
ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት ፡
ሰላም ከመይ ቀኒኹም:: ንነዊሕ እዋን ጽሑፋትና ኣቛሪጽና ጸኒሕና ኢና: ዝበሃል ሲኢና ዘይኮነ: ዝደራረብ ዘሎ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ዳህሳስ ከባቢናን: ውሽጢ ልብናን ምፍታሽ ስለ ዝደለና ኢዩ::
እቶም ክስተታት ብዙሓት ኢዮም:: ነትን ከይመለስካ: ናብትን ከይሓተትካ: በዚን ከይፈተሽካ ማዓልቦ ንምብጻሕ ዘድልዮም ውስጠዘታት: እልቢ! እልብታት!!! ኮይኖም ናብ ዝዝፍዘፍሉ ዘለዉ ዘመን: ኪኖ ጽን ኢልካ ምስትውዓል: ገጥ ኢልካ ትሓልፎም ጥራይ ዘይኮነ: ምጥርጣር ልብታትና ኣዋዲድና: ንጠርጠራና ናብ ጭቡጥ ሓቂ ንምምጻእ: ብድሆ ንብለሉ ህሞት ኢዩ እዚ ህሞት እዚ::
– – – – –