
ካብ ሓዳስ ኤርትራ፡
ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ 2015 ዝተኻየደ መበል 102 ርእሰ ኩሉ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ዓለም – ቱር.ደ.ፍራንስ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሓድሽ ታሪኽ ዝጸሓፉሉን ሓበን ሃገሮምን ኣፍሪቃን ምዃኖም ዘመስከሩሉን ምንባሩ፡ ነቲ ውድድር ብልዑል ሓበን ዝተኸታተሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም።
ምስ ደቡብ-ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኲቤካ ዝተሰለፉ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብቲ ውድድር ምስ ስሙያት ተቐዳደምቲ ገጢሞም ብቕዓቶም ዘመስከሩ ናይ መጀመርታ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ በዳህትን ዕዉታትን ክኾኑ ምብቅዖም፡ ንምዕባለ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣህጉር ኣፍሪቃን ድርኺት ዝፈጥር ከምዝኾነ፡ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።
“ዳኒኤልን መርሃዊን፡ ናይ 80 ዓመታት ዕድመ ዘለዎን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ናብ ባህሊ ተቐዪሩ ዘሎን ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ናብ ዝለዓለ መድረኽ ዘደየቡ ጐባልል’ዮም” ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ካልኦት ተቐዳደምቲ ኣሰሮም ተኸቲሎም ተበጺሑ ንዘሎ መድረኽ ክዕቅቡን ከዕብዩን ኣዘኻኺሮም።
ንሳቶም ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተሰብ ተበጺሑ ንዘሎ መድረኽ ብሓበን ጠሚቱ ተካእቲ መንእሰያት ኣብ ምፍራይ ሓባራዊ ጻዕሩ ከደንፍዕ፡ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ነዚ መለለዪ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ኣህጉራዊ ስፖርታዊ መድረኻት ኮይኑ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ዝያዳ ንምድንፋዕ ወፍርን ምትብባዕን ክገብር ተላብዮም።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ፋልማይ ሱታፌኦም ኣብ ቱር ደ ፍራንስ 77 ነጥቢ ብምውህላል፡ ኤርትራ ምስተን ኣብ ‘ዎርልድ ቱር’ ነጥቢ ዘመዝገባ 31 ሃገራት ክትስራዕ ኣብቂዖምዋ ኣለዉ።
ኣብ’ዚ 3360 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ናይ ኣንበሳ ዓቐብ ነጠብጣባዊት ማልያ ንኣርባዕተ መድረኻት ብምውዳዩን ኣብ ሓደ መድረኽ ድማ 7ይ ደረጃ ብምሓዙን ንጋንትኡ ኣብ ምቕላስ ዓቢ ተራ ብምጽዋቱን፡ መርሃዊ ቅዱስ ድማ ብሓፈሻዊ ውጽኢት – ካብ ብሉጻት መንእሰያት ተቐዳደምቲ ምስ 10 ቀዳሞት ብምእታዉ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኰይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።
—–
ዝንኣድ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣቓልቦ ስሒቡ
ቅድድም ብሽክለታ፡ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ትማሊ ተዛዚሙ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ውጽኢት ብሪጣንያዊ ክሪስቶፈር ፍሩም ተዓዋቲ `ቱር ዲ ፍራንስ` ኮይኑሎ።
ኮሎምብያዊ ኲንታና ካልኣይ፡ ስጳኛዊ ቨልቨርደ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም ኣለዉ።
ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ካብ ክለብ ኤም ቲ ኤን ኩበካ ፡ኣቐዲሙ ኣብ መበል 55.5 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ መስመር ብምርጋጽ 17ነጥቢ ሓፊሱ`ሎ። መርሃዊ ድሕሪ ኣንድሪ ግሪቭኮ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታናዩ ናይ ካልኣይ ደረጃ መስመር ረጊጹ።
ኣብ ደረጃ ከለባት ድማ፡ እታ ክልተ ኤርትራውያን ዝሓቆፈት ደቡብ ኣፍሪካዊት ክለብ ኤም ቲ ኤን ኩበካ ኣብ ናይ ፈለማ ግዜ ሱታፌኣ፡ ናይ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ቱር ዲ ፍራንስ ፈጺማቶ`ላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ President Jacob Zuma ንጋንታ MTN-Qhubeka ኣብ`ቲ 112 ዓመት ዘቁጸረ ቱር ዲ ፍራንስ ብምስታፍ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብምዃናን ብዘርኣየቶ ዓወታትን እንቋዕ ኣሓጎሰና ኢሎም። ኣተሓሒዞም፡ ወዲ መሓዛ ሃገር ኤርትራ ዝኾነ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣንበሳ ዓቐብ ኮይኑ ብምዕዋቱ ተሓጉሰ`የ ኢሎም።
ፕረሲደንት ጃኮብ ዙማ፡ ብMTN-Qhubeka ሓበን ከምዝተሰምዖም ብምግላጽ ንዝበለጸ ዓወት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾምሎም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን፡ ንዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ንመርሃዊ ቅዱስን ኣብ ኣስመራ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ንኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ዝጠቐሰ ሻባይት ኣፍሊጡ`ሎ።