናትናኤል ብርሃነ መራሒ ጋንታ ገይራ መዚዛቶ ኣላ። Continue reading ቮልታ እስጳኛ 2015 ፡ ናትናኤል ኣብ ዓቐብ ኣተዂሩ ክሰርሕ ተሓቢሩ