ምቕልቃል ሓደስቲ ነብያት ተሳዓርነት

ምቕልቃል ሓደስቲ ነብያት ተሳዓርነት ……’ጉጅለ ምሁራት’ ዝገማዳሕ ዘሎ ድርዳር ክስታት፡ ካብ ናይ ወይዘሮ ሺላ ከታሩት፡ ብምንታይ እፍለ?

  The Eritrean traitors camp and their coteries in tha name of intellectuals, bandwagon activists with lynch mob mentalities have shown signs of comeback to provide the minority regime in Ethiopia what it could not get in the battlefield

The Eritrean traitors group and their coteries all packaged under the name of intellectuals and bandwagon activists with a lynch mob mentalities have shown signs of comeback to provide the minority regime in Ethiopia what it could not get in the battlefield

By ተወልደ ብእምነት,

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብፍላይ ድማ ካብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያ፡ ነዚ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ፡ ሃገር ኢጣልያ እተኸስተ መቕዘፍቲ ዜጋታትና፡ ዝተፈለለዩ ወገናት፡ ነቲ ሓደጋ መዝሚዞም ንኻልእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት መጸባበቂ ክጥቀምሉ፡ ዕግርግርን ህውከትን ዘጠዓዕም ባይታ ንኽጥቀምሉ ከም ኣቓሓ መሸጣ ኣብ ዕዳጋ ክገላበጥሉ እጸቓቀጥሉ ኣለዉ። ዞባውያን ውድባትን ሃገራትን፡ ውሽጣውያ ዕሱባት ‘ደቂ ሃገርን’ ብፍላይ፡ ብዘይ ዕርፍቲ ጽዑቅ ኣዕናዊ ጎስጓት ከራብሑ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣሎና። 

ገለ ካብ’ዞም ክጥቀሱ ዝጸንሑ ኣካላት፡ ብዕለት 11/03/2013 ናብ መራሕ ሃገርን መሳርሕቱ ሚኒስተራቱን፡ ንሓለፍቲ ሓፋሽ ማሕበራት ዝተላእከ ‘መልእኽቲ’ ብመልክዕ ‘ኣቤቱታ’ ብትሕዝቶኡ ግን ነቲ ኣብ ሃገር ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና መርሓ ሕግታት ፖሊስታት፡ ከም ኣብ ምዕቃብን ምክልኻልን ላኣላውነት ሃገር ፡ ስርዓተ ትመህርቲን፡ ምቁጽጻር ሓደገይኛ ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ዕንደራታትን፡ ንኣተሓሕዝኡን ኣተገባብርኡን፡ ዘቋናጽብን ዘነኣእስን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ፍልሰት መንእሰያት፡ ንህልቂት ላምፐዱዛ ከም ጽቡቅ ዕድል ተጠቂሞም …ንናዕቢ ዝደፋፍእ ክስታት ዝተቀለመ ‘ደብዳበ ተላኢኹን፡ ዜጋታት ኣብ’ዚ ዘይቅዱስ ተልእኾ ናይ ደገፍ ክታም ከምብሩ ዝጽውዕ ኢዩ። እቲ ኣቀራርጻን ትሕዝቶን ናይ’ቲ ደብዳበ፡ ካብ ጭንቀትን ሕዱር ፖለቲካዊ ሕማማት ዝነቀለ ባዕላዊ ፈኵስ ገመጋም ኮይኑ፡ ነቲ መሰረታዊ ሽግርን ሰንሰለታዊ ቀጻሊ ግዳማዊ ተጻብኦታትን ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ነቲ ንምሉእ ህዝቢን ሃገርን መሰልን ክብርን ዝገፈፈ መሰረታዊ ዘይፍትሓዊ ስጉምትታት፡ ነቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕንቅፋታት፡ ብሰንኩ ኣብ ገስጋስ ዝህንጻ ሃገር ዝፈጠሮ ምድንጓያት፡ ጎስዮሞ ሓሊፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኮነ ኢሎም ነቶም ዓመጽቲ ህዝቢ ኤርትራ ንግፍዕታቶም ክሸፋፍንሎም ኪዳን ዝኣተዉ ኢዮም። ምኽንያቱ ነቲ ንሳቶም ወግሐ-ጸብሐ ኣነጻጺሮም ዝጸቅጡለን ህላወና ዘውሕሳ ዓንደ-ማእከል ዝኾና ፖሊሲታትን ጉዳያትን፡ ብኣሉታ ተርጉሞም ከካማሱዑወንን ከጸልሙን ዝጸንሑ፡ እዛ ሓዳስ (መሰል) ዕስለ ድማ ኣቤቱታኣ ከምኡ ኢዩ ዝሕብር።

1፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎን ኣተሓሕዝኡን ኣተገባብርኡን፡

. ብመጀመርያ እዞም ከሰስቲ፡ መብዝሕትኦም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙን፡ መንግስትን ህዝብን ብልዑል ወጻኢታት ናብ ግዳም ተላኢኾም፡ ተማሂሮም ህዝቦም ክኽሕሱን ዝግብኦም ዝጠለሙ፡ ጓኖት ከገልግሉ ዝመረጹ ዝርከብዎም ወራዙት ኣናብር ወረቕቐቲ ኢዮም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 4-5 ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገር እተስገደደ ጎዳኢ እገዳ ክድግፉ ጸኒሖም፡ ኣብ መኣዲ መኸተ ዝኾነ እጃም ኢዶም ዘይሓወሱ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ጎድኒ ጸረ ኤርትራዊያን ሓይልታት፡ ንመንነትን ህላውነትን ዝጻረሩ ናይ ግዳምን ውሽጥን ኣካላት ተሰሊፎም ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት ምዃኖም እፍለጥ። ኮይኑ ኸኣ፡ ነቲ ርኡይ ኣገዳሲ ዓንደ-ህላወ ሃገር ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህላወ ሳዋን ምጽራርን ክተርፍ ኢልካ ወጠጥ ምባልን፡ ብመሰረቱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድ ሓረድቲ ክወድቅ ምፍራድ ጥራይ ኢዩ ዘስምዕ እቲ ኣቤትታዊ ክስታት።

ብዛዕባ ምንውሑን ምሕጻሩን፡ ኣብ ዘዝጸናሕካ ጸኒሕካ፡ ከም ሓደ ጓና ኣብ ሓደ መሽጎራጉር ኣስቂጥካ ኔርካ፡ ብዘረባን ጽሑፋትን ምውርጻጽ ንመን? ብቀለም ዝኾነ ነገር ሓናጢጥካ ምጭራሕ ‘ንጨለታት’ እቲ ዝቀለለ ስራሕ’ዩ። መሬትና ጸላኢ ሰፊርዎ ምህላው ኣይተራእዮምን ማለት ኣይኮነን፡ ዓሚ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2012፡ ስርዓት ወያነን ኣኸደምቱን ኣብ ክልተ ግንባራት ዶባትና፡ ቅሩብነትን ድልዳለን ተኸላካሊ ሰራዊት ሃገር ክፈታትኑ፡ ወራር ከምዘይከፈቱ፡ ሎሚ ኣይዕለቱ ኣይዓመቱ፡ ብዛዕባ ምንዋሕ ምሕጻርን ኣገልግሎት ሰራዊት ሃገር፡ ኣገባብን ስንብታን ቅጥዕን ኣልዒልካ ምውርጻጽ ከመይ? ሽዑ እዞም ‘ዶክተራት’ ስለምታይ ኣይረኣይዎን? ብዛዕባ እቲ ወራር’ውን ከም’ዚ ናይ ሎሚ ጌሮም ኣየእወዩን። ነዚ ዝርአ ዘሎ ሓደጋታ፡ ወያነ ሓደስቲ ስኮይ (Sukhoi SU Fighter)፡ ቲ-72 ዝዓየተን ታንክታት ክሽምት፡ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ንህዝቢ ብትኩርነት ዝከታተሎ፡ ንዖኦም ኣይንታዮምን ስለ ዝኾነ። “ሰራዊት ብኣስገዳድ ኣብ ዶብ ሰፊሩ” ዝብል ዘረባ ኸ፡ እዚ ስግኣት’ዚ እናንጸላለወ፡ ቦታ ንመን ክግድፍሉ ኢዮም ዝምጉቱ ዘለዉ?

ብኣቋራጭ ሓደጋ ናይ ላምፐዱዛን፡ ብዋጋ ሬሳታት ዜጋታትናን ምስ’ቶም መዳኽርቲ ብርዖም ክስሕሉ ብኸመይ ንመን ረብሓ? ንህዝብናን መንእስያትን ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ዝሓለይሉ ንክመስሉ፡ ኣብ ማሙቕ ዓሪድካ፡ ዘዝጠዓመ እናዓጸድካ ዘዝበለጸ እናጨለጥካ፡ ከም’ዚ ዓይነት ሓደጋታት ከጋጥም ከሎ፡ ናይ ሓሶት ኣውያት ከተእዊ ልቢ ሰብ ክትበልዕ ነውሪ። ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ሃሊኾም ዝረብረብሉ ጸወታ፡ ኣሰር ናይ G13 ወይ G15 እንተተኸተሉ ድማ ህዝቢ ክዕዘቦም ምዃኑ ዝዘንግዕዎ ይመስሉ’ዞም ሓደስቲ ህንጡያት። እቲ ቀናእ ወያነ እውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተኣወጀ ኣይፈተዎን። ሓላይ መንእሰያት ክመስል “እንታይ ኣድለየኩም” ዝብል ሓውሲ ተቃውሞ ኣተንቢሁ ምንባሩ ኣይረሳዕናን።

2፡ ብዛዕባ ፖሊስታት ስርዓተ ትምህርቲ፡

. ንብልጫታት ሳዋን፡ ሳዋ ዘፍረየቶ ብሉጽ ዜጋን ምስ ህላወን ቀጻልነትን እዛ ሃገር፡ ኣዛሚዱን ኣመዛዚኑን ዘይርኢ ዕሙት ዓይኒ፡ ነዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ውድዓዊ ሓቂታት ዝኸሓደ ልቢ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ ዘይተዛነቀ ምዕባለን፡ ንሱ ዘስዓቦ ጋግ ዝርግሐ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንኹሉ ዜጋ ዘባጽሕ ዘይምንባሩ ከይተንከፍካ ምሕላፍ፡ ካን እዚ ድዩ እቲ መምዘኒ ፍልጠትን?

ኣብ ውሽጢ እዚ 20 ዓመታት፡ ኤርትራ ኣብ ዕብየት ኣገልግሎትን ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ተዓሚሙ ዘሎ ዘተባብዕን ውጺኢት ኢዩ። ብመንጽር እተን ቅድሜና ንነዊሕ ዓመታት ባንደራ ሰቂለን ዝጸንሓ ኣሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣወዳዲርካ። እሞ ኸኣ ምስ’ዚ ኹሉ ዘይተኣደነ ዕንቅፋታት።

ብተወሳኺ፡ ንተመሃሮ 12 ክፍሊ ናብ ሳዋ ወሪዶም ክመሃሩ ዘገደደ ምኽንያት፡ ከም’ዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ እሞ ኸኣ ከም ሓደ ኣዋጣሪ ሕቶ ኣምሲልካ ምቅራብ፡ ከም ጉድለት ክትተዃቱዅ ምህንዳድ፡ ከም ጠንቂ ነዚ ዝርአ ዘሎና ፍልሰት መንእሰያት፡ ንመንግስቲ ክትከስስ ከተነኣእስ፡ ዘይመልክዑ ክትህቦ ምፍታን፡ ኮነ ኢልካ ነቲ ብሉጽ ውጺኢቱን ረብሓታቱን ንዘይተፈተዎም ኣካላት ከተሐጉስ ዝተማህዘ፡ ኣንጻር ሓፋሽ ህዝቢ ምስላፍ ማለት’ዩ።

ብዝሕን ዝርጋሐን ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ክንደይ እየን ኔረን ቅድሚ ናጽነት? ንኹሉ ዜጋ ከሳትፋን ክባጽሓን ይኽእላ ዶ ኔረን እየን? ውሑዳት ኣብ ውስናት ዓበይቲ ከተማታት ጥራይ ዝተሓጽራ ዝተዳኸማ ምንባረን ኣብ’ታ ሃገር ዘይነበረ ሰብ ወይ ጋሻ ጥራይ እዩ ዝደናገር። ወዮ እዞም ፈላስፋታት ክርእይዎ ኣይደለዩን እምበር፡ ሳዋ መህነጺት መደበር፡ ንሓዳስ ኤርትራ ዝሃንጹ ዜጋታት እተፈልፍል መዲና ኢያ። ንኹሎም ኣባላት ብሐረ-ሰባትና ኣብ ሓቁፋ ኣማሙቛ፡ ሓድነነት እትኹስኩስ፡ ሃገራዊ ፍቅሪ እተፈልፍል እተስንቅን ማእከል። ብጀካ እቲ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ዓመታዊ ትምህርቲ፡ ነቶም ናይ ኮለጃት መሕለፍ ነጥቢ ዘይረኸቡ መንእሰያት ዘርሞ-ዞርሞ ከይተርፉ፡ ዝተፈላለየ ሞያዊ ኮርሳት ዝህባ ክፍልታት እተደኮና ፡ ሃገር ላኣላውነታ ክይድፈር ብኹሉ ዓይነት ስልጠናታት ቅሩብ መንእስይ ክህልዋ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣካዲያማዊ ትምህቲ ወሃደራዊ ትምህርቲ ትህብ። ከም ሃገርን ህዝብን ተኸቢርናን ተሓፊርና፡ መታን ክንነብር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ርድኢትን ኮይኑ፡ ግቡእን መሰልን ነፍሲ-ወከፍ ዜጋታትና ከኣ ኢዩ።

ስርዓተ ትምህርትን ላዕለዎት ደረጃ ሃገርና ኣህጉራዊ ተቀባልነት ብዘለዎ፡ ምስ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ዝቃዶ ካርክለም ዝተዋሃሃደን ኢዩ። ብቁዕ ዓቅሚ ሰብ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝዓጠቀ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተኸለስ ዝምዕብል ዘሎ ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ንኹሉ ዝባጻሕ ምዕሩይ ዝርጋሐ መልክዕን ሒዙ ክስስን ድማ ብዝግባእ ይጽዓረሉ ኣሎ። ምስ’ዚ ዘሎ ዝተፈላለየ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት። ከም ኣብነት ዝጥቀስ ኮለጅ ጥዕና ዘርእዮ ዘሎ ገስጋስ ፡ ዝዓብያን ዝሰፍሓን ዘለዋ ኮሎጃት፡ ማሪን ተክኖሎጂ፡ ሕርሻ፡ ስነ-ኪነትን፡ ሳይንስ ተክኖሎጅን ወዘተ….ኣብ ምፍራይን ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ ሃገር፡ እሞ ኸእ ብነጻ ኣበየንይ ሃገር ኢዩ ከምዝ’ዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህብ መንግስቲ፡ ዋላ ኣብተን ዝማዕበላ ተራእዩ ዶ ይፈልጥ ኢዩ? እዞም ሰባት እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ? ዝበላዕካሉ ሸሓኒ ምስባር ኮይኑ እምበር፡ ገሊኦም ኣብ’ዚ ተመሂሮም ከም ዝዓበዩ መን ኣሎ ዝጠፍኦ።

3፡ ምድንጓይ ትግባራ ግዝእተ-ሕጊን ጽዑቅ ፖለቲካዊ ምቁጽጻርን፡ ምዕጻው ብሕታውያን ማዕከናት ሓበሬታ፡

. እዚ ከም ሳልሳይ ረቛሒን ጠንቂ ፍልሰትን ዝኾነ ክብሉ ዘቋማጥዕዎ ዘለዉ ዝመሽመሸ ዘረባታት ኢዩ። መንእሰያትን ቆልዑን ጥኑሳታ ኣዴታትን፡ ምውቅ ገዝኦም ሓዲጎም ክጠፍኡ፡ ኣብ ሕጻታት ምድረበዳ ሰሃራ ተሰትዮም ክተርፉ፡ ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ግዳይ ሸፋቱን ደለልትን፡ ህይወቶም ኣሕሊፎም ክህቡ፡ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ዓይኖም እናረኣዩ ክሰጥሙ፡ ቅዋም ስለ ዝተደናጉየ፡ ብሕታውያን ማዕከናት ስለ ዘየለዋ  እዮም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኢልካ፡ ከም ቅቡልን ክውንን ወሲድካ ነገራት ክትተሓዋውስ፡ ብኡ ኣቢልካ ነቃዕ ክትፈቅቅ ህርድግ ምባል፡ ካብ’ቲ ብተጻባእትና ኮነ ኢሎም ዝንዛሕዎ ዘለዉ ኣጸላሚ ወረታትን ጸለመታትን ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ትግባረ ቅዋም እንተኾይኑ ዝዝረብ ዘሎ፡ ‘ኣይተተርጎመን’ ኢልካ ደጋጊምካ ዓንገረር ምባል፡ እዚ ኣብ ሃገር ዝሰላሰል ዘሎ፡ ብጀካ እቲ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዘሎ ዓበይቲ ምዕባለታትን ዝግርሐን፡ ኣብ መንጎ ገጠርን ከተማን ዝጸንሐ ኩለ-እንትናዊ ጋግ፡ ንኽቀራረብ፡ …..ህዝብና ካብ ተጸባይነት ምጽወታን ተናጊፉ ኣፍርዩ ከብዱ ጸጊቡ ክሓድር ዝግበር ደርማስ ጻዕሪ፡ ተኣታትዩ ዘሎ ሰፊሕን ኣተኣማማንን ቁጠባዊ ገግስጋስን፡ ምዝርጋሕ መራኸቢ ጽርግያታትን መስመራትን…ወዘተ..ወዘተ፡ መትከላት ሃገራዊ ቅዋምና ዶ ኣይኮነን? ክርኢ ንዘይደሊ፡ ወይ ንሓንቲ ክፋል ትሕዝቶ ናይ’ቲ ቅዋም ብርዱእ ኩነታት ክሰላሰል ስለ ዘይተኻእለ ግን፡ ቅዋም ኣይተተርጎመን ኢልካ ምጉርማራም፡ እዚ እውን ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ብምሉእ ክትርጎም ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ህንጻ ዝወስዶ ጊዜ ብሳልስቲ ብራብዕቲ ዝሳለጥ ዘይምዃኑ፡ ኣዕሙቕ ኣቢልካ ታሪኽ ካልኦት ኣህዛብ ምውካስ ጠቃሚ ይመስል።

ሕጂ እውን መንእስያት ደቂ ዓሰርተ ሓደ፡ ደቂ ዓሰርተ ክልተ ዝዕድሚኦም፡ ጽምኣት ብቁዕ ሓበሬታ ኣጥቂዕዎም ሓበሬታ ሲኢኖም ወዘተረፈ….፡ ሃገሮም ገዲፎም ንኽጠፍኡ ተደፋፊኦም ኢሎም ኣእዳዎም ክዋጣውጡ፡ መባዝሕ ጸለመታት ጥራ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ሃገርና ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ምውሓድን ምብዛሕን ዘይኮነ እቲ ቕውምነገር፡ ህላውአንን ኣገልግሎትተንን ከመዩ? ብብሕቲ ዝውነና መራኸቢታት ምህላውን ዘይምህላወን፡ ከምጽእኦ ዝኽእል ፍልልያት ኣብ ህይወትን መነባብሮን ደቂ-ሰብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ክወቅዕ ከይውቅ ወልፊ ቆየቛ ጥራይ ኢዩ። መጀመርያ ዘለዋና ህዝባዊ መራኸቢታት ንብረት ሓፋሽ እየን። ንረብሕኡ ይሰርሓ ጥዕዩን ኣድላይን እተማለአ ሓበሬታ የመሓላልፋን የሳትፋን። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ትግርኛን ትግረን፡ ኤርትሪያን ፕሮፋይል፡ ኤርታራ ኣልሓዲታ (EritreaAlhaditha) ዓረብ፡  ብሓጺርን ነዊሕን ሞገድ፡ ናይ ኤፍም ረድዮን፡(FM and AM) ብቲቪ ኤረን ዝዝርጋሕ መደባት፡ ትሕዝቶን ዝቀርብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ህይወት ሃገርና ዝድህስስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንምምሕዳራትን ሰብ መዝን ኣብ ኣሰራሓ ትካላት ክማላእ ኣለዎ ዝበሃል መተሓሳሰቢታት ዘአንግድ መደባት ዝሓቆፋ ምዃነን ዘይፈልጥ የልቦን። መደብ ብጋህዲ ኣብ ቲቪ ኤረ፡ ካብ ህዝቢ ዝቀርብ ርእይቶን ሃናጺ ነቀፌታዊ ሓሳብትን፡ ልዝብ መንእሰያት ብመልክዕ ሕቶን መልስን ዝአመሰሉ ፕሮግራማት፡ ኣብ ምርግጋጽ ስኒት ሰላምን ዝጻወትኦ ዘለዋ ተራ ዓቢ ኣበርክቶ ኮይኑ፡ ሓበሬታ መረኸቢ ብዙሓንን ንመጋየጺ ንርእዩለይ ዘይኮነ፡ መሰል ናይ’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝሕሉ ኮይኑ ክእለ ይግባእ።

እቲ ምስ ሓለፍቲን ሰበ-ስልጣን መንግስትን በቢእዋኑ ዝግበር ሰሚናራት ዋዕላታት ወዘት…(ኣበየናይ ዓለም ኣሎ ከምኡ) ኣገልግሎት ተሌፎን፡ ፊሊማት፡ መጻሕፍቲ ብኹሉ ቛንቛታት፡ ዝርጋሐ ተንቀሳቓሲ ተለፎናትን መስመር ኢንተርነት፡ መንእሰያት ብእኡ ኣቢሎም ዝበጽሕወን ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሐን ዘለዋዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ናይ ባዕዲ ከይተረፈ ዝከታተልሉ ናይ ሳተላይት ሽሓኒ ኣብ ክሽነታት ከይተረፈ ተተኺሉ ዘሎ(Sattelite Dish) ዜናን ሓበሬታ፡ ከይሰንቁ ተሓሪሞም ኢልካ ዓይኒ ሰብ ምንቋ እንታዩ ቁንቁኝኡ?

ንምኻኑ፡ ኣብ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት፡ ስሩዕ ‘ምርጫ’ ዘከይዳ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዘለወን፡ ከም በዓል ናይጀርያን (ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 60፡ ከንያ ከኣ ልዕሊ 40 ዝተፈላለየ ናይ ዜና ብሕታዊ ትካላት ኣሎ ከም ኣብነት) ግብጽን ቱኒዝያን ካልኦትን ሃገራት ኣፍሪቃን እውን ከምኡ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ንመንእሰያት ናይ’ዘን ከምዚአተን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ስደት ተኣርኒቦም ድዮም? ኣብ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ምዕሩይን ኣሳታፍን ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝጊቡ ድዩ? ብሰላም ዝተፈጸመ ምርጫታት ተረእዩ ድዩ? ህላወ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንቅሓትን ብስለትን መንእሰያት ተመዝጊቡ ክብሃል ይከኣል ዶ? ንነብስና ምስኣቶም ንምውድዳር ወይ ከም መህደሚ ኣይኮነን እዚ ኣብነታት ዝመጽእ ዘሎ፡ እንታይ ድኣ ከም ትምህርቲ ወሲድና፡ ቅድሚ ብትምኒታዊ ህንጡይ ቅማረታት ምህውታት፡ ብመጀመርታ ሓደ ጥዑይ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ባይታ ምንጻፍ፡ (ማሐበራዊ ፍትሒ) ንውሑስን ሓቀኛ ትርጉም ዘማእከለ ስርዓት ምትካል ከም መትከል ወስዲና፡ ደረጃ-ብደረጃ ጥንቁቅ ውሑስን ነባርን ዝኾነ ሰላምን ርግኣትን ዘስፍን ሃገር ክንውንን ሰለ ዝተመርጸ ጥራይ ኢዩ። እዚ ውፉይ መሪሕነትን መንግስትን ድማ ነዚ እምንቶን ሕድርን ከተግብር መብጽዓ ስለ ዘለዎ። ነዚ ክውንነታዊ ኣተሓሕዛ ዘይግንዘብ ሰብ እንተሃልዩ ግን፡ ንቕሓቱን ፍልጠቱን ይፈትሽ። ናይ’ዞም ምሁራን በሃልቲ ፖለትካዊ ጸወታ ግን፡ በቲ ናታቶም ሕሙም ኣጠማምታ ጥራይ፡ ሰብ ክርእዮ ክተዃትኹ ዝፈታትኑ፡ እንተሃልዮም ዕንኪሊል ክብሉ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ በዚ ዓይነት ኣቀራርባ ሰብ ክትከስብ ከተታልል ምሓሳብ ዘይከኣል ኢዩ። ተመሊስካ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ምፍታሽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምእታው፡ ሓፋሽ ህዝቢ ድማ እቲ ዓቢ መምህር ምዃኑ ምስትውዓል።

ድሕሪ እተን ሰለስተ ፍሩያት ነጥብታ ጠንቂ ፍልሰት መንእሰያት ኢሎም ዝዘርዘርወን ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ግልቡጣት ስነ-ሞጎታዊ ጭብጥታት፡ ከም መፈወሲን መፍትሕን ነዚ ዘሎ ተርእዮ ኢሎም ዝጠቀስውን ነጥብታት ኔረን። ኮይኑ ግን፡ እዚ ዓይነት ፈተነ’ዚ፡ ከም’ቲ ሓደ ስነ-ምግባር ዘይብሉ ሓኪም ሰብ ወይ ናይ እንስሳ፡ ነቲ ሕሙሙ ዝግባእ መርመራን ሓበሬታን ከይኣከበ፡ ወረቀት መአዘዚ መድሃኒት ጺሒፉ ናብ ፋርማሲ ዝልእኮ፡ ዓይነት ኣቃራርባ ጥራዩ ኢልካ ምሕላፉ ይሓይሽ። ከመይሲ፡ ሎሚ ዝኾነ ጺሒፉ ኣንቢቡ ዝኽእል ሰብ፡ ኣብ ኣብ ጉጉል ኣትዩ (Google) ውሃ ዘበለ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ዓይነት ኣርእስትታት ተርጉሙ ከም ናቱ ኣምሲሉ ክፋናጣሕ ዘጸግም ኣይኮነን። እዛ ጉጅለ ድማ ከምኡ ኢያ ጌራ።

ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ኣብ ሃገርናን ካልኦት ኣህዛብ ዝርአ ዘሎ ፍልሰት መንእስያት፡ ብዝሰፍሐ መቃኑ ምራኣዩን ከድሊ ኢዩ። ነዚ ብዓለም ደረጃ ዝፍጸም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ዓማጺ ግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ላኣላዊያን ሃገራት፡ ጣልቃ ብምስምስ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን፡ ጉልባብ ብምግባር ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ህልቀት ኣዳም፡ መትሓዚ ዝተሳእኖ ርግጫ፡ ሎሚ ህላውነት ሓደ-ሓደ ሃገራት ናብ ዘበነ-እምኒ ንድሕሪ ተመሊሰን ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ እውን እንተኾነ፡ ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መኸትኡን ነዚ ዓይነት ወስታታት ክንገጥሞ ጸኒሕና ኣሎና። እዞም ኣካላት ኢዚኣቶም ድማ ነዚ ናይ ባዕዳውያን ምትእትታ ከሳስዩ ዘርእይዎ ዘለዉ ናይ ምንብርካኽ ምቁጽጻይን ዳንኬራታትን፡ ከምኡ ኢዩ ዝእምት።

ኣብ መዛዘሚ ‘ኣቤቱታኦም’ ጸቂጦምሉ ከም ዘለዉ መንግስቲ ኤርትራ ንጠለቦም፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ እንተዘይ ኣተግቢሩ፡ “ናይ ታሪኽ ፍርዲ ምሕረት ኣልቦ ስለዝኾነ፡ እዚ ሓደገኛ ሰንሰለታዊ ምዕባለ ክትቅይሩ ንሓተኩም” ብዝብል መፈራርሒ ኢዮም ደምዲመሞ። ወይ ሰብ ደቀይ!

ንሕና ብዘይዕረፍቲ ንልዕሊ 16 ዓመታት ምሉእ ካብ 1998 ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ምፍሻል ወራር ወያን ንዳሐር ድማ ብፍላይ፡ ነቲ ስርዓት ወያነን ኮራኩሩ ‘ደቂ-ሃገርን’ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ውክልና ተጻብኦታት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ፡ ካብ ምምዋል ኩናት ጀምሩ፡ ድሕሪኡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ቀጺሉ ንብይን ዶን ከይትግበር ዝሓላለለኽ ኣካል፡ ሲዒቡ ኣደራዕ ዘይፍትሓዊ እገዳ ክንከውን ዝጸቀጠን ዝወጠነን ወገን…ሕጂ ከኣ፡ ነቲ ባዕሉ ዝነድፎ መደብ ፍልስት ዜጋታትን፡ ተገልቢጡ ብሰብኣዊ መሰል ክኸሰናን ዝግበር ዘሎ ቀንዲ ተጻብኦታት፡ ክምህ ከይበልና ብትብዓት ክንምክት ጸኒሕና። ፍጻሜ ላምፐዲዛ ሓደ መቀጸልታ ናይ’ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት እተሳእለ መደብ ምጽናት ኤርትራውን ኢዩ። ንበይኑ ተነጺሉ ዝርአ ጉዳይ ኣይኮነን። ፍታሕ ዘድልዮ ድማ ነዚ ኣብ ምሉእ ህዝብና ተኣዊጁ ዘሎ ኣጠቃላሊ ምግሃስ መሰልን ምጉዕጻጽ ፍትሕን ኢዩ።

እንተ እዞም ሰባት ኢዚኣቶም፡ “ካብ ምህሮስ ኣእምሮ” ድኣ ኮይኑ እምበር፡ ንጸላእትና ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይሕከኽ ተደጋጋሚ በደልን ዓመጽን፡ ክትሽፍንሎም ህርድግ ምባል፡ ካብ’ቲ ናይ ወይዘሮ ሽላ ከታሩት (Sheila Keetharut ) ዝደርደረቶ ክስታት ዝፍለ ኣይኮነን። ብህዝቢ ኤርትራ እቅረ ዘየብል ገበን ድማ እፍጽሙ ኣለዉ። ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ! ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!
– – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – –