እዛ ሓሳድ ዓይኒ ክሳብ ትነቝር ፡ ደም ቅንኢ ክትዓቝር ፡ ጸጸኒሓ ክትነዝዕ ፡ ካን`ዶ ኮይንዋ’ዩ?

News ትግርኛ
tplf-lie-machine
ብማይ ዘይጠፍእ ሓዊ እንተሎ ቅንኢ ጥራሕ እዩ። ቅንኢ ንሓሳድ ደም የንብዕ’ዩ። ጃንዳ ወያነ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ዝፈነዎ ዕርቃኑ ዝቐልዐ ሓሶት፡ ቃል ሓቂ ምስ ነጎደ ከም ሓሙዅሽቲ ሓሪሩ በኒኑ ተሪፉ። ከም ኣመሉ ናይ ሓሶት ዘራጊቶ ከዳሩን፡ ታህዲድ ፈኸራ ክነዝሕ፡ ዓይኑ ደም ክመልእ ክነዝዕ፡ ዕረፍቲ ኣይረኸበትን።

ተወልደ ብእምነት (ቀዳማይ ክፋል)

እዚ ሓሳድ ጭፍራ፡ ቅድሚ 17 ዓመታት (ሕዳር 1998) ጽባቐ ሕብሪ ዓይኒ ኤርትራውያን ስለ ዘይተፈተዎ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከባቢታትን ኢትዮጵያ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደኺሞም ሪሂጾም ብሕጊ ዘጥረይዎ ንብረትን ሃብትን መንዚዑ፡ ብኣጻምእ በረኻታት: እግረ-እግሮም እናሳዓበ ብቦምብን መዳፍዕን እናኾብኮበ፡ ናብ ሃገሮም ከም ዘባረሮም፡ ኣደዳ ሕሰምን መከራን ክኾኑ ፈሪድዎም። እዚ ሂትለራዊ ፋሺስታዊ ራስያ’ዚ፡ ኣብ ማህደር ልብና፡ ዘይሃሰሰ ዝኽሪን በሰላን ዝገደፈ፡ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢዩ።

ይኹን እምበር፡ እዛ ሓሳድ ዓይኒ፡ ክሳብ ሓንሳብን ንሓዋሩን እትነቑር፡ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ቅንእን ሕስድናን ምቝማት፡ ስራሓ ከተቋርጽ’ያ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍ፡ ነዚ እነስተንፍሶ ዘሎና ኣየር ጣዕመ- ሰላም፡ ምትሕቍቛፍ ብፍቕርን ስኒትን፡ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝስዓሰሎ፡ ቅሱን ሃዋህው ንምብካል፡ ናይ ሓሶት ዘራጊቶ ከዳሩን፡ ታህዲድ ፈኸራ ክነዝሕ፡ ዓይኑ ደም ክመልእ ክነዝዕ፡ ዕረፍቲ ኣይረኸበትን። 

ብልክዕ ድማ ቅንኢ ንሓሳድ ደም የንብዕ’ዩ። ሓደ ህያው ጭብጢ መበገሲ ዝኾነና ድማ፡ እዚ ጃንዳ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ዝፈነዎ ዕርቃኑ ዘቓልዕ ሓሶታት ከስሉዅ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ዝርዝር ናይ’ቲ ወረን፡ ሓቅን ሓሶትን ንምብራህ ኢለ ኣይኮንኩን ተበጊሰ። ንጹርን ትኽክለናን መብርሂ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ተቓሊሑ ስለ ዘሎ። ብመስረቱ እውን፡ ዘጣራጥ ዘደናግርን ትሕዝቶ ስለ ዘይነበሮ። ከመይሲ፡ትማሊ-ትማሊ፡ ብዛዕባ እነኽብሮምን እነፍትዎምን ህቡባትን ክቡራትን መራሕትና፡ ኣንጻሮም ዝቐንዐ፡ ደጋጊሙ ሕማቕ ወረ ክነዝሕ ሕንከት ብዘይብሉ ድፍረት ብዙሕ ጊዒሩ፡ ኣይረሳዕናዮን!!! እቲ ቃል ሓቂ ምስ ነጎደ፡ ሓሶቱ ከም ሓሙዅሽቲ ሓሪሩ በኒኑ ኸኣ። ነዚ’ውን ኣይረሳዕናዮን!!! እቲ ሕንከት ዘይስምዖ ንውርደት ከም ናእዳ ዝጎስም ጃንዳ፡ ካብ ፍሽለት ስለ ዘይመሃር፡ን ሕሱር ኣመል ክሳብ መግነዝ፡ ዝብል መትከል ከም ፖሊሲ ስለ ዝረዓሞ፡ ሎሚ እውን፡ ቁሩብ ጊዜ ወሲዱ ድኣ እምበር፡ ብኻልእ መልክዕ ብፍልይ ዝበለ ቃናን፡ ናብ’ታ ትማልን ብቕድሚ ትማልን፡ ዝጥቀመላ ጽቡቕ ጌሩ ዝመልካ ናይ ሓሶትን ምድንጋን ሜልኡ ኢዩ ዝጓየ ዘሎ። ኮይኑ ኸኣ፡ ሓንቲ ብቃንዛን ፈኸራን ዝተቐርጸት። ብመልክዕ ሙዚቓዊት ድራማ ዝተኸለስት ቴፕ ናብ ዕዳጋ ከውርድ ተገዲዱ ኣሎ።

ምናልባት ድሕሪ’ዚ ርእይቶ’ዚ፡ ስዒቡ ክልዓል ዝኽእል ሕቶ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ማለት፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ነዚ ጃንዳ ናብ ከም’ዚ ዓይነት ኣእራዊ ምሽምቓቕ ዝፈጠረሉ ግድል ወይ ወቕታዊ ፍጻሜታት እንታይ ኣሎ? እንተበልና፡ እቲ ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ዝተወሳሰበ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ጉዳያት ንኽንፍትሽ ኢና ንግደድ፡ ብኡ መንጽር ድማ ነቲ ዘንፈጥፍጦ ሕማም ክንድኦ ዝቐለለ ይኸውን።

ብመጀመርታ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታት፡ ብመነጸር’ቲ ጃንዳ፡ ከመይ’ዩ? ቀጺልና ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝግንፍል ዘሎ ገስጋስን ምስ ረኣና፡ ናይ ኽልቲኡ ድምር ምዕባሌታት ኣዛሚድና፡ ንክብደትን ሚዛንን ናይ’ቲ ዘስግኦ ሓደጋ፡ ክንርዳ (እቲ ስግኣት በቲ ናቱ ኣጠማምታ ማለትና’ዩ) ዝቐለለ ይኸውን። ድሕሪኡ’ውን፡ ንትሕዝቶን ሙዚቃዊት መልቀስ ሆሊኮፕተር ተናኺፍና፡ ናብ መደምደምታ ንኸይድ።

ብመጀመርያ፡ ኩነታት ኤርትራ ከመይ እመስል?

1./ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 16 ዓመታት፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ካብ ውሽጥን ግዳምን ዝነቐሉ ሓያለ ፈተነታት ተፈቲኑ ብዝለዓለ ነጥብታ ናብ ሓደ ብሩህ መድርኽ ሓሊፉ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽኑዕ ዘይንቕነቕ ዘተኣማምን ባይታ ረጊጹ እርከብ። ህዝብን መንግስትን ብሓደ ህርመትን ትርግታን ልቢ ንቕድሚት ከንሳፍፍ፡ ተጸዋርነቱን ተዓጻጻፍነቱን ኣገናዚቡ፡ ዓቕምታቱ ኣራቢሑ፡ ኣብ ዕማማት ህንጻ ሃገር ተጸሚዱ፡ ጥዑይን ኣድማዕን፡ ምዕሩይ ንሓፋሽ ዘዕግብ፡ ቀጻልነት ብዘለዎ ኣገባብ ዘሳትፍ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘውሕስ፡ ቑጠባዊ ባይታ ኣንጺፉ ይርከብ። ኤርትራ፡ ኣብ ጫፍ ናይ ሓደ መደያይቦ፡ ናብ ምዕቡል ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ስርዓት ዘብጽሕ ርጉጽን ጥጡሕን ባይታ።

2./ እዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ኣተሓሕዛ፡ ህዝባዊ ጸጋታት ዘማእከለ ገስጋስ፡ መትከል ርእስኻ ምኻኣል ዝተቐነተ ንቕሎ ከተዐውት ግን፡ መንገዱ ልሙጽ ኣይነበረን። ነዚ ጥዑይ ኣካይዳ ንምዕንቃፍ፡ ኣንጻር’ዚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ዝዓጠቑ ሓይልታት ሓደ ካብ’ኣቶም፡ እዚ ሸያጥ ነብሱ ወያኔ፡ ንህዝቡ ኪሒዱ፡ ንጎረባብቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ መሳርሕን ተለኣኻኽን ናይ ግዳም ሓይልታት ኮይኑ፡ እቲ ዝወልዖ ኩናት ምስ ፈሸለ፡ ድሕሪኡ ብዘይ ዕረፍቲ ንልዕሊ 13 ዓመታት መመላእታ፡ ብቀጻሊ፡ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከነጽል፡ ከእምን ከጋግን ከደናግርን ይኽእል ኢዩ ዝበሎም፡ ዝተተምነዩ ፈጠራዊ ክስታትን ሓሶትን ጸለመን፡ ንዘራያቱ ከቃባብል፡ ከመሓላልፍ ብምጽናሕ፡ ዘይገላበጦም ፋይላት ማእለያ ኣይነበሮምን። ከም ውጺኢቱ፡ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገር እገዳ ጸዲቑ። ነዚ እከይ ዕላማ ከተግብር “ዘይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ” ኾይኑ፡ ዝተሓሸሸ ሚልዮናት ዶላራት፡ ካብ ሽያጥ መሬት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ኣታዊ፡ “ንኣለይቲ መርበባት ሓበሬታ”፡ ንናይ ወጻኢ ደላሎ (ኩባንያ ህዝባዊ ርክባት) “ዘይመንግስታውያን ውድባት”፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣፍሲስሉ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ “ዘንጊ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ከም ዝበሃል፡ ንሕና ኣሎና። እቲ ኩሉ ንጥፋኣትና ዝተሓንጸጸ ካርታታት፡ ብሓድነትን ጽንዓትን ኤርትራውያን ብውሽጥን ወጻእን፡ ብሃልሃልታ ፍቕሮም ካርታታት ውዲት ተቓጺሉ ሓሪሩ። ሃገር መፍቶ ደመኛታት ኣይኮነትን። ምስልና ተኾሊዑ እምበር ኣይሃሰስን። ብጠባያናን ኣካይዳናን ናእዳን ክብርን ኣድናቖትን ድኣ እምበር፡ ዓይንኹም ተደፈኑ ዝብሉ እናወሓዱን እናሓፈሩን ይኸዱ ኣለዉ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊን ቝጠባውን መዳይ ንኽትንጸል ዝተዋሃሃደ ከበባ፡ ሎሚ እቲ መንደቕ ሃዶሽ ኢሉ ፈሪሱ፡ ሓጹር ተበንጢሱ ደንደላ ተጎንቢሱ። ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሪሒሱ። ቃንዛ ጸላእቲ ድማ መዐገሲ መሃኒት ሓሶትን ታህዲድን ኮይኑ ደበሱ።

3./ ስለ’ዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ጥዕና ምሉእ ኢዩ። ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ኣሕዋት ኣህዛብን ሃገራትን፡ ካብ ዘለውዎን ዝሓልፍዎን ዘለዉ ሕልፈታት፡ ብዙሕ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ክስተታት ዝርኣየሉ ከባቢ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ዝኸይድ ዘሎ ዕለታዊ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ኣቃልቦ ህዝቢ ዓለም ዝሰሓበ ክኸውን እንከሎ፣ ብተዛማዲ ኣብ ኤርትራ ግን ፡ ከም ሓንቲ ናይ ደሴት ሰላም ክትጥቀስ ዘብቅዓ ረቛሕታ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጽቡቕ ትዕድልቲ፡ ውፉይ መሪሕነት እትውንን ሃገር፡ እቲ ጭዋ ባህሊ፡ ምክብባርን ምክእኣልን ዝሕመረቱ ብዝምድና ህዝብን መንግስትን ዝተነድቀ ሓድነት፡ ዋሕስን ዕርድን ህላውነታ ኮይኑ ኣጽሊልዋ ኣሎ። ነዚ ከም ዓረ ዝተርር ሓድነት ነቓዕ ንምፍጣርን ንምድኻምን ግን፡ በዚ ሓሳድ ጃንዳ ዝለኣኣኹ ዘይተኣደነ ነዋት ኣፍሲሱ ዝመልመሎም ናይ ከዳሚ ከደምቲ፡ ወያጡ 5ይ መስርዐኛታት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዓመታት ኣብ ሽብርተኝነታዊ ስርሓት ኣዋፊርዎም ምጽንሑ ይፍለጥ። ኮይኑ ግን ከም’ቲ ዝተገልጸ ንህላውነትና ኣብ’ቲ ህዝብታት ጎረባብትና ዝተውዎ ዓዘቕቲ ኣይኣተናን። ይኹን ድኣምበር ኣብ’ዚ ዝመጽእ ሓጺር ጊዚያት ምስ’ቲ ዝሕብሕቦም ጃንዳ ምዕራፎም ክዕጾ፡ ግብረ-ሽበራ ጠብሎቕሎቓት ከኽትም ምዃኑ፡ ባዕሉ ህልው ኩነታት ዝሕብሮ ቅኑዕ ትንቢት ኢዩ።

ስለዚ፡ ኣብ’ዘን ሰለስተ ሕጡባት ከፊልና ክንርእየን ዝጸናሕና ዝርዝራት፡ ንሓንጎል’ቲ ስርዓት ሓደ ካብ’ቲ ዝኸበደን ዝረዘነን ቅንኢን ነውጽን ዝፈጠረሉ ምዕባለ ኢዩ። ብድሕሪ ሕጂ፡ ብምትላል ምጥቛስን ክልውጦ ዝኽእል ኩነታት ከምዘየሎ ተነጺሩሉ’ሎ፡ ኮይኑ ኸኣ፡ ኣእምርኡ ክስሕት ግድነት ይኸውን።

ኣስዒብና ድማ ኣቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባሌታት፡ ነቲ ስርዓት ዘስግኦ ዘሎ ለውጥታት ብጽሙቕ ዝበለ ዝርዝራት ንተዓዘብ።

ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ፡

1./ ንወያነ ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ሪኢኻ፡ ሓደ ዕስለ ኣብ ገዛእ ነብሱ ዘይተኣማመን ክብረቱ ዘይሕሉ፡ ወትሩ ኣብ ናይ ካልኦት ድጋፍ ከም ቝርዲድ ደም ካልኦት እናመጸየ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ከሽካዕልል መቆጻጸሪ ዝተሳእኖ ኣዕናዊ ተግባራት ክፍጽም ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፡ ኩሎም እቶም ኣብ’ታ ሃገር ክነጥፉ ዝጸንሑ ማሕበራትን ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ኢዩ። ህዝቢን ማዕከናት ዜና ዓለምን እውን ከምኡ። እዚ ጥዕና ዘይብሉ ጃንዳ፡ ንርእሱ ተዋሪዱ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ጎረባብቱን ዘዋረደን፡ ንኻልኦት ከፍቱ ክብል፡ ንኽብሪ ኢትዮጵያውያን ዘፍኮሰን ዘነወረን፡ ብገበን ዝሕተት ጋንታ ኢዩ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ድማ በዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ጸኒሑ። ንህዝቢ’ታ ሃገር ብብሐርን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ኣዳኺሙ ክገዝእ ዘይጻሕተሮ ጸይቂታት፡ ዘየተኣታተዎ ሕማማት የልቦን። ንሃብቲ’ታ ሃገር ዓንዲርሉ። ከም ውጺኢት ናይ’ዚ ድሑር ኣተሓሕዛ ድማ፡ ብዙሓት ዜጋታት ናይ ምንባር ዕድል ተነፊግዎም። እንተኾነ ”ጭኮና ምስ ዝህሉ፡ ተቓውሞ ክግንፍል ናይ ግድነት ስለ ዝኾነ”፡ ሎሚ ከም ናይ ተማሊ ከም ድልየቱ ክጭፍልቕ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ተበጺሑ ኣሎ። ወያነ ከም ኩሎም ጨኮንቲ ሓይልታት፡ ነዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ብሓይሊ ከምክኖ ምህቃን፡ ብተዛማዲ ኣንጻሩ ዝገጥሙ ተቓወምቲ ክራባሕን ክግንፍልን ከም ዝኽእል ኣይተገንዘበን። ሓንቲ ቛንቛ ጥራይ ስለ ዝፈልጥ። ምስ’ቲ ባዕሉ ብድኻሙ ዝፈጠሮ ሽግር ዝተታሓሓዘ ናይ ምልዕዓል ተቓውሞታን ምንቅስቓሳትን ክቕልቀል እንከሎ፡ ብሓይሊ ክትደቁስ ህርድግ ናይ ምባል ባህሪን መለለዪ ናይ ኩሎም ፋሺስታውያን ዝህብዎ ግብረ-መልሲ። ኮይኑ ኸኣ፡ ሎሚ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሳጊድ፡ ኣብያተ-ክርስትያን ገዳማትን፡ መሬቶም ዝተመንዝዑ ኣህዛብ፡ ደቆም ዝተሸጦም ወለዲ ወዘተ…ብሕርቃንን ጓህን፡ ብቀጻሊ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝኾአን፡ ኣህዛብ ኣብ ጎደናታት ተሰሊፎም ምርኣይ ከም ንቡር ተወስዱ ኣሎ።

2./ እቶም ኣብ ውትህድርና ናይ’ቲ ስርዓትት ተቖጺሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፡ በቲ ከፋፋሊ ፖሊስን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣመና መሪርዎም፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን፡ ኣብዘይ ምልከቶም ኩናት ከጥበሱ ዝጸንሑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ መዝሓል ጥይትን መጋበርያን ክኾኑ ዝተበየነሎም፡ ብጉልባብ “ዓቃብ ሰላም” ስራሕ መርሰነሪ ከተግብሩ ዝተላእኩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ገንዘባዊ ራስያ (ብጀነራላቱ ካብ ደሞዞም ክምንጠሉ)፡ መሪርዎም፡ ሎሚ ክርሕርሕዎ፡ ሰዓቱ ኣኺሉ ኣሎ። እቲ ስርዓት ኣብ መቓቕሮ ናይ ሰለስተ ነገራት ኢዩ ተዓፊኑ ምስትንፋስ ሓጽሮዎ ዘሎ። እቲ ሳልሳይን ዝኸበደን ግድል ድማ፡ እዚ ተቓውሞታት ተደማሚሩ፡ ኣብ ምሕያልን ምድልዳልን ብረታዊ ዕጥቂ ዝቃወምዎ ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን ናብ ሓደ ዘባህርር መድርኽ ምድያቡ። ሎሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰማያት እታ ሃገረር ናይ ተስፋ ጽሑፍ- ተጻሒፉ እርኢ ኣሎ። ብእንጻሩ’ቲ ድማ እቲ ስርዓት ጸልማት ክውሕጦ እቀራረብ ከም ዘሎ፡ ፍርህን ራዕድን ክወርሶ ግድን’ዩ። ካብኡ ናብኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሓይሊ ኣየር ናይ’ቲ ስርዓት ዝኣተወ ሕንፍሽፍሽ፡ ከም ሰዓበኑ ዝተረእዩ ምፍንጣሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዝምዕብል ዘሎ ሓርበኛዊ መንፈስን እምቢተኝነትን፡ ከከምዝጠዓመካ ነፈርቲ ኣለልዒልካ ምጽርጋፍ፡ እቲ ኩነታት ናበይ ገጹ ከም ዝዓርግ ንምግማቱ ኣየሸግርን።

3./ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር፡ ካብ ዝኸፍኣ ናብ ዝሓመቐ የንቆልቍል ኣሎ። ዋላ በቲ “ኣታሊለ ክዕወተሉ” ኢሉ ዝሓስቦ ዝነበረ ናይ መቛመሪ ጸወታ፡ በይኑ ክዕንድረሉ ዝጸንሐ መጣሊዒ ጣውላ “ህዝባዊ ምርጫ” ኣብ’ዚ እዋን’ዚ በይኑ ክብሕቶ ከምዘይክእል ክስቖሮ ኪኢሉ ኣሎ። በቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ናይ መጣሊዒ ሕጊ ንኽወዳደርዎ ዝተዓደሙ ዜጋታት ጸብለልታ ኣመዝጊቦም። እታ ሓሳድ ዓይኒ ግን ስዕረታ ኣይተጻውረቶን። ከም ሰዓቤኑ ኸኣ ብዙሓት ተባዓት ዜጋታት ኣደዳ ማእሰርትን መጭወይትን ዋሕስ ተሓሪምዎም ኣሎ። ኣብ ከምዚ ህጹጽ ኩነታት ቆላሕታ ዘድልዮ ኣውያት እስማዕ፡ ኣቓልቦ ዝገበሩ ኣካላት፡ ምስ ሽቓሎት’ቲ ጃንዳ ዝተሻቐሉ ወጻእተኛታት፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ግን ብቐረባ ኢዶም ከታኣታትዉ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ነቲ ዘሎ ድንግርግር ዝበለ ኩነታት ናይ’ታ ሃገር፡ ክኽሰት ዝኽእል ተባራዒ ድጉል ሓደጋ ዝሕብር ሰነዳዊ መዘክራት፡ ስምዕታን ኣቤቱታን ክዝርግሑ ይርኣዩ ኣለዉ። ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ከባቢ (ቀርኒ) ዝጸንሐ ቅልውላዋት እውን ተወሳኺ ነዳዲ ዘኸትል ምርኢት ንኸይልወጥ የጠንቕቑ። ጃንዳ ምስ’ዚ ኹሉ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋታት ከኣ ኩርኳሕ ፖለቲካዊ መንገዲ ብሓርጎጽጎጽ ክስጉም ከምዘይክእል ዝሕብር መርኣያ ኢዩ። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳቱ እውን እንተኾነ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ክጽሎን ምስኡ እተተሓሓዘ ጥዕና ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ክህልዎ ዘይሕሰብ ኢዩ። ወግሐ-ጸብሐ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ-መሰል ክሕተትን ክዋጠርን፡ ንሱ ክሕሱን ከታልልን ካብ ሓቂ ክኽውል ህርድግ ካብ ምባል ኣይዓረፈን።

4./ እታ ዝዓበየት ሕማም ፈልጺ ኮይናቶ ዘላ ነጥቢ ግን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት በቢኩርንዑ ክቀላቀል ዝተራእየ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዜጋታት፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ሓደ ቅሮዓት ንመጀመርታ ጊዜ፡ ገጽ-ንገጽ ተረኣኣእይም፡ ሰላምታ ተለዋዊጦም፡ ሓበሬታ ብሓብር ሰሚዖም። እዛ ተርእዮ ኢዚኣ፡ ነዚ ሓሳድ ጭፍራ፡

ከም መሕብኢ ኮይናቶ ዝጸንሐት ምርሕሓቅ ህዝብታ፡ እታ መዐንዘዚት ሽሕር ወየንቲ ከም ፊሒኛ ነፊሳ። ብልክዕ ድማ ኣብ ግንባሩ ተወቒዑ። እቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጳያን ከም ጎረባብቲ፡ ሓባራዊ ረብሓን መኽሰብን ዘረጋግጽ፡ ተደጋጊፍካ ብሰላም ምንባር ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ክላዘቡን ክወሓሓጡን፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ብሓባር ምትእኽኻቦም፡ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ፈልዮም ብምርኣይ፡ ሓቢሮም ክሰርሑን ዝምድናታቶም ከማዕብሉ ናብ ዝለዓለ ቁውም-ነገራዊ ደረጃ ክበጽሕ፡ ጻዕሪ ክግበሮ ስለ ዝዘተዩ፣ ወያነ ሸኪኹ። ብልክዕ እቲ ብሰንኪ ስርዓት ወያነ ተበኪሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣየር ብጽሩይ ኣየር ክትካእ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝነበረ መጋረጃ ክቕደድ፡ ነዚ ቅዱስ ኣፍ-ደገ ዘርሓዉ ሓርበኛታት መንእሰያት ኢሳት ድማ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዝጸንሐ ጽልግልጋት ብርሃን ዝህብ መልእኽቲ ካብ ልሳን ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ እቲ ሓቐኛ መርገጺ፡ ኣብ ቅንዕና ዝተሰረተ እምነትን ባህግን መንግስቲ ኤርትራን ህዝባን፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ብትብዓት ትእምርታዊ ብልጭታ ምፍናዎም ክምስገኑ ይግባእ። ጸላእቲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝኾኑ ሓይልታት ድማ፡ ከም ኣብ ርእሱ እተወቕዐ ተመን ኣብ መሬት ዝገላበጥን ዝስሓግን፡ ወያነ ከም ሕሱም ክፈሓስ፡ ሓፍ-ፈጥቅ ክብል፣ ሰዓብቱ ከዕበድብዱ፡ እቲ ጥዑም ወረ ንህዝቢ፡ ንዓታቶም ዕረ ክጥዕሞም ግድን ኮይኑ። ነቲ ጣዕመ ዜና ድማ ክምርዝዎ ቃላቶም ሰሚዕና ጽሕፋቶም ኣምቢብና።

5./ ወያነን ተሓባበርቱን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን፡ ዝፈነውዎ ኩናት ምስ ፈሸለ ዝተኸተልዎ ተጻብኦታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ምሕንጻጽ ዶብ፡ ነቲ ብዅናት ከረጋግጽዎ ዘይከኣሉ ምዅላፍ ናጽነት፡ ብድሕሪኡ ዝኸፈትዎ ስነ-ኣእምራዊ ኩናት፡ መንእስያት ብምስዳዕ፡ ነቲ ኣፍራዪ ሓይሊን ዓንዲ ሕቆ ሃገር፡ ዓዲ ውዒል ምግባር ኢዩ ኔሩ እቲ ዳግማይ ኩናት። ኣብ ወጻኢ ካብ’ቶም ብወረቐት መንነት ኤርትራውያን ዝንቀሳቐሱ ተጋሩን ሓደ-ሓደ ብኸብዶም ዝተሸጡ ከዳዓትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ካብ ኤምባሲታት ወያነ ዝነጥፉን ዝዋፈሩን በጋሚዶታት፡ ናይ ጸይቂ ስርሓት ፈተነታት ኣካይዱ። ዓሚ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014. ካብ ወጻኢ ጉዳይ እቲ ስርዓት ዝተላእከ “ጥብቂ ብምስጢር” ዝብል መዘክር፡ ናብ ኩለን ኤምባሲታቱ ብምልኣኽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብቕጥፈት ዝተበየነ ማዕቀብ፡ ከይለዓል ኣጥቢቖም ክከላኸሉ፡ ወከልቱ ከማልእዎ ዘለዎም ቅድመ-ተኸተልን ኣገባባት፡ ዝሕብርን ዝመርሕን ሜላታት ዝሓቖፈ ሰርኩላር ተበቲኑ። ኮይኑ ግን መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ምስጢራዊ ሰነድ ኣቐዲሙ ረኺቡ ምስ ኣቃልዖን ኣፍሸሎን፡ እቲ ጃንዳ ሕፍረት ዓሚኹ ተሪፉ። ነቶም ኣብ መቀለ፡ ጎንደር፡ ብሽፍቱን ኣዋሳን ኣዲስ ኣበባን ብነፈርቲ እናመላለሰ፡ ምሳሕ ድራር ጋቢዙን ኣብሊዑን ኣስትዩን፡ ኣንጻር ሃገሮም ከዕጥቖም ንዓመታት ዝጸዓረሎም፡ መትሓዚ ዘይብሎም ጉጅለታት፡ ከም ነቐዝ፡ ዝበልዑ በሊዖም ነናብ መዛግቦም ከም ዝተዕዝሩ ክስቖሮ ከም ዝጀመረ፡ ሓደ-ሓደ ምልክታት ተራእዩ ኣሎ። ሎሚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክትንጸል ዘይኮነስ፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግቡእ ቦታኣን ሃናጺ ተራን ክትጻወት ሃገር ባህሊ ምዃና ዳግም ኣመስኪራ። ብኣንጻሩ ወያነ ፈሺሉ። ዶብና ብደምና ኣውሒስና፡ ብሕጊ መጕትና ረቲዕና፡ እቲ ንኸይንግስግስ ንመስናኽል ዝተጻወደ ውሳነ እገዳ፡ ምስ ኣስከሬን ሃንዳሲኡ ኣብ መቓብር ኣትዩ’ሎ። ነዚ ሕጂ ሸበድበድ ዝበሃለሉ ዘሎ፡ ጉዳይ ሰባኣዊ ፍልሰት እውን፡ ብመዓልቱ፡ ተመሳሳሊ ዕጫ ከጋጥሞ ምዃኑ ኣየማትእን።

እዚ ኣብ ራባዓይ ሕጡብ ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት፡ ክጠቕስ ዝደለኹ፡ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ንምብትታን ዝተሳእለ ውጥን ምግልባጥ መንግስቲ፡ ስርዓት ወያነ ብቐረባ ከተግብሮ፡ ካብ ዝተዋህቦ ስራሕ ገዛ ስለ ዝነበረ፡ ኮይኑ ድማ፡ ተልእኹኡ ስለዘይወቕዐ፡ ከም ክሳራ ናይ ወያነ፡ ኣብ ውሽጢ ስርዓቱን ምስ መሻርኽቱን ከምጽኣሉ ዝኽእል ናይ ተሰማዕነት ሚዛንን ምንቝልቛን፡ ከም ሳዕቤን ናቱ፡ ነዚ ዝግሃድ ዘሎ ጭንቀት ተወሳኺ ስንብራት ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት እምበኣር ከም’ዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ኮይኑ፡ ብድምር ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዕባሌታት ኣዋሃሂድና ምስ ፈተሽና፡ ዝገታተር ዘሎ ገዚፍ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል ምዕባለ ክገሃድ፡ ነቲ ስርዓት ከም መልኣከ ሞት ኮይኑ ክርኣዮ፡ ከም ሳዕቤን ናቱ፡ እቲ ጃንዳ፡ ህላውነቱ ከናውሕ፡ ካብ’ታ ኮረሻ ስልጣን ከይድንከል፡ ነቶም ስዓብቱ መጻንሕን መበራትዕን ዝኾኖ ናይ ሓሶት ፈውሲ ከውሕጥ፡ ነቶም ደለይቲ ሰላምን ለውጥን ድማ፡ መራዚ ፕርፓጋንዳዊ ጎስጓሳት ከሰላስል ዝተገደደሉ ሰዓት ኢና ኣቲና ዘለና። ካብ’ዚ ቀጺልና ናብ’ቲ መልእኽትን ትሕዝቶን ናይ’ቲ በቲንዎ ዘሎ ናይ መልቀስ ቴፕ፡ ኣብ ካላኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ ክንቅጽሎ ኢና። ኣብ ዝመጽእ ሰሙን የራኽበና።

ዓወት ንሓፋሽ!!