Tag Archives: Message of Peace

ጕዕዞን መልእኽትን ኣምባሳደራት፡ ርዝነት፡ ብመለክዒ ርሕቀት!

ቃልን ድምጽን ኣብ 175 ከተማታት ዓለም ናይ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላም መልእኽቲ ዝሓዙ ኣምባሳደራት ሰላም መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ሽወደን ተበጊሶም ንጄኔቭ ሲዊዘርላንድ ንዘሎ 1700 ኪሜ ዝርሕቀቱ መንገዲ ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ብሽክሌታ ጉዕዞ ትማሊ ተልእኾኦም ብዓወት ዛዚሞም።

ተወልደ ብእምነት

ሚያዝያ 13፡ መበል ዓሰርተ ሰልስተ ዓመቱ ዘቝጸረ ብይን፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ኣውሓስትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሃገራትን፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኣልጀርስ እተበጽሐ ኣህጉራዊ ስምምዓት፡ ብእኡ መሰረት ዝጸደቀ ቀያድን ናይ መዋዳእታን ፍርዲ፡ ተኸታቲለን ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕኦ ንዝኣተውኦ ዝተመዘዛሉ ሓላፍነት ብምዝንግዐን፡ ክሳብ ሎሚ ላኣላዊ መሬትና ተጎቢጡ፡ እቲ ደጋጋሙ ክዕምጽን ከዳናግርን ዝጸንሐ ድሑር ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ከኣ ሕጊ ክረግጽ፡ ከም ድላዩ ፈንጨራዕ ክብል ዕድል ዝህብ ሃጓፍ ረኺቡ ጸኒሑ ኣሎ።

ነቲ ብቕልጽም መኸተ ዘውሓስናዮ መሬት፡ ብሕጊ ረቲዕና ደጊምና ዘረጋገጽናዮን ርስቲ፡ ሕጂ’ውን ገና፡ ብዲፕሎማሲያዊ ቃልሲን ድፊኢትን ኣብ መዓልቦኡ ከነብጽሖ ተቐሲብና። ንፍትሒ ክንጽውዕ፡ ነቲ በለጻዊ ኣተሓሕዛን ኣድልዎን ክንእረም፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ብዘይ ዕርፍቲ ክንሰርሕን ከነተሓሳስብን ጸኒሕና። Continue reading ጕዕዞን መልእኽትን ኣምባሳደራት፡ ርዝነት፡ ብመለክዒ ርሕቀት!