
ብ ተስፋ ኒውስ፡
ንዕድመ እቲ ጨቋኒ ከምዝኾነ ዝተመስከረሉ ስርዓት ወያነ ንምሕጻር፡ ሰለስተ ውዱባት ኢትዮጲያ ትማሊ ናብ ሓደ ክጽንበራ ዘኽእለን ሓባራዊ ስምምዕ ከቲመን።
ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጲያ፣ ግንቦት 7ተ ንፍትሒን ናጽነትን ዲሞክራሲን፣ ከምኡውን ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ህዝብታት ኣምሓራ፡ ዝተብሓሉ 3ተ ሓይልታት ተቓወምቲ ኢትዮጲያ፡ ብሓባር ተዋሓሂደን ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕዚ፡ ዕጥቓዊ ቃልሲ ዘካይዱሉ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ከምዝከተማን፡ ነቲ ወሳኒ ዝበሉዎ መድረኽ ድማ ብሓባር ይኣትዉ ምሕላዎምን ናብ ህዝብታት ኢትዮጲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ሰለስትየን ውድባት፡ ብወተሃደራዊ፡ ፕሮፓጋንዳን ዲፕሎማሲያዊ ስርሓትን ብሓባር ተዋሃሒደን ክሰርሓ ከምዝጀመራ ይገልጽ።
እዚ ሓንደበታዊ ምጥርናፍ ናይ ተቃወምቲ ሓይልታት ኢትዮጲያ፡ ንስርዓት ወያነ፡ ካብቲ ዝጸንሖ ስክፍታ ናብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘእትዎ ርዱእ ኢዩ።
እቲ ብ `ደምህት` ዝፍለጥ ዝዓበየን፡ ብውዳብኡን ብዝሒ ሰራዊቱን ካብ ኩሎም ተቐናቐንቲ ስርዓት ኢትዮጲያ ዝዓበየ ከምኾነ ዝንገረሉ ሓይሊ፡ ኣብዚ ምውህሓድ`ዚ ንግዚኡ ከምዘይተጸንበረን፡ እንተኾነ ምስተን ውድባት ተወሓሂዱ ኣብ ልዕሊ ወያነ ኣብ ዝውሰድ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊን፡ ጸጥታውን፡ ፕሮፓጋንዳዊ ስርሓት ሓገዛቱ ግን ከምዘይፍለዮም ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኢትዮጲያ እንዳሳዕረረ ንዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብሔር ዝተመርኮሰ ኣዕናዊ ኣገዛዝዓ ስርዓት ወያነ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሩ ቦንቂስካ ንምዕላዩ፡ ህዝብታት ኢትዮጲያ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ምንቕስቓስ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዝተወደበን፡ ናይ ምድማዕ ብቕዓቶምውን ኣብ ዝላኣለ ደረጃ ከምዝርከብን፡ እዚ ድማ ነቲ ስርዓት ኣብ ተርባጽ ከምዘእተዎን፡ ኣብ ምሽማት ኣጽዋርን፡ ምስ ናይ ጎረቤት ሃገራት ናይ ጸጥታ ምትሕግጋዝ ዲፕሎማሲ ተሸሚሙ ይርከብ።
ህዝብታት ኢትዮጲያ፡ ንዘለዎም ፍልልያት ንጎድኒ ኣወጊዶም፡ ኣቕሞም ዘፍቀደ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት እጃሞም ከበርክቱ እቶም ውድባት ኣብ መጠቓለሊ መግለጺኦም ሓቢሮም ኣለዉ።
