ጉድ ረድዮ ወጋሕታ እንትቅላዕ

News ትግርኛ
radio-wogahta
“ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን”

ክፍሊ ህ/ርክባት ዴምህት

ሳላ’ቲ ዘይሕለልን ዘይፅዓድን ሓያል መሪሕነት ዴምህትን ተጋደልትን፣ ዝምድናታት እዚ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እናተኾልዐን እናደልደለን ክኸይድ ፀኒሑን ኣሎን፣፣ አቶም ብዘይካ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ጎሮባብቱን፣ ኣብ ፅልእን ቅርሕንትን ሸሚሞም፣ ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝፅዕሩ ጠላማት መራሕቲ ወያነ፣ በዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ሕዉነታዊ ዝምድና፣ ክሰግኡ ግድን ስለዝኾነ፣ ብመንፅሩ ድማ ዕንቅፋታት ክፈጥሩ ዘይንፅበዮ ነገር ኣይኮነን።

ደላይ ሰላም ዝኮነ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ግን፣ ናይ ጠላማት መራሕቲ ወያነ ሰይጣናዊ ስራሕ፣ ብኣጋ ስለዝነቅሓሉ፣ ነቲ ኩሉ መሰረት ዘይብሉ ሓሶታቶም፣ ክኣምኖም ይትረፍ፣ ንክሰምዖ’ዉን ወርቃዊ ጊዚኡ ዘጥፋኣሉ ኣይኮነን። 

ስለዝኾነ ድማ ጠላማት መራሕቲ ወያነ፣ ዝበሉ እንተበሉ ህዝቢ ከምዘይ ኣምኖም ስለዝተሶቆሮም፣ ዝኣረገን ርካሽ ዝኾነ ስልቲ ተጠቂሞም፣ ከም ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ኤርትራዉያን ተመሲሎም፣ ኣብ መንጎ እዚ ሓው ዝኾነ ህዝቢታት ፅልኢ ንምፍጣር፣ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ዉድብና ዴምህትን መራሕትናን፣ ዝቐንዐ፣ ቀፃሊ ናይ ጠቐነን ፀለመን ዘመተ፣ በታ “ሬድዮ ወጋሕታ” ኢሎም ዝሰምይዋ፣ ናይ ሓሶት መናፍሕ ካብ ዘጋዉሑ፣ ድሮ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ።

“ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን” ከምዝብሃል፣ እቲ ባዕልና ዘዕበናዮ ቆልዓ፤ ዉሽጣ ዉሽጡ ኣፀቢቅና ስለአንፈልጦ፣ ንዓና ብዙሕ ዝገርመና ኣይኮነን፣፣ ብተወሳኺ’ዉን፣ ካብ ዉድብና ዴምህትን ዉፁዕ ህዝብናን ዝሕባእ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ንዝያዳ መብራህርሂ ግን፣ ናይ ረድዮ ወጋሕታ ኣባላት ዝርዝር ስምን መበቆል ዓዲን ንምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

1. ኣበራ ተስፋይ፣ ናይ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ዋና ኣካያዲ ሬድዮ ወጋሕታ፤ መበቆል ዓዱ ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ከተማ ዓድዋ

2. ሰለሙን ይሕደጎ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ፣ ሰራሕተኛ ወይን ጋዜጣ፣ መበቆል ዓዱ፣ ዶግዓ ተምቤን- ሃገረ ሰላም ትግራይ

3. ገ/መድህን ገ/ትንሳኤ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ፤ መበቆል ዓዱ ቆላ ተምቤን ትግራይ

4. ኣታኽልቲ ታፈረ፤ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ዝነበረ፤ መበቆል ዓዱ ምብራቓዊ ዞባ ትግራይ ከተማ ብዘት

5. መረሳ ሕሉፍ፤ ኣብ ሰንዓፈ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ፤ መበቆል ዓዱ ምብራቓዊ ዞባ ትግራይ ከተማ ዓዲ-ግራት

6. ኔትዎርክ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሰሎሙን ኣብ ኣስመራ ዝነብር ዝነበረ ኣብ መቐለ ዩንቨርስቲ ብትምህርቲ ጋዜጠኛን ኮሚኒኬሽንን ብ1999 ዓ.ም ዝተመረቐ ናይ ድምፂ-ወያነ ሰራሕተኛ

7. ትዕግስቲ ኣብ ኣስመራ ትነብር ዝነበረት ኣብ ስነጥበባዊ ስራሕቲ (ፊልም) ትዋሳእ ዝነበረት ፤ መበቆል ዓዳ ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ከተማ ኣኽሱም፤ ሐዚ ትንብረሉ ዘላ ኣድራሻ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢያዊ ምምሕዳር ዓይደር ፍሉይ ቦታ ቁጠባ ኣባይቲ