
ብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡
መሰል ተጠቃምነት ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ
ድሕሪ ሞት መጻምድቱ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኣብቲ ምስ መጻምድቲ ክግልገሉሉ ዝጸንሑ ንብረት ናይ ተጠቃምነት መሰሉ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክድረት ጸኒሑ። ንኣብነት መጻምድቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ ውልቃዊ ንብረት መዋቲ ምስ ዝኸውን ወረስቱ ነቲ መሰል ዋንነት ዘይብሉ መጻምድቲ ካብቲ መንበሪ ገዛ ከውጽእዎ ይረኣዩ። እቲ ንብረት ናይ ሓባር ኣብ ዚኾነሉ እዋን‘ውን ወረስቲ መዋቲ ብጽሒትና ክንረክብ ብዚብል ምኽንያት መጻምድቲ መዋቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ንብረት ንዘለዎ ናይ ተጠቃምነት መሰል የጻብቡ።
መንበሪ ገዛ ናይ ሓባር ይኹን ውልቃዊ ንብረት መዋቲ፡ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ምስ መዋቲ መጻምድቱ ሓዳሩ ዝመርሓሉን፡ ኣብ ዝበዝሕ እዋን ድማ ከምዚ ዝበለ መጻምድቲ ካልእ ገዛይ ዝብሎ መዕቆቢ ስለ ዘይህልዎ ብዝኾነ ምኽንያት ካብቲ መንበሪኡ ዝነበረ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ኣብ ከቢድ ጸገም እዩ ዝወድቕ።
ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዚተኣታተወ ለውጢ
ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ መዋቲ ካብ ወረስቲ ቀለብ (ደገፍ) ናይ ምሕታት መሰል ከም ዘለዎ ኣብዚ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ተመልኪቱ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኣብቲ ምስ መዋቲ ዝግልገሉሉ ዝነበሩ ናይ ሓባር መንበሪ ቤትን ኣቑሑቱን ናይ ተጠቃምነት መሰል ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድንጋገ ብግብሪ ከጋጥም ንዝጸንሐ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ተራ ክህልዎ ይእመነሉ።
ረብሓ ቆልዑ ምሕላው
ቆልዑ ከም ተካእቲ መጠን ኣብ ምዕባዮም ልዑል ጥንቃቐን ብሓላፍነት ምዕያይን ይደልዩ። ኣብ ምዕባዮም ዝግበር ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ ውልቃዊ ህይወት ቆልዑ፡ ርግኣት ስድራቤትን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ሕብረተሰብን ሃገርን ብሓፈሻ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ሞግዚት ቆልዓ ኣብ ምምዛዝን ተመዚዞም ንዝነበሩ ኣብ ምስዓርን፡ ቆልዑ ምስ መን ይኹኑ ዝብል ሕቶ ንምምላስ custody)፡ ቀለብ ቆልዑ፡ ወዘተ ኣብ ምውሳን ሽማግለ ቤተዘመድ ይኹኑ ኣብያተ ፍርዲ ንረብሓ ቆልዓ መሰረት ገይሮም ክውስኑ መሰጋገሪ ሲቪላዊ
ሕጊ ኤርትራ ብንጹር ይድንግግ እዩ።
ኣብዚ ዘጋጥም ዚነበረ ጸገም መብዛሕቱ ንትርጉምን ዕላማን ናይዞም ድንጋጌታት ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእ ዚነቐለ እዩ ነይሩ፣ በዚ መሰረት ወለዲ ውላዶም ምስኦም ንኺዓቢ ብመንጽር መሰል ወለዲ ጥራይ ተራእዩ ሕቶ ይቐርበሉ። ኣብያተ ፍርዲ ውን ኣብ ውሳነታቶም ኣብ ክንዲ ከምቲ ሕጊ ዚእዝዞ ብመንጽር ረብሓ ቆልዓ ዚርእይዎ ከም መሰል ወላዲ ጥራይ ብምውሳድ ውሳነታት ክህቡ ይረኣዩ።
ረብሓ ቆልዓ ወይ ዝበለጸ ረብሓ ቆልዓ (best interest of a child) ኣብ ምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ረቛሕቲ ግምት ክወሃቦም ይከኣል። ሓደ ካብኦም ድልየት ናይ ቆልዓ ምፍላጥ እዩ። እዚ ኣገባብ ግና ብግብሪ ከምቲ ዝድለ ክስርሓሉ ኣይጸንሐን፣ ብዉሑዱ ነዚ ረቛሒ ከየማላእካ ረብሓ ቆልዓ ተሓልዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኣዩ።
ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዝተኣታተወ ለውጢ
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ረብሓ ናይ ቆልዑ ዝጠቕሱ ዓንቀጻት ዝያዳ ንጹርነት ከም ዝህልዎም ተገይሩ ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን ብዘይካ ኣብቶም ልዒሎም ዝተገልጹ ኩነታት ኣብ እዋን ምርዓም ቆልዓ‘ውን ከይተረፈ ረብሓ ቆልዑ ክሕሎ ከም ዝግባእ ተገሊጹ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ብፍላይ ሕጊ ሰብነት፡ ዕድመ ቆልዑን ደረጃ ብስለቶምን መሰረት ብምግባር ቆልዑ ኣብ ኩሉም እቶም ንዖኦም ዚምልከቱ ጉዳያት ሓሳባቶም ብነጻ ዝገልጹሉ መሰል ዘውህብ ሓድሽ ድንጋገ‘ውን
ተኣታትዩ ኣሎ። ብመሰረት እዚ፡ ኣብያተ ፍርዲ ውሳነ ኣብ ዝህቡሉ እዋን ነዞም ሓሳባት ግምት ክህብዎም ዘገድድ ትሕዝቶ‘ውን ኣለዎ።
ኣህጉራዊ ክሊ ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ
ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ሓድሽ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ ኤርትራ ተኣታትዩ እንረኽቦ ሓዲሽ ክፋል ንኣህጉራዊ ክሊ ስልጣን (international jurisdiction) ዝምልከት እዩ። ክንሰርሓሉ ኣብ ዝጸናሕና መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ዝነበሩ ሕጋጋት ንንዋታውን (material) ከባብያዊ (local) ክሊ ስልጣን ዝምልከቱ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሓደ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ክርአ ይግባእዶ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝልዓለሉ እዋን፡ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ንጹር ሕጊ ስለ ዘይጸንሐን ንተሞክሮ ናይ ካልኦት ሃገራት ብምዉካስ ነቲ ሕቶ ክምልስኦ ይፍትና ነይረን። ኣብዚ ሓዲሽ ሕጊ ግን፡ እዚ ሽግር መፍትሒ ረኺቡ ይርከብ። ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ከመይ ዝበሉ ጉዳያት ናይ ምድናይ ስልጣን ከም ዘለዎም ንምፍላጥ፡ ንቐዳማይ ክፍሊ ናይ ካልኣይ መጽሓፍ ምውካስ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። ኤርትራ ከም ኣባል ዝኸተምትሎም ኣህጉራዉያን ውዕላት ዝተፈልየ ሓሳብ እንተ ዘይሃልይዎም፡ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ብመሰረት እዞም ሕጋጋት ኣህጉራዊ ክሊ ስልጣን ይህልዎም።
ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ንሓደ ጉዳይ ናይ ምድናይ ስልጣን ይህልዎም።
1ይ. ኣድራሻ ተኸሳሲ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝኸዉን።
2ይ. ተኸሳሲ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ትካል ወይ ኩባንያ ኮይኑ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝኸዉን፣
3ይ. ተኸራኸርቲ ወገናት ጉዳዮም ኣብ ኤርትራ ክዳነ ምስ ዝሰማምዑ፣
4ይ. ተኸሳሲ ንክሊ ስልጣን ዝምልከት ተቓዉሞ ኣብ ክንዲ ዘቕርብ ብቐጥታ ኣብ ድጊ ነገር ናይቲ ዘከራኽር ዘሎ ጉዳይ ኣትዩ መልሲ ምስ ዘቕርብ፣
5ይ. ንውዕል ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት እቲ ውዕል ዝትግበረሉ ቦታ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝኸውን፣
6ይ. ንካብ ውዕል ወጻኢ ተሓታትነት ንዝምልከቱ ጉዳያት እቲ ጉድኣት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዘጋጥም፣
7ይ. ንዘይንቀሳቀስ ንብረት ዝምልከቱ ጉዳያት እቲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ኣብ ኤርትራ ምስ ዝህሉ።