Tag Archives: UN Monitoring

ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-IV)

ንምኻኑ ዮውሃንስ ማሕራይ (ጆን ማሕራይ) መን ኢዩ?
ንምኻኑ ዮውሃንስ ማሕራይ (ጆን ማሕራይ) መን ኢዩ?

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፍና፡ መቐጸልታ ናይቶም ኣቐዲምና ዘቕረብናየን ሰለስተ ክፋላት ኮይኑ፡ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብጉዳይ ከሰተ መዓመ ኣኮሎምን (ወጅሀይ)፡ ተራ መልኣከ ሰረቐን፡ ኤልሳ ጭሩምን፡ ዮውሃንስ ማሕራይን (ጆን ማሕራይ)፡ ከምኡውን ኣብ መቐለ ዝርከቡ ብተቃወምቲ ዝፍለጡ እንታይ ከምዝመስልን፡ ነቲ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምትሕብባር ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መንእሰያትናን ዝግበር ውዲትን ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዝቕረበ ጽሑፍ እዩ።

ደጊምና ክንሕብሮ ንፈቱ፡ ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ Continue reading ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-IV)

ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-III)

UN Monitoring group and its obsession with the Eritrean Air Force

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ኣብዚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፍና፡ መቐጸልታ ናይቲ ንብዙሕ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምትእስሳሩ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፥ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዘቕረበ ጽሑፍና መመላእታ እዩ።

ደጊምና፡ ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ።

ነቲ ጽሑፍ ብዕምቆትን ብተኸታታልን ዘይነበቦ ሰብ ግን፡ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ንውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ክመስሎ ይኽእል ኢዩ::  Continue reading ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-III)

ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-II)

The true human smugglers and terrorist of our times wears expensive suits and work in a position closer to international NGOs

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍና፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘቕረብናዮ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ቀንዲ ተዋሳኢት ንዝኾነት ሜሮን እስቲፋኖስን፡ ምስኣ ዝተታሓሓዙ ካልኦት ብሽም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ንዝተዋፈሩ ወልቀሰባትን፡ ዝድሕስስ ይኸውን፡፡  ብተወሳኺ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፋል፡ ንብዙሕ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምትእስሳሩ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፥ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዘቕርብውን እዩ።

ደጊምና፡ ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ።  Continue reading ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-II)

ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ

ብኣንገሶም ጠዓመ ዝፍለጥ እቲ ሸያጢ ሰብ

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ንብዙሕ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምትእስሳሩ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፥ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዘቕርብ እዩ። ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ።

ነቲ ጽሑፍ ብዕምቆትን ብተኸታታልን ዘይነበቦ ሰብ ግን፡ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ንውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ክመስሎ ይኽእል ኢዩ::  Continue reading ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ