Tag Archives: State of emmergency

ኣፈርክቡ ! ወጣጡ ወያኔ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡለዉ !

tplf_crumblingተስፋማርያም ሓጎስ:

ፍራ ወያኔ በቲ ካብ በረኻ ደደቢት ሒዘሞ ዝመጹ እከይ ተግባራቶም ፣ ካብ ጎረባብቲ መሬት ጨሪምካ ናብ ትግራይ ብምጽንባር ናይ መጻኢት ረፑብሊክ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት እዩ ኔሩ። ነቲ ብሳላ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮፍ ዝበልዎ ዙፋን ነገስታት ኢትዮጵያ ተጠቒሞም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምጭቋንን ብምርጋጽን ሃብቱ ጓሕጒሖም ንትግራይ ብምግዓዝ ዒም ንዝበለ ጥይት ብምዅላስ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ግዳይ ሞትን ህልቂትን ስደትን ጌሮሞ።

እዞም ብኹሉ ዓይነት መዐቀኒታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከመሓድሩ ይኹኑ ክጭቁኑ ፍጹም ብቕዓት ዘይብሎም ወገናውያን ጸበብቲ ርእሲ ወያነ: ን25 ዓመታት ብደም ህዝቢ ክጻወቱ ጸኒሖም። ወያኔ ንኢትዮጵያ ብብሄር ከሊሎም ብምጉጅጃል ንሓድሕዱ ከም ዘይራኸብን ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝጠማመት ጌረሞ። Continue reading ኣፈርክቡ ! ወጣጡ ወያኔ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡለዉ !