
ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት,
ልብና ቁሩብ ተጠራጠሩ ይብለና ኣሎ:: ሎሚ ክሳብ ናይ ዜሮ ሰዓት ክንጠራጠር ኢና:: እንጠራጠረሉ ድማ ኣብ ናይ ማሊጅያ ነፋሪት ዝተሞርኮሰ ጥራይ ኣይኮነን: እንተላይ ኣብ ናይ ህልቂት ላምፓዱሳ ዝተመልከተ ‘ውን ኢዩ:: ግዳያት ላምፓዱሳ: ምስ ዝተፈላለዩ ዜና ማዕከናት ኣብ ዝሃብዎ ቃል: ናብ ሞት ዘሳጥሕ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበረናን ክብሉ እንከለዉ: ኣብ’ዛ ነፋሪት ቦይንግ 370 ኣመልኪቶም ከኣ ገለ ሰባት: እታ ነፋሪት ብፍጹም ኣይወደቐትን: ኣይተሰባበረትን: ወይ ኣብ ውቅያኖሳት ኣይሰጠመትን ዝብሉ ወገናት ኣለዉ::
ነዚ ኽልተ ዝተፈላለየ ዝመስል ፍጻሜታት ኣብ እንድህስሰሉ እዋን ዝመጽእ ሕቶ: ናብ ሞት ዘሳጥሕ ምኽንያት ኣይነበረናን: ግን ንሞት ተፈሪድና ምስ ዝብሉ ሰባትን: እታ ነፋሪት ቦይንግ 370 ኣይተሰወረትን: ወይ ኣይወደቐትን ዝብሉ ዘለዉ ወገናትን: እንታይ ዓይነት ናይ ሓባር ተመሳሳሊ ስዉር ውዲት ኢዩ ኣጋጢምዎም? ንምፍላጥ ዝሕግዙና ሕቶታት ክለዓሉ ናይ ግድን ኢዩ:: ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ክትጠራጠሩ ኣለኩም ዝብሉ ወገናት ከኣ: በብመንገዱ ብብዝሒ ይቀላቐሉ ኣለዉ:: ኣይፋል ኣይትጠራጠሩ ክብሉና ግን የብሎምን:: እወ ሎሚ ክሳብ እታ ናይ ዜሮ ሰዓት ክንጠራጠር ኢና:: እንጠራጠረሉ ግን: ነታ ንእሽቶይ ሰንሰለት ሓቂ ረኺብና: ናብ ብራኸኣ ንምብጻሕ ኢዩ::
– – – –