ብ ወዲ ኣበይቲ፡
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓዲ፣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፅላል ኮይንካ እከለ ናብዚ ከደ፣ እከለ ናብቲ መፀ ምባል ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብኣውሩኡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ዝተጠቐመሉ ናብዚ ተጠረረ ናብቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣይነበሮን፡፡ ይኹን እምበር እዚኣ ኢትዮጵያ ኢያ፡ ኣብ ሓሸዋ ዝተሃነፀት ጎጆና ኢትዮጵያ፡፡
ኣብዚ ዘለናዮ ነባራዊ ኹነታት ታሪኽ ዘመሓላለፈልና፣ ኣቦታትና ዝተዋደቑሎም፣ ንመዋእላት ኣካል ክልልና ዝነበሩ መሬታትን ህዝብታን ሐዚ እውን ኣካልና ኮይኖም ክቕፅሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለና፡፡ ንዚ እዩ ድማ ኣካል እንደርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎን ዓጋመን ዝነበረ ነባሪ ህዝበ ትግራዋይ ዝኾነን፡ ደንከል፣ ሽኸት፣ በራሕለ ናብ ዓፋሩ ምጥራሩ ዘይውሓጠልና፣ ኣልውሃ ምላሽ ዝነበረ ድንበርና ቆቦ እንተይበፅሐ ምሕናቑ ዘይወሓጠልና. ወ.ዘ.ተ….
ኣብ ሞንጎ ገለ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ገለ ወረዳታት ጎንደርን ሐዚ መልክዑ እናቐየረ ዝከይድ ዘሎ ምውጣጥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት 180 ዲግሪ እዩ ተዓፃፂፉ፡፡ እቲ ምስሕሓሰብ መጀመርያ ሐዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዋ ነባሪ ህዝበን ትግራዋይ ዝኾና ወረዳታት ከም ዓብደራፊ፣ ኣብርሃ ጅራ፣ ታሕታይ ኣርማጭሆ እዩ ጀሚሩ፡፡ ነባሪ ህዝቢ እተን ወረዳታት ትግርኛ ተዛረብቲ ኢና፣ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝም ንምንታይ ንዓና ኣግሊሉና፣ ንምንታይ ኣብ ትሕቲ ክልል ዘይንመሓዳደር ኢሉ ንዝምልከቶ ኹሉ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡ ኣብ ኣብርሃ ጅራን ዓብደራፊን ጥራሕ ከባቢ 60 ሽሕ ፊርማ እውን ተኣኻኺቡ ነይሩ ይበሃል፡፡ በዓል ካሳ ተኽለብርሃን፣ ዝልከቶም ክልላዊን ፌደራል መንግስቲን ሓለፍቲ ተመሻጢሮም ድምጺ እቲ ህዝቢ ክዕፈን፣ ነዚ ዘተሓባበሩ ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት እውን ክእሰሩ ገይሮም፡፡
በሃምነት መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተዓዘቡ ለባማት መራሕቲ ብ.ኣ.ዴ.ን. ግን እቲ ሕቶ ካሊእ መልክዕ ኣትሒዞምዎ፤ ናይኒ ኣብርሃ ጅራ፣ ዓብደራፊ፣ ታሕታይ ኣርማጭሆ ጉዳይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድፋን ብኣዴናውያን ሓደ ብርኪ ንቕድሚት ሓሊፎም እቶም ብ1986 ዓ.ም ብዝተኻየ ቆፀራ ህዝቢ ልዕሊ 80 % ሚእታዊ ህዝበን ትግራዋይ ብምዃኑ ናብ ትግራይ ዝተፀምበራ ፀለምቲ፣ ፀገዴ፣ ቃፍታ ሑመራ፣ ወልቃይት ምሕታት ጀሚሮም፡፡ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ “ሑመራ የኛ ነው፣ ወልቃይት የኛ ነው፣ ፀገዴ የኛ ነው፣ ድንበራችን ተከዜ ነው” ክብሉ ንሕና እውን ኦዲዮ ተቐሪፁ በፂሑና ኣብፂሕና ኢና፡፡ ታይ ዋጋ ኣለዎ፣ ብኣንበሳ ዝምርሑ ኣባጊዕ ኣናብስ እዮም፣ ብበጊዕ ዝምርሑ ኣናብስ ድማ ኣባጊዕ።
ብ1986 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ቆፀራ ካብ 59፣846 ነባሪ ህዝቢ እቲ 45፣532 (76 %) ትግርኛ ተዛራቢ እዩ፡፡ በየናይ መመዘኒ እዩ ድኣ ናብ ክልል ኣምሓራ ክጥረር፡፡ ካበይ ዝመፃ 22 ቀበሌታት እየን ናብ ክልል ኣምሓራ ዝጥረራ?
ዘይሩ ዘይሩ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ዝዝረቡ ዘለዉ ዘረባታት ሓቂ እንተኾይኖም ህ.ወ.ሓ.ት መቕበሪኣ ጉድጓድ ዳርጋ ዝኾዓተት!
መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ድማ ወዮ ደኣ ሓደ እግሮም ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ቻይና እዩ እምበር እዛ ዓዲ ኣሽንኳይዶ ሽሞም ዘርኦም እውን ከምዘይሓድጉላ ይፍለጡ፡፡ ዓቕሊ ህዝቢ ትግራይ እኮ ደረት ኣለዎ፡፡
ንሕና ሐዚ እውን ንብል ኣለና፤ ድምፂ ህዝቢ ዓብደራፊ፣ ኣብርሃ ጅራ፣ ታሕታይ ኣርማጭሆ ይሰማዕ፤ ድምፂ ህዝቢ ደንከል፣ ሽኸት፣ በራሕለ ይሰማዕ፣ ህዝቢ ራያ እውን ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዝነብረሉ ኩነታት የብቅዕ!