Tag Archives: Unity of Eritrea

ኤርትራውያን ንኽንህሉ ምቅላስ : ንኽንቃለስ ሓይሊ : ንኽንሕይል ሓድነት የድልየና

geneva-demo
ሕልናዊ ፡ ስነ ኣእምራዊ ፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊ ብቕዓትን ሓይልን እንተወኒና ጥራሕ ኢዩ ኣብ ነጻ ኤርትራ ኮሪዕና ክንነብር ንኽእል። ነዚ ሓይሊ እዚ ከነጥሪ ሓድነት የድልየና:  ካብ ሓጺን ዝተረረ ሓድነት።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ብዛ እንነብረላ ዓለም ዝኾነ ፍጡር ንኽነብር ሓይልን ሜላ ናይ ምንባርን የድልዮ ። እዘን ነገራት እዚኤን ምስ ዘይውንን ግን ካብ ምድረ ገጽ ንኽጠፍእ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። እዚ ዋላ እኳ ምስኦም ዝውለድ እንተኾነ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ካብ ተሞክሮ ዘጥርዮም ኣገደስቲ ናይ ምንባር ሜላ ንኸጥርዩ ውን ኣኽኢልዎም እዩ ። ኣብቲ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍን ዝነብርሉ ቦታታት ምስ እንኸይድ ነዚ ሓቅነት እዚ ኣብ ባይታ ክንርእዮ ንኽእል።

ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ከም ዝሕብረና ኣብ ሓድሕዶም ክዋግኡን ክቃተሉን ሕሉፍ ሓሊፎም ነቶም ኣብ ኲናት ዝቐተልዎም መጻርርቶ ጠቢሶም ይበልዕዎም ኔሮም ። ደቂ ሰባት ካብቲ ናይ ባርያ ስርዓት ጀሚሮም ክሳብ እዚ ዘለናዮ ርእሰ ማላዊ ስርዓት ኣብቲ ዝለዓለ ስልጣኔ ኣብ ዝበጽሕሉ ዘመን እቲ ኩነታት ወራርን ውግእን ውን ብመጠን እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዓለም ኣብቲ ወነንቲ ኣዕነውቲ ኣጽዋርን ሓያላን መንግስታትን ቍጽጽር ኣላ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ሓያላን ሃገራት ንጂኦ ፖለቲካዊ ረብሐአን ክብላ ሃብታም ዝተባህለን ስትራተጂካዊ ቦታታት ናይ ዓለም ንምቍጽጻር ንዓለምና ብዂናት ይሕምስኣ ኣለዋ ። Continue reading ኤርትራውያን ንኽንህሉ ምቅላስ : ንኽንቃለስ ሓይሊ : ንኽንሕይል ሓድነት የድልየና