ሓይል አየር ኢትዮጲያ ይሕመስ ኣሎ

News Politics ትግርኛ
ስርዓት ወያነ ፡ ናይቶም ኣቐዲሞም ራሕሪሖሞ ዝኾብለሉ 8ተ ኣብረርትን ተማሊኦምወን ናይ ዝመጹ ነፈርቲ ኩናትን ሄሊኮፕተራትን ገዲፉ ፡ ናይዞም ዳሕረዎት 3ተ ኣብረርትን MI-35 ዝኣይነተን ሄሊኮፕተርን ግና እምብዛ አጨኒቁዎን ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣስኢኑዎ ይርከብ። እቲ ምክንያት ግና እንታይ ኢዩ?
ስርዓት ወያነ ፡ ናይቶም ኣቐዲሞም ራሕሪሖሞ ዝኾብለሉ 8ተ ኣብረርትን ተማሊኦምወን ናይ ዝመጹ ነፈርቲ ኩናትን ሄሊኮፕተራትን ገዲፉ ፡ ናይዞም ዳሕረዎት 3ተ ኣብረርትን MI-35 ዝኣይነተን ሄሊኮፕተርን ግና እምብዛ አጨኒቁዎን ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣስኢኑዎ ይርከብ። እቲ ምክንያት ግና እንታይ ኢዩ?

ተስፋኒውስ

ኣባላት ሓይሊ አየር ኢትዮጲያ ዝነበሩ ሻምበል ሳሙኤል ግደይ፡ መቶ ኣለቃ ቢልልኝ ደሳለኝ ከምኡውን ናይ በረራ ቴክኒሻን ጸጋ ብርሃን ግደይን ፡ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ነቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ሄሊኮፕተር ጠዊዮም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታው ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ኣዚዩ ጽዑቕ ኣኼባታትን ግምገማን ተሸሚሙ ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ አዲስ አበባ ንመደብር ቴሌቭዥን ኢሳት ሓቢሮም ።

ሽሕ`እኳ ምጥፋእ ኣብረርትን ነፈርቲ ኹናትን ናብ ኤርትር ሓድሽ ተርእዮ እንተዘይኮነ ፡ ትግራዎት ኣብረርቲ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ክሓድሙ ግና እዚ ናይ መጀመሪያ ኢዩ። ምኹብላል ሻምበል ሳሙኤል ግደይን ፡ ቴክኒሻን ጸጋ ብርሃን ግደይን ካብ ትጽቢት እቲ ስርዓት ወጻኢ ከምዝነበረን ፡ ፍጹም ስንባደ ከምዝፈጠረን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ፡ ምስዞም ክልተ ተጋሩ ኣባላት ሓይሊ አየር ናይ ቀረባ ርክብ አለዎም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ኣባላት ክምርምሮም ከምዝጀመረ ካብ ኣዲስ አበባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።

ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ፡ ንሻምበል ሳሙኤል ግደይ ብፍላይ ከዳዕ ክብል ጸዊኡዎ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ፍጻሜ`ዚ ፡ ካብቶም አቐዲሞም ናብ ኤርትራ ዝኣተዎ ኣባላት ሓይሊ አየር ፍሉይ ኣቃልቦ ዝረኸበ ዝመስል ፍጻሜ ኢዩ ዝመስል፡፡  እዚ ድማ ኣይነት ናይቲ ሒዞሞ ዝመጹ ሂሊኮፕተር ዘይኮነስ ፡ እቶም ኣብረርቲ ትግራዎት ብምንባሮምን ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብዕሊ ኣብ መራኽቢ ብዙሓን ተጠሊኡ ብምእማኑን ኢዩ። ቅድሚ እዞም ሰለስተ ኣብረርቲ ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ፡ 8ተ ኣብረርቲ ዝተፈላለዩ ናይ ውግእ ነፈርትን ሂሊኮፕተራትን ሒዞም ናብ ኤርትራ ደበኽ ኢሎም ኢዮም።

እቲ ንኹሉ ኢትዮጲያዊ ዘደንጸወ ግና ፡ እዞም ሰለስተ ኣብረርቲ ካብ መደብር ሓይሊ አየር ድሬዳዋ ተበጊሶም ፡ ካብቲ ዝተፈቐደሎም ናይ 30 ደቒቅ ምብራር ንምጥሓስ ፡ ን3ተ ሰዓት ዝኣክል እንዳብረሩ ብሰላም ኤርትራ ምብጽሖም ኢዩ። ፡ እምበርከ እቲ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ወያነ ራዳር ይሰርሕ ኣሎ ድዩ? ዝብል ሕቶ`ውን ኣላዒሉ ኢዩ፡፡  ካብኡ ዝከፈአ ግና ፡ ክሳብ ናይ ተቃወምቲ ቴሊቭዥን ኢሳት ፡ እቶም ኣብረርቲ ምስ ሄሌኮፕተራቶም ናብ ኤርትራ ብሰላም ከምዝኣተዉ ብዜና ዘቃልሓሉ እዋን ፡ እቲ ስርዓት ኣበይ ከምዝኣተዉ ምፍላጥ ሓርቢቱዎ ፡ ፈቐዶ ጎቦን ስንጭሮን ሓሰው ይብሎም ምንባሩ ኢዩ።

እሙናት ምንጭታት ኢሳት ብተወሳኺ ከምዝገልጽዎ ፡ ሻምበል ሳሙኤል ግደይ ካብቶም ዝለኣለ ናይ በረራ ልምዲ ዘለዎም ኣባላት እቲ ሓደ ክኸውን እንከሎ ፡ ሰበስልጣን ህወሃት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓይሊ ኣየር ዘውርድዎ ንዘለዉ ጥፍኣት ብእሊ ካብዝቃወሙ ደቂ ትግራይ ሓደ ኢዩ ኔሩ። መቶ ኣለቃ ቢልልኝ ደሳለኝ ድማ ፡ ነቲ ኣብቲ ሓይሊ አየር ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ናይ ሓደ ብሄር ዕብለላን ኣድልዎን ዝቃወም ኢዩ ኔሩ። ሰለስቲኦም ኣብረርቲ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ዝሓደሙ እምበር ፡ እቲ ስርዓት ከምዝብሎ እቲ ሓደ ነቲ ክላእ አገዲዱ ናብ ኤርትራ ዝጨወዮም ኣይኮኑን።

ነዚ ብውሽጢ ዉሽጢ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ፡ ንምኹብላል ትግራዎት ዝረከቡዎ ኣብረርቲ ምኽንያት ብምግባር መሊሱ ተጋዲዱ ይርከብ። እቲ አብ ሞንጎ ኮሎኔል አበበ ተካን ብ/ጄ ማሾ ሓጎስን ዝነበረ ሕዱር ጽልኢን ዘይምርድዳእን ሎሚ ደረቱ ሓሊፉ ነሓድሕዶም ኣብ ምክሳስ ይርከቡ።

ኮሎኔል ኣበበ ተካ ፡ ብመራሕቲ ህወሃት ከም እሙን ስለዝውሰድ ፡ ነቲ ሓይሊ አየር ብድሕሪት ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ ኮይኑ ፡ ብሽም ጥራሕ ሓላፊኡ ዝኾነ ብ/ጄ ማሾ ሓጎስ ድማ ምስ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ብዝጸንሖ ዘይምርድዳእ ፡ ብሽም ጥራሕ ሓላፊ ተባሒሉ ዝሰርሕ ዘሎን ኢዩ።

ብ/ጄ ማሾ ሓጎስ ፡ ኣቐዲሙ ምስ ኣዛዚ ሃይሊ ኣየር ሞላ ሃይለማሪያም ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ባዕሲ ኣትዩ ዝነበረን ፡ ምስ ሓለቃ ስታፍ ሳሞራ ዩኑስ ዝነበሮ ርክብ እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓርፈፈ ድሕሪ ምኻድ ፡ ሰላምታ ከማን ኣብ ዘይለዋወጥሉ ደረጃ በጺሖም ከምዘለዉ ኢዩ ዝንገር። ካብዚ ዝተልኣለ ፡ ክልተ ግዜ ናይ ስልጣን ወሰኽ ክምዝተነጥረን ድሕሪ ክንደይ ኣውያትን ነቲ ብዓሌት ዝተገማምዐ ሃይሊ ኣየር ንምድሓን ብዝብል ምስምስ ናይ ብ/ጄ ማዕረግ ከምእተዋሃቦ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኮ/ል አበበ ተካ ሓላፊ ናይ ድሬዳዋ ዝመደብሩ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ክሰርሕ ካብ ዝጀመር ፡ ነቲ ሓይሊ ኣየር ራሕሪሖም ዝሓደሙ ኣባላት ቁጽሪ ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ጥራይ ፡ 11 ላዕለዎት ኣብረርቲ ነፈርቲ ኹናት ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ብምሕዳም ፡ ድሮ 4ተ ናብ ግንቦት 7ተ ፡ 4ተ ድማ ናብ አርበኞች ግንባር ተጸንቢሮም ኣንጻር እቲ ስርዓት ክቃለሱ ከምዝመረጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ናይዞም ዳሕረዎት 3ተ ኣብረርቲ (እቲ ሳልሳዮም ካብ ብሔረ ኦሮሞ) ናበየናይ ተቃዋሚ ግንባር ከምዝጽንበሩ ገና ኣይተፈልጠን።

ምንጭታት ሃይሊ አየር ከምዝሕብሩዎ ፡ ኮ/ል አበበ ተካ ተወላዲ ውቕሮ ኮይኑ ፡ ኩሉ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ናይቲ መደብር ሓይሊ አየር ፡ ብደቂ ውቕሮ ጥራሕ ከምዝተሓዝ ዝገበረ ኢዮ። ን ኮ/ል አበበ ተካ ናብዚ ደረጃ ዘብጽሖ ፡ ናይ ቀደም ኣዛዚ ሃይሊ ኣየር ዝነበረን ወዲ ውቕሮ አበበ ተክለሃይማኖት ኢዩ።

ኮ/ል አበበ ተካ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ ንክዳኸም እቲ ከም ቀንዲ ምክንያት ኢዩ ዝግለጽ። ክሳብ ሕጂ ደፊሩ ስጎምቲ ዝወስደሉ ኣካል `ውን ኣይተረኽበን።  ኮ/ል አበበ ተካ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ጥራይ ፡ 2ተ FF-260 ዝኣይነተን ናይ መሰልጠኒ ሄሊኮፕተራት ተጋጭየን ፡ 2ተ MI-35 ዝኣይነተን ሂሊኮፕተራት ኣብ አየር እንከለዋ ተጋጭየን ምስ 6ተ ኣብረርተን ተቓጺለን ፡ ከምኡውን 1ደ FF ዝኣይነታ ሄሊኮፕተር ኣብ ከባቢ ሑርሶ ሞተረ ኣበላሺያ ከምዝተሓምሸሸትን ፡ እዚን ከምዚ ኣይነት እንወት ናይቲ ሓይሊ አየር ፡ ምስ ምምጻእ ኮ/ል አበበ ተካን እቲ ጋሕማጥ ምሕደርኡን ዝተታሓሐዘ ክምዝኾነ ኢዩ ዝእመን። እንተኾነ ፡ ብሰንኪ ክንክን ጄ/ል ሞላ ካብ ቀጻሊ ግምገማ ከምዘምለጠን ፡ ድሕሪ ጄ/ል ሞላ ካብ ስልጣን ምእላዩ ድማ ባዕሉ ጄ/ል ሳሞራ የካላኸለሉ ከምዘሎ ኢዩ ዝፍለጥ።

ናይዚ ኩሉ ክንክን ምስጢር እምበኣር ፡  ኮ/ል አበበ ተካ ብናይ ጦር ሄሊኮፕተራት ናይ ኮንትሮባንድ ኣቕሑት ናብ ድሬዳዋ እንዳመላለሰ ምስ በኣል ጄ/ል ሞላ ሃይለማሪያምን ሳሞራን ክንግድ ዝጸሐን ፡ ቐንዲ ዘይተኣደነ ምንጪ ገንዘብ ናይዞም በዓል ስልጣናት ስለዝኾነን ምኹኑ ኢዩ ዝሕበር።