“ህ.ግ.ደ.ፍ” ሎሚ ጽባሕ እቲ ዘይንቅነቅ ሃገራዊ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ! እቲ ሓቂ ንሱ ምኳኑ ኣሚንኩም እቲ ዕረ ውሓጥዎ

News Opinions ትግርኛ
ልዕሊ እቲ ዋና`ዶ ወናኒ ኣሎዩ? ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ መን’ዩ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ዝነግር? ብዋጋ መን? ብዘይ ገበርካዮን ዘይወዓልካዮን ኣርሓ ክትከውን ምድላይ ካብ ነብሰ ምትሓት ኢዩ ዝብገስ።
ልዕሊ እቲ ዋና`ዶ ወናኒ ኣሎዩ? ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ መን’ዩ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ዝነግር? ብዋጋ መን? ብዘይ ገበርካዮን ዘይወዓልካዮን ኣርሓ ክትከውን ምድላይ ካብ ነብሰ ምትሓት ኢዩ ዝብገስ።

ተኬኤ ክብሮም (ስዊዘርላንድ) ፡

ኣብ ገለ እዋን፡ ካብ ታሪክ ብኣዝዩ ዘሕፍር ስዕረት ዝተሰናበቱ ወገናት እንታይ ከምዝብሉ ክትሰምዕ ትህንጠ ኢካ። እቲ ምንታይ ንስዕረቶም እንታይ ኢሎም ኮን የመክንይሉ ብዝብል ምክኒያት። ኣብዚ እዋን ብካድረታት ወያነን ሰዓብቶምን ዝጸሓፉ ዘለዉ ጽሑፋትን ብቃላቶም ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታትን፡ ግደፍ ንዓና ንኤርትራውያን ሰብ እቲ ጉዳይ፡  ነቲ ናትና ዝብልዎ ህዝቦም`ውን እንተኮነ ከእምን ዘይክእል ሕልሚ ካብ ምኳን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ ልዕሊኡን ልዕሊ ሃገሩን እናተበራረዩ ከቢድ ሕሰም መግዛእቲ ዘውረድሉ ገዛእቲ ሓይልታት ካባ ሕፍረት ኣጎልቢቡ ከም ዘባረሮም ዓለም ብዓለማ እትፈልጦ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ክነሱ፡ ሎሚ መራሕቲ  ወያነን ጸሓፍቲ ኢትዮጵያን ታሪክ ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንዕኦም ብዘርብሖም መንገዲ ክጠማዝዝዎ ንዕዘብ ኣለና።  ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ መን’ዩ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ዝነግር፣፣

ፈላስፋታት  ወያነ እንታይ ኢሎም እንታይከ ጽሒፎም ዘይኮነስ፡  ንሕና ኤርትራውያን ታሪክና በቲ ቅኑዕ መንገዲ ንምጽሓፉን ምስናዱን ንመጻእቲ ወለዶ ኣብ ምትሕልላፉን እንታይ ገይርና እንታይከ ክንገብር ኣለና?

ጌና ዝክሪ ብረታዊ ቃልስና ህያው እናሃለወ፡ ነቲ ቅያን ጅግንነትን ዝሰርሕዎን ዝፈጸምዎን ብህይወት እንከለዉ፡ በደልን ጥልመትን ክፍጸም ክትርእይ እንከለካ ኣዝዩ ዘገርም ነገር እዩ።
ተዛረብትን ጸሓፍትን  ወያነ፡ ሰኣን ኣፍልጦን ሓበሬታን ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ታሪክናን መንነትናን ንምህሳሱን ሱር መሰረቱ ንምጥፍኡን ተባሂሉ ዝስራሓሉ ዘሎ ከንቱ ውዲት ምኳኑ ኣይጠፍኣናን እዩ። እዚ ከኣ ደቂቅ ክንስካ ክንዲ ገዚፍ እምባ ኬንካ ክትርኤ ምፍታን እዩ። ግን ብዋጋ መን?  ብዋጋ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዕላማ ካድራት ወያነ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍትን ኣብ ዝተፈላለያ ፓልቶካትን እናቀረቡ ምስሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምድዋን ዘየለን ዘይተባህለን ጠቀነታት ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሮምሉ ዘለዉ ዕላማ፡ ካብ ነብሰ ምትሓት ዝተበገሰን ብዘይ ገበርካዮን ዘይወዓልካዮን ኣርሓ ክትከውን ምድላይ`ዩ። እዚ ግን ንመን ንምትላል ተባሂሉ ዝተገብረ ክከውን ይክእል?

ነቲ ታሪክ ዝሰርሑ ሰብ ቅያ ጀጋኑ እናሃለዉ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ፡ ካብ ታሪክ ዝሰርሓ ህዝባዊ ግንባር ካብታ ዝደቀቀት መርፍእ ክሳብ እታ ዝዓበየት መድፍዕ ሓገዝ ዝተቀበልኩም ባዕልካትኩም መራሕቲ  ወያነ እናሃለኩም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ሓቀኛ ታሪክ ኣጸቢቆም እናፈለጡ ደኣሞ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ይቅረ ዘይበሃሎ ገበናት ኣብ ልዕሊ ታሪክ ክሕደት ምፍጻም፡ ንምንታይ ዕላማ`ዩ፡ ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን ዝብል ግርም ዝኮነ ምስላ ኣቦታትና ኣለና ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ናትናዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ`ዩ ምባሎም ዘገርም`ውን ኣይኮነን። ካብ መንፈሱ ዝሃደመ፡ ተቀባልነቱ ዝላሕልሐ  ወያነ ክንጽበዮ እንክእል ሓቀኛ ነገር ኣሎና ድዩ?  ስለዚ እቲ ዝዓበየ ተራን እጃምን ናትና ግደ እዩ። ታሪክ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ብእልፊ ዝጠፈሹን ታሪክ ዝፈንፈኖምን ሰባት ከምዘይትንከፍ ንምግባሩ ብርዕና ክንስሕል እጅገና ክንስብስብ ጥራዩ ዘለና።

እንተ`ቶም ንውዕለት`ቲ ዝሃነጾም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከነኣእሱን ክክሕዱን ዝፍትኑ ዘለዉ ግን ኣብዚ ዘለውዎ ደረጃ  ኮይኖም ነብሶም ከለልዩ`ውን ዓቅምን ብቅዓትን የብሎምን? ሃገር ምስ ኮኑ`ውን እንተኮነ ብዘይ ምዕራባዊ ትካቦን ምጽወታን ኣብራኮም ኣሚኖም ደው ክብሉ ዘይከኣሉ ደኣ እቲ ሓይሊ ነይሩና ዝብልዎ ናበይ ኣበለ? ኣብ ብልሽውናን ጉቦን ዝገማድሑ ዘለዉ ደኣ እቲ ሃኒጽናዮ  ወይ ነይሩና ዝብልዎ ሰውራዊ ሓይሎም ናበይ ኣበለ?

ህዝባዊ ግንባር ትማሊ ሎሚ ጽባሕ ፡ እሙን እቲ ዘይንቅነቅ ሃገራዊ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ሓይሊ`ዚ ከኣ እዩ ንደርማስ ተጻብኦታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ስርዓት ወያነን ኣላሽ ኣቢሉ ስልጥንትን  ሰላም ዝዓሰላ ርግእቲ ሃገር ኣብ ምህናጽ ለይትን መዓልትን ከይበለ ደም ረሃጹ እናከፈለ ዓቢ ሰረት ናይ ምዕባለ ዘንብር ዘሎ። እዚ`ውን ከምቲ ናታትኩም ብትካቦ ዘይኮነስ ኣብ ጉልበቱን ብቅዓቱን ኣብ ገዛእ ነፍሱ ኣሚኑ ይምርሽ ኣሎ ጌና`ውን ልምዓትና ቀጻሊ`ዩ።

ሕጂ ድማ፡ ከምቲ ዕንቅርኦብ ክንዲ ብዕራይ ክትከውን ኢላ ተነፊሓ ተነፊሓ ተተኩሳ ዝሞተት፡ ካድራት ወያነ ኸኣ ነቲ ኣብ መዛግብቲ ሰውራታት ዓለም ዓቢ ክብሪ ዘለዎ ዓርሞሽሽ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ክወዳደርዎን ከነኣእስዎን ምፍታኖም ንጭፍራ ወያነ ነብሰ ቅትለት እዩ። ኣብ መወዳእታ ትሕዝቶ መልእክተይ ሬድዮ BBC ብዛዕባ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ኣመልኪታ ንዝሃበቶ ቃለ ምስክርነት ጌረ ክዛዝሞየ፡ ጸላእቲ`ውን እቲ ሓቂ ንሱ ምኳኑ ኣሚንኩም እቲ ዕረ ውሓጥዎ።

ህዝባዊ ግንባር መንነትና`ዩ
ሰማእታትና ዘንተእለት ይዘከሩ

ዓወት ንሓፋሽ