Tag Archives: PFDJ Conference

3ይ ዋዕላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዓወት ተዛዚሙ

3rd-pfdj-dc
3ይ ዋዕላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ “ቅኒት ሓሳብ መሪሕ ተግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ክሰላሰል ዝቐነየ ምትእኽኻብ ብ26 ሚያዝያ 2015 ተዛዚሙ።

ህ.ግ.ደ.ፍ. (ሕ.መንግስታት ኣመሪካ)

እዚ ብልዑል ሃገራዊ ፍቕርን መንፈስን፡ ንሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ፡ ካብ 29 ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተኣኻኸቡ፡ ኣስታት 300 ኣባላት፡ ሓለፍቲን ወከልቲን ዝተፈላለያ ሃገራውን ኮማውን ማሕበራት፡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ እተረኽብሉ ዋዕላ ኔሩ።

ዋዕላ፡ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ተዋሂቡ ምስ ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ከባቢ ህግደፍ፡ ብጻይ ምሕረታኣብ ተድላ፡ እቲ ጉባኤ ክዝትየሎም ከም መደብ ዝሰርዖም ኣገደስቲ ውድባውን ሃገራውን ዛዕባታት ንተሳተፍቲ ዋዕላ ድሕሪ ምብራህ፣ ቀጺሉ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብጻይ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ ተረኺቡ፡ መተባብዒ ቃልን፡ እቲ ማሕበር ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማማት ምሕያልን ምድልዳልን ስርሓት ኣወዳድባ፡ ብግቡእ ገምጊሙ ንመጻኢ ግብራዊ ዝኾነ መደባት ስኢሉ ክወጽእ ኣዘኻኺሩ።  Continue reading 3ይ ዋዕላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዓወት ተዛዚሙ