
ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዞባ ማእከል ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማን ዘይሕጋዊ መሸጣን ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ምዕዳል መሬት ጤሳ፡ ብመለክዒታት ኣጠቓቕማኡን ከባብያዊ ጽልዋኡን ተመምዩ ዳግም ክጅመር ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ምስ ወከልቲ ህዝቢ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።
ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብ ዕላማ ኣዋጅ መሬት ብዝጸንሐ ትሑት መረዳእታ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ንመትከላት ውሑስ ምሕደራን መዓላን መሬት ዝጻረር ቅድድም ዕደላ ብዘስዓቦ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ኣብተን ምሕደራ መሬተን ምስ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዝተጸንበረ ዓድታት ብመሰል ምርሒት ዝተመርሐ መሬትን ኩነታቱን ብስዉርን ቅሉዕን ኣገባባት ንካልኦት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ዝተራእየ ዘይሕጋዊ ተግባራት መሸጣ ብምስትብሃል፡ ኣድላዪ ስጉምትታት ብምውሳድ ንምእራሙ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ ብምብራህ፡ ዝወሃብ መሬት ጤሳ ብክፍሊ መሬት ዝተመዝገበን ዝጸደቐን ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ቊጽሪ 58/1994 ንጤሳ ዝውሰን መሬት ዓዲ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ኣብ ግምት ብምእታው ክወሃብ ከምዝግባእ ብምሕባር፡ ጥንቁቕ መዓላ መሬት ዘየረጋግጽን ምስ ክውንነት ዘይቃዶን ስፍሓት ምዕዳል ንመትከላት ውሑስ ምሕደራ መሬት ስለዝጻረር፡ መስርሕ ምምማይን ዕደላን ፍትሓውን ግሉጽን ክኸውን ብምዝኽኻር፡ ካብ ምግባትን ግጉይ ምሕደራን መሬት ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ጸንሑ ዕደላ መሬት ጤሳ ዳግም ክጅመር ምውሳኑ ከምዘሐጎሶም ብምብራህ፡ መስርሕ ህንጸት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍቀድ ተላብዮም። ንሳቶም ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ዝካየድ ንጥፈታት ካብኦም ዝሕተት ምትሕብባር ክገብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።