Tag Archives: Victory for Eritrea

ቃልስና መሪርን ነዊሕን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ !

awet-nhafash
ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝብናን መንግስትናን ንምድኻም ብኡ ኣቢሎም ድማ ንምጥፍኡ ካብቲ እከይ ተግባራቶም ይቝጠቡ እዮም ኢልና ኣይንሕሰብ ። ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ!

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዛ ጭርሖ እዚኣ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣብቲ ዝጸንከረ እዋን ዝተጨርሐት እያ። ውድብ ህ.ግ. እቲ ንጹር መትከል ሓንጺጹ ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ወዲቡ ኣንቂሑ ኣዕጢቑ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልቦኡ ዘብጸሐ ውድብ እዩ። እዚ ውድብዚ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ( 1970 ) ማእለያ ዘይብሎም ይስገሩ እዮም ኢልካ ዘይትሓስቦም ብድሆታት እናዘሰገረ እዩ ናብ ፍጹም ዓወት ክበጽህ ዝኸኣለ።

እታ ብኣድሓርሓርቲ መሪሕነትን ኮራኩሮምን ዝተዓብለለት ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ንህዝባዊ ሓይልታት ገና እግሪ ከይተኸለት ንምድምሳስ ውግእ ሕድሕድ ወሊዓ ፡፡ እንተኾነ እቲ ንህዝባዊ ሓይልታት ዘቖመ ሓይልታት ነታ ተሃንዳዲት ተ.ሓ.ኤ. ስዒሩ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ህላዌኡ ኣረጋጊጹ። ይኹን እምበር ክሳብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ዝካየድ ውን እቲ ተጻብኦታት ተ.ሓ.ኤ ገና ኣየቋረጸን.። እኳ ደኣ መመሊሱ እናበኣሰ ከደ። Continue reading ቃልስና መሪርን ነዊሕን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ !