ጀብሃ ካብ “ብሻእብያ ዝመጽእ ናጽነት መግዛእቲ ይሓይሽ” እንዳበለት ተሳኢራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስወጸት

እናሓደራ ዝጫጭሓ ጉጅለታት ተቓወምቲ ኤርትራ

News Opinions ትግርኛ
ጀብሃ ካብ “ብሻእብያ ዝመጽእ ናጽነት መግዛእቲ ይሓይሽ” እንዳበለት ተሳኢራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስወጸት
ጀብሃ ካብ “ብሻእብያ ዝመጽእ ናጽነት መግዛእቲ ይሓይሽ” እንዳበለት ተሳኢራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስወጸት፡ እቶም ኣባላታ ዝነበሩ ሰባት፣ ካብ ሽኡ ኣትሒዞም ካብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝዀብለሉ ኢዮም። ነቲ ዝተፈጥረ ሓድሽ ክውንነት ተቐቢሎም ኣብ ሃገራዊ መስመር ተጸምቢሮም ግደኦም ከበርክቱ ትብዓት ኣየጥረዩን። ከም ብዙሓት ካልኦት እውን ጸግዖም ኣይሓዙን። ኣብ ክንድኡ፣ ምስ ዝመጸ ንሃገር ዝጻባእ ግዳማዊ ሓይሊ እናተጸግኡን ኣብ እግሩ እናሰገዱን፣ ኣብ መዲናታት ጎረባብቲ ሃገራት ክዛውኑ፣ እናተጸዋውኡ በብዓይነቱ ኪዳናት ክምስርቱን ነዊሕ ከይጸንሑ ክፈናጥሑን እድመና ምሉእ ተዓዚብና። እንታይ ዘሪእኩም እንታይ ሓፊስኩም ዝብል ለባም ሓታቲ እንተዝረኽቡ፣ ጽልኢ ዘሪኦም ውርደት ክሓፍሱ እምበር ካልእ ኣይረኣናን።

ተኽሎም ንርኣዮ

እዞም “ተቓወምቲ ኢና” ዝብሉ ዘለው ወገናት፣ ካበይ ዝመጹ ኢዮም? እንታይ ስለዝኾኑ እዮም ዝቃወሙ ዘለው? ንዝብል ሕቶ እምበኣር፣ እዚ ኣብ ታሕቲ ዝዘርዘርክዎ ድሕረ-ባይታኦም ጽቡቕ ገይሩ ዝምልሶ ኢዩ። ኣመጻጽኣ ናይተን ዘቘምወን ኣብ ፖለቲካዊ ንግዲ ዝነጥፋ ዘለዋ ጉጅለታት ክትጸውየሉ እንተፈተንካ መትሓዚ የብሉን። ደቂቕ ዝርዝራቱ ገዲፍና ግን ንምጥቕላል እምበኣር ሕስረት ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ዓስቢ ሕሉፍን ሕማቕን ታሪኾም ኢዩ። ብሰንኪ ጉድለት ብቕዓቶም፣ ተንኰለኛ ባህርያቶም፣ ናይ ስልጣን ስስዐኦም፣ እሸልነቶም፣ ወገናዊ ኣተሓሳስባኦም፣ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንባእሎም ነድዮም ብምትራፍ፣ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ዝነበረ ዓቢ ሃገራዊ ዓቕሚ ዘባኸኑ፣ ውድብ ለኪሞም ዝጠፍኡ፣ ብግዜን እድልን ህዝቢ ዝተጣልኡ፣ ኣብ ትሕቲ ጸላእቲ ብምስጋድ ክብረት ሃገርን ህዝቢ ዘዋረዱ ገበነኛታት እዮም። ዘይፈለጠ እንተሎ ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦም!

እዚ ጽሑፍ’ዚ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ኣብ ዝነበርክሉ እዋን፣ ከምኡ’ውን ተ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምብትታና ኣብ ዝሰዓበ መድረኽ ካብ ዘዋህለልክዎ ውልቃዊ ትእዝብቲ ምርኩስ ብምግባር ዘዳለኽዎ እዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ካባይ ንላእሊ ኣፍልጦን ደቂቕ ትእዝብትን ዘለዎም ሰባት ከምዘይስኣኑ ይኣምን። ኩልና እቲ ንፈልጦ ሓቂ እንተንገልጽ ድማ፣ ልቦና ተካእቲ ወለዶታት ክንደይ ኮን ምሃብተመ እብል። ሰናይ ንባብ።

ታሪኽ ኣይንረስእ፡ ጉእዞና ክቐንዕ