ኲናት ምእንቲ ነዳዲ

News Opinions ትግርኛ
oil-wars
ኲናት ምእንቲ ነዳዲ

ተስፋማርያም ሓጎስ

ለምና ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ተሸሚማ ትርከብ ኣላ። እዚ ኲናት እዚ ጠንቁ እንታይ እዩ ? በዓል መን ካብኡ ይረብሑ? በዓል መንከ ይህሰዩን ግዳይ ይኾኑን ክንፈልጦ ዘለና ነገር እዩ ። እታ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ርእሰ ሓያል ዓለምና ኮይና ዝተቐልቀለት ኣሜሪካ ንዓለምናን ኣብ ከርሳ ሓቝፋቶ ዘላ ባህርያዊ ጸጋታት ንምግባት ብምህንጣይን ኣብተን ባህርያዊ ጸጋታት ከም ነዳድን ኡራንየምን ወርቅን ካልኦት ክቡራት ማዕድናት ዘለወን ሃገራት ንምብሓትን ንምምዝማዝን ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ ።

እቲ ብነዳዲ ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ሃገራት ዓረብ ክሳብ ሕጂ ከም ድላያ ንሳን ሰዓብታን ክምዝምዝኦ ጸኒሐንን ኣለዋን ። ነዚ ምዝመዛ ኣሜሪካን ሰዓብታን ዝተቓወሙ መንግስታት ግብረ ሽበራውያን ዝብል ናይ ቅጽል ስም ኣተጠሚቕካ ምድምሳስ ክሳብ ሕጂ ኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ዝኽተልኦ ዘለዋ ኣዕናዊ ስራሕ እዩ።

ኣሜሪካን ሰዓብታን ነቲ ናይ ዓረብ ዓለም ዝበሃል ጭራሽ ንምጥፋእ እዚ ብዒራቕ ዝጀመረ ኣብ ሊብያ ዝቐጸለን ሎሚ ውን ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ህያው ምስክር እዩ። ዒራቕ ብዘለዋ ናይ ነዳዲ ጸጋታት ኣዝያ ማዕቢላ ህዝባ ኣብቲ ሕጉስ ህይወት (Luxus life) የሕልፍ ኔሩ። እዚ ግን ንኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን እሾኽ ኣብ ዓይኒ ስለ ዝኾነ ዓባይ ኣሜሪካ ኣዕናዊ ኣጽዋር ኲናት ኣለዎ ዝብል ስም ኣጠሚቓ ነታ ሃገር የዕንያታ ። እታ ሃገር እንሃለ ኣብ ሃይማኖታዊ ኲናት ተሸሚማ ኣብ ፍጹም ዕንወት ትርከብ። 

ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት እቲ ኣብ ሊብያ ዝተገብረ እዩ። መንግስቲ ሊብያ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ ኣብ ዓለም ውን መዳርግቲ ዘይርከቦ መንግስቲ እዩ። ህዝቢ ሊብያ ሰሪሑ ኣይሰሪሑ ብመንግስቲ ተሰሪሑ ብነጻ መንበሪ ገዛ ይወሃቦ፡ ገንዘብ ንመነባብሮኡ ብመንግስቲ ይወሃቦ ኣዝዩ ዘመናዊ ሕክምና እሞ ከኣ ብነጻ ። ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ብግቡእ ዝሕሉ ፡ ሃብቲ ህዝቢ ንህዝቢ ዝዕድል ፍሉይ መንግስቲ እዩ ኔሩ። ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ባሕሪ ኣውጺኡ ንምድረ በዳ ሰሃራ ናብ ሓምላይ ልምዓት ዝቐየረን ናብ ረብሓ ሃገር ዘውዕል መንግስቲ እዩ። እዚ ኣብ ዓለም ሻሙናይ ኣደነቕቲ እዩ ( 8th wonder of the world ) ።

ንኣፍሪቃውያን ኣተሓባቢሩ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ገንዘብ ማዕከን ( AMF ) ክህልዋ፡ ንሱ ንምሉእ ኣፍሪቃ ዘገልግል ናይ ወርቂ ዲናር ባጤራ ክገብር እሞ ኣፍሪቃውያን ባህርያዊ ሃብትና ብዘርብሓና መንገዲ ብወርቂ ዲናር ክንሸይጥ ዝብል ንረብሓ ኣፍሪቃውያን ዝኣመመ ጂግና መራሒ መዓመር ቓዛፊ እዩ ኔሩ ። እዚ ኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ንዕንወተን ምዃኑ ስለ ዝተረድአን ደምሲሰን ነታ ሃገር ካብ ምድረ ገነት ናብ ሲኦል ቀይረናኣ ።

ሕጂ ናይ ሊብያ ነዳዲ ሻማ ሻማ ክብልኦ ዝዓግተን ሓይሊ የሎን ። ሕጂ ውን ተራኣ በጺሑ ትዓኑ ዘላ ሃገር ሶርያ እያ። ሶርያ ውን ሓመዳ ንላዕሊ ተገልቢጡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ህዝባ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ክግደድ እንከሎ እቲ ዝተረፈ ቤት ንብረቱ ዓንዩ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ተፈናቒሉ ይርከብ። ስለዚ እቲ ንዓረባዊ ዓለም ጭራሽ ንምጥፋእ ዝተወጠነ መደብ ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ ።

ኣብ ኣፍሪቃ እንተ መጺእና ውን ሕልሚ ዓባይ ኣሜሪካን ሰዓብታን ብመጀመርያ ሓድነት ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ ብትን ምእታው ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ ከርሲ ኣፍሪቃ ንዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ባህርያዊ ሃብቲ ንምግሓጥ እዩ ። ኣሜሪካ ነዚ ብግቡእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንኣፍሪቃ ደቡባውን ምዕራባውን ምብራቓውን ኢላ ብምኽፋል ኣብ ዘዞብኡ ዕሱባት መንግስታት ውክልና ጌራ ተካየዶ ኣላ ።

ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ኬንያን ኢትዮጵያን ክኾና ከለዋ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ኣፍርቃ ድማ ደቡብ ኣፍርቃ እየን ። እዘን ብኣሜሪካ ዝተዓስባ ሃገራት ህዝበን ይጽገብ ይጥመ ናብራ ይሕሰሞ ቅጭጭ ኣይብለንን እዩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣሜሪካ ኣብ እትኣጕዶ ኲናት ብውክልና ይሳተፋ። ንኣብነት ኢትዮጵያ እንተወሲድና ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ወራር ከተካይድ ከላ ሓይሊ ሃልይዋ ደይኮነስ ብውክልና ኣሜሪካ እያ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍልይ ኣቢልና ምስ እንርኢ ኣሜሪካ ኣጽፋራ ተኺላ እተካይዶ ዘላ ኲናትን ዕግርግርን እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ከተእትዎ እሞ ንዓለምና በይና ክትብሕታ ስለ እትደሊ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቻይናን ህንድን ብሓይሊ ማዕረ ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ሓሊፈናኣ ክኸዳ ዝተረፈን የሎን። ህንዳዊ ውቅያኖስ ንህንድን ንቻይናን ልዕሊ ዝኾነ ኣገዳሲ እዩ ። እቲ ዘሎ ቅድድም ንህንዳዊ ውቅያኖስ መን ዓብለለ እዩ። ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስን ሰላማዊ ውቅያኖስን ኣብ ትሕቲ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ፡ ሕጂ ንኣሜሪካ ተሪፍዋ ዘሎ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ውን ንህንዳዊ ውቅያኖስ ንምቍጽጻር ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ቦታ ብምዃኑ ኣብ ትሕቲ ቻይና ወይ ህንዲ ክኸውን ኣይትደልዮን እያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እያ ኣሜሪካ ንሶማልያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ናታ ከተእትወን ትደሊ ዘላ ።

ኢትዮጵያ ብቐደሙ ውን ኩርኩር ናይ ኣሜሪካ እያ። ኤርትራን ሶማልያን ሱዳንን ግን ኣይንምለኽን ብመምርሒና እምበር ብመምርሒ ኣሜርካ ኣይንኸይድን ስለ ዝበላ ይሳቐያ ኣለዋ። ኣሜሪካ ከኣ ግብረ ሽበራውያን፡ ምልካዊ ስርዓት ዝብል ስም ኣጠሚቓ ንምጥፍአን ትሰርሕ ዘላ። ግብረ ሽበራ እቲ ናይ ሆሊዉድ ሜላ ( Holy Wood Marketing product ) ናይ ዕዳጋ ውጽኢት እዩ።
ብልሽውና ውን ሓደ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ኣሜሪካ እዩ። ሓደ መንግስቲ ብልሽው እንተ ደኣ ኮይኑ ብዓይኒ ኣሜሪካ ዲሞክራስያዊ እዩ። ሓደ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብልሹው እንተ ደኣ ዘይኮይኑ ፡ ብዓይኒ ኣሜሪካን ሰዓብታን ምልካዊ ስርዓት ( ዲክታቶር ) ተባሂሉ ብመጀመርያ ብሓሶት ምጽላም ፡ እገዳ ምግባርን ፡ ኣብ መወዳእታ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ምድምሳስ እያ ፍርዱ።

ዚምባብወ ፡ ኣይቮሪኮስት ፡ ሱዳንን ሊብያን ኤርትራን

እተን ብናይ ገዛእ ርእሰን ሓሳብ ዝምርሓን ንምልክን ተገዛእነትን ኣሜሪካ ደው ኢለን ዝተቓወማን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ። ከምኡ ስለ ዝኾና ድማ ኣብ ልዕሊአን እገዳታትን ቍጠባዊ ማሕንቖን ብምክያድ ንምዕናወን ብቐጻሊ ትሰርሕ ኣላ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ንኣሜሪካ ኣይንምብርከኽን ቍጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ነጻነትና ዓቂብና ብዘይ ናይ ማንም ተጽዕኖ ነጻ ኮይንና ክንነብር ኢና ስለ ዝበላ ኣብ ልዕሊአን ማእለያ ዘይብሉ በዳላት ይፍጸም ኣሎ። መወዳእትአን ድማ ኣሜሪካ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክትሃርመን ምዃን ዘይተርፍ እዩ።

እሞኸ ንሕና ኤርትራውያን ኣሜሪካ ውዒላ ሓዲራ እንተስ ብኢዳ ወይ ውን ብኢድ ኣኽላባታ ጌራ ክትሃርመና ምዃና ካብ ፈለጥና ምቅርራባትና ከመይ ክኸውን ይግባእ?  ክሳብ ሕጂ ንምጥፋእና ዝተኻየደ ኲናትን (ብዕስብቲ ኢትዮጵያ) ኣፍሺልናዮ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓለም ብዘገረመ ብዓወት ዛዚምንዮ ኢና።

ቀጺሉ ብተደጋጋሚ ንዝተገብረ እገዳን ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ውን ብጅግንነትን ተወፋይነትን ኣፍሺልናዮ ኢና። ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ሰላሳ ናይ ቃልሲ ንናጽነት ዓመታት ሕብረት ሶቭየት ትኹን ኣሜሪካ ዋላ ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣንጻርና ደው ዝበላን ንስርዓታት ኢትዮጵያ ተተባራርየን ብምሉእ ሓይለን እየን ዝድግፍኦም ኔረን እምበር ንዓና ቅንጣብ ኣይሓገዛናን ። ይኹን እምበር እቲ ጂግና ህዝቢ ኤርትራ ምስ መሪሕ ውድቡ ህ.ግ. ኮይኑ ብገዛእ ኣጽዋሮም ደምሲሱ ነጻነቱ ተጎናጺፉ ።

ስለዚ እዞም ሎሚ ንህላዌና ድጻብኡ ዘለዉ እቶም ናይ ትማል እዮም ሓደስቲ ካብ ወርሒ ወይ ካብ ማርስ ዝመጹ ጸላእቲ ኣይኮኑን ። ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ክመጽእ ዝኽእል ተጻብኦን ኲናትን ውን ካብቲ ዝሓለፈ ብዝተዓጻጸፈ መኸተን ምድላዋትን ጌርና ክንምክቶ ምዃንና ርጉጽ እዩ ። ኣጆኹም ኣጆና ምድላዋትና ካብዛ ሰዓት እዚኣ ክትከውን ኣለዋ ! እዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ንምንባርና ክፈታተን ዝኽእል ነገር ስለ ዝኾነ ኣይንደቅስ !

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!