ኤርትራ ንምጥፋእ ዝዓለመ ዘይቅየር ውጥን ኣሜሪካ

News Opinions ትግርኛ
Herman Cohen on Eritrea and Ethiopia
“ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ኢትዮጲያ ብሓባር ኮይንኩም ጸጥትኡ ትሕልዉ ፡ ባህርያዊ ጸጋታቱ ከኣ ብሓባር ትምዝምዙ” – ጉዳም ዘረባ

ብ ተስፋማርያም ሓጎስ

ም ኩሎም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበራ ሃገራት ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኤርትራ ነጻነታ ክወሃባ ይግባእ ኔሩ። እንተኾነ ኣብቲ ግዜ እቲ ዓለምና ኣብ ክልተ ተኸፊላ ብምንባራ እሞ ድማ እቲ ኤርትራ ዘላቶ ቦታ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ብምንባር እታ ሽዑ ርእሰ ሓያል ኮይና ዝተቐልቀለት ኣሜሪካ ንኤርትራ ነጻነታ ከይወሃባ እንታይ ደኣ ብፈደሬሽን ምስታ ኩርኩር ናታ ዝነበረት ድሕርቲ ኢትዮጵያ ክትቍረን ብኡ ኣቢላ ድማ ብኢትዮጵያ ክትግበት ወሰነት።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውሞኡ ኣስምዐ፡ ጸማም እዝኒ ምስ ተዋህቦ ድማ ደሙን ኣዕጽምቱን ከስኪሱ ነጻነቱ ከምጽእ ዕጥቃዊ ቃልሱ ጀመረ። ቃልሱ ክጅምር እንከሎ እንትርፎ ሓፋሽ ህዝቡ ናይ ማንም ደገፍ ኣይነበሮን። ብዝሒ ሰራዊቶምን ብዝሒ ኣጽዋሮምን ብዝሒ ደገፍቶምን ብዘየገድስ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ደማዊ ቃልሲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ንወራሪት ኢትዮጵያን ነቶም እናተበራረዩ ብዕጥቅን ስንቅን ሰብኣዊ ደገፍ ዝገብሩላ ዝነበሩ ክልተ ርእሰ ሓያላንን ሰዓብቶምን ሓማሺሹ ብብረቶምን ብጥይቶምን እሳተጎሞራዊ ሓዊ ነስኒሱ ብምቅጻል ኣብ 1991 ነጻነቱ ተጎናጸፈ ።

ነጻነትና ብዋጋ መስዋእትና እምበር ኣብ ብያቲ ወርቂ ዝተዓደለና ኣይኮነን።

እንተኾነ እቶም ኣብ ኣርባዓታት ነጻነትና ነፊጎም ግዳይ ሞትን መስዋእትን ዝገበሩና ርእሰ ሓያላን ብፍላይ ከኣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፡ ሎሚ ውን ነጻነትና ውን ኣይተዋሕጠላን። ኣሜሪካ እታ ቀንዲ ካብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣትሒዛ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝኾነት ፡ ኤርትራ ነጻ ሃገር ክትከውን ኢትዮጵያ ድማ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘይብላ ክትከውን ኣይትደልን እያ።

እዛ ሰውራ ኤርትራ ከም ቆልዓ መብጽዓ ሓብሒቡ ዘዕበያን ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ንኽትበጽሕ ዝገበራ ጭፍራ ወያነ ዓሻስ ቅልጽሙ እንተሓበጠስ ዝሓየለ ይመስሎ ከም ዝበሃል ፡ ኣሜሪካ ብረት ሂቦም ንኤርትራ ጉበጥያ እንተበልዋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ኣዊጃ ፡ ኣብ ዝወልዓቶ መጋርያ ሓዊ ተለብሊባ እንሃለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጻዕረ ሞት ትርከብ ኣላ።

እዛ ብባዶ ሽክና ጥራሕ ዝውንኑ እትምራሕ ወያነ እቲ ኣብታ ሃገር ዝገበረቶ ዓሌታዊ ኣመራርሓ ዘይጠፍእ ነበልባል ሓዊ ኮይኑ ይልብልባ ኣሎ። ኣሜሪካ ትኹን እታ ጭፍራ ፡ ንኤርትራ ብኲናት ክስዕርዋ ከም ዘይክእሉ ጽቡቕ ጌሮም ስለ ዝተረድኡ ውዕል ኣልጀርስ ክፍርሙ ተቐሲቦም።

ንኤርትራ ንምድኻም ብኡ ኣቢልካ ከኣ ንምሓዝ ሓደ ነገር ክምህዙ ናይ ግድን እዩ። ኮምሽን ዶብ ውሳኔኡ ምስ ኣሕለፈን እቲ ኣከራኻሪ ዝበሃል ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ እታ ጭፍራ ኣይቅበሎን ክትብል ከላ ኣፉ ዝኸፈተ ካብቶም ኣውሓስቲ ሓደ እኳ የሎን ፡ እቲ ምንታይሲ እታ ጭፍራ ንኣሜሪካ ኣሚናን ኣብ ሕቝፊ ኣሜሪካ ኮይና እምቢ ስለ ዝበለት።

በዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁው ተጸምደት። ከምቲ ዕላምኦም ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ክሕሉ ንነዊሕ ኣብ ዶብ ኮፍ ምባል ሰልችይዎ ክሃድም እዩ። ቍጠባ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ሮሞቝሞቝ ኢሉ ብዘይ ኲናት ክትጠፍእ እዩ እቲ ዕላምኦም። በዚ ሃገር ኣብ ክንዲ ምንቍልቋል ንላዕሊ ክትድይብ ክትውንጨፍ ጀመረት። እዚ ውን ሕማም ርእሲ ኮኖም። ኣሜሪካ ኤርትራ ብዘይወዓለቶ ክልተ ግዜ እገዳ ገበረትላ። ንሕና ኤርትራውያን ምዃንና ረሲዖሙና እዮም ይመስለኒ፡ እገዳ ውን ኣይሰርሐን እቲምንታይሲ ንሕና ከም ወርቂ ብሓዊ ዝተፈተንና ህዝቢ ብምዃንና ኣይዓጀበናን።

እቲ ዘገርም ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ንኢትዮጵያውያን “ኣዕራብ ምሳሕኩም ይበልዕልዎ ኣለዉ እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም” ዝብል ዘስደምም ሓሳብ እዩ።

እቲ ቀንዲ ሕልሚ ኣሜሪካን ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀንን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓይሊ ክትሕዛ ፡ እንተዘይከኣለት ከኣ ንዓሰብ ቆሪጻ ክትሕዝ እዩ። ወያነ ተሃንዲዳ ነስመራ ክትእቱ እሞ ንመዓልቲ ነጻነትና ናብ መዓልቲ ሓዘን ክትቅይሮ ተደርዒማ ምስ ተረፈት ካብ ኣሜሪካውያን ዝበልዎ ክጠቅስ፡ `ኩሉ ገዲፍኩም ንዓሰብ ክትሕዙ ጸዓሩ ሓንሳብ ንዓሰብ እንተሒዝኩማ ዘውጽኣኩም የለን ፡ ንእስራአል ነርብዓ ዓመታት መንዶ ካብ ጎላን ሃይትስ ኣውጺእዋ እዩ !` እዛ ሕስርቲ ጭፍራ ፈቲና ብእሳተ ጎምራ ህዝባዊ ሰራዊትና ህሙኽ ኢላ ንዓዳ ተመሊሳ።

ንሕና ኤርትራውያን ልኡላውነት ሃገርና ስድሪ መሬት ውን ትኹን ኣማሕሊፍና ንህብ ሰባት ኣይኮናን። ወደብ ዓሰብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ፡፡  ቀይሕ ባሕሪ ፡ ባሕርና እዩ ብደምና እኳ ኢና ነጻ ኣውጺእናዮ ። ኣብ ከርሱ ዘሎ ጸጋታት ናትና እዩ። ማንም ኣብዚ ብሃረርታ ኣፉ ከፊቱ እንተ ኣምባሃቘ ፡ ኣምባሂቑ ይተርፍ።

`ንቐይሕ ባሕሪ ብሓባር ኮይንኩም ጸጥትኡ ትሕልዉ ባህርያዊ ጸጋታቱ ከኣ ብሓባር ትምዝምዙ`። የቐንየልና! ንሕና ንመሬትናን ንባሕርናን ንምሕላው ኣኺሉ ዝተርፍ ሓይልን ብቕዓትን ኣለና። እኳ ደኣ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥትኡ ከውሕስ ዝኽእል ሓይልን ብቕዓትን ከም ዘለና ክንሕብረኩም ንደሊ።ንሕና ኣብ ዘርብሓና ጉዳይ ወደባትና ክንጥቀመሉ ንዓና ይምልከት፡፡ ማንም ሰብ ይኹን መንግስቲ ምስ እከለ ተመሓዘዉ ንእከለ ፍተዉዎ ንእከለ ጽልእዎ ክብለና ኣይክእልን እዩ ። ንሕና ምስ ጎረባብትና ሰላም ክንገብር ናይ ንግዲ ልውውጥ ክህሉ ተቓውሞ የብልናን። ግን ብዋጋ ልኡላውነት ሃገር ክኸውን የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ኤርትራ ሰብ ተኸፊልዋ እዩ ፡፡ ንዘንት እለት ተሓልያን ተኸቢራን ክትነብር ከነልምዓን ከነለምልማን ከኣ ሕድሪ ሰማእታት ተቐቢልና ኢና ።

ኣስዒቡ ኣምባሳደር ይብል፡ `ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ኮይነን ኣንጻር ተሮሪስት ክሰርሓ ኣለወን ይብል` ኢትዮጵያ ንርእሳ መዕኾዂትን ኣሰልጣኒትን ተሮሪስት ደይኮነትን?

ብዘይ ናይ ማንም ሓገዝ ንቐይሕ ባሕሪ ካብ ተሮሪስትን ቀርሰንትን ሓራ ዝገበርናዮ በይንና ባዕልና ኢና። ናይ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንደሊ ኣይኮንናን ። ንኸልቢ ስጋ ሂብካ ሓዝ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፡ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ እዛ ሕስርቲ ጭፍራ ብረት ሂቦም ኣዕራብ ንምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እሰግሩ ኣለዉሞ ኪዱ ቀልጢፍኩም ሓዝዎ ክብሎም እንከሎ ይመጹዶ ይኾኑ ? ግርም ሃየ ብግስ በላሞ ቆራሪጽና ድራር ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ንገብረክን። እታ ዓሳታት ናይ ባሕሪ ፌስታኹም ኣኽብሩ ሳላ ሰራዊትና ዘማች ተደረሩ ትብል ናይ 1977 ደርፍናስ እባ ኣላ ገና !

ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ኣምሓራን ተጋሩን ዋላ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ይብጽሑ በቲ ጽውጽዋይ ታሪኽ ሓንጎሎም መሊኡ ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ብሰላም ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ገሊኦም ሶማልያ ትበሃል ሃገር ብ1960 ኤውሮጳውያን ዝመስረትዋ እምበር ናይ ኢትዮጵያ እያ ፡ይብሉ።  ገሊኦም ከኣ ሱዳን ብምሉኡ መሬትና እዩ ይብሉ። ኤርትራ ናትና እያ ወያነ እዮም ከም ትንጸል ጌሮም እናበሉ ኣብ መላእ ዓለም ክግዕሩ ይውዕሉ ኣለዉ።

ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራይ እዩ። ንሕና እዛ ህያብ ሰማእታትና ዝኾነት ሃገር ብነጻነታ ኮሪዓ ክትነብር እንተደኣ ኮይና ብቝጠባ ብወታደራዊ ሓይሊ ብፍቕሪ ሃገር ነዞም ብደቡብ ዘለዉ ኣዛብእ ፡ ብሚእቲ ዕጽፊ ልዕሊኦም ምስ እንኸውን ጥራይ እዩ ።

እዚ ክግበር ይከኣልዶ ኢልና ምስ እንሓትት እወን ፈረቓን። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይዛ ሃገር ንዕብየት ወታደራዊ ዓቕምና ብኹሉ ዓቕሙ ምስ ዝሰርሕ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ከም ዝከኣል ንሃገር እስራኤል ንመልከት ከባቢኣ ኩለን ካብ ምድረገጽ ክሓክኣ ዘይፈትንኦ ፈተነ ኣይነበረን ፡ ግንከ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ እስራኤላዊ ሃሙን ቀልቡን ምስ ሃገሩ ስለ ዝኾነ ሕልሚ ጸላእቲ ቅሂሙ ተሪፉ። እንተደልያ ኣብ ሓንቲ ኣፍታ ካብ ምድረገጽ ከተጥፍአን ምሉእ ዓቕሚ ኣለዋ።

እዞም ኣብ ውሻጢ ኮይኖም ኣካኪ ዘራፍ ዝብሉ ጉረኛታት ኢትዮጵያውያን ፡ ወያነ ንኤርትራውያን ነጻ ክንከውን ከም ዘፍቀደትልና ጌሮም ብምውሳድ ንወያነ ክወቕሱ ይስምዑ።

ንሕና ነቲ ቅድም ብኣሜሪካን ሰዓብታን ደሓር ድማ ብሶቭየትን ሰዓብታን ማእለያ ዘይብሉ ዘበናዊ ኣጽዋርን ኣሽሓት ኣማከርቲ ውግእን ኣሰንዩ ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ብብረቱን ብጥይቱን ኣቃጺልና ሃገርና ነጻ ኣውጺእና፡ በዚ ውን ከይዓገብና እታ ምሽምሽቲ ጭፍራ ኣይኮነንዶ ንሰራዊት ደርጊ ደምሲሳ ኣዲስ ኣበባ ክትኣቱስ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዘላ ከተማ ውን ክትሕዝ ዓቕሚ ኣይነበራን። ሽዑ እዩ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ገሊኡ ብወለጋ ገሊኡ ብሃረር ገሊኡ ድማ ብትግራይን ጎንደርን እናደማሰሰ ኣዲስ ኣበባ ዝተቖጻጸረ። ወያነ ደልዲላ ክሳብ ብኽልተ እግራ ጠጠው ክሳብ ትብል ንኽልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኮፍ ኢሉ ኔሩ።

ስለዚ እቶም ሓንጎልኩም ብጽውጽዋይ ታሪኽ ክብረነግስት ተኸሲእኩም ዘለኹም ተበራበሩ ሓቀኛ ታሪኽ ተመሃሩ። ወይ ንዓና ንኤርትራውያን ሕተቱና ክንምህረኩም ቅሩባት ኢና። ኤርትራውያን ኤትዮጵያውያን ኣይኮንናን ኮይንና ውን ኣይንፈልጥን፡ ሃገርና ኤርትራ ኤርትራ ውን ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን። ኣይፋልናን ኣብቲ ጽውጽዋይ ታሪኽ ኢና እንኣምን ኢልኩም ኤርትራ ቀይሕ ባህሪ ወደብ ዓሰብ ትብሉ እንተ ደኣ ኮይንኩ ከኣ መርሓባ ንጽበየኩም ።

ንምዃኑ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እንትርፎ እታ ናይ 1996 ናይ ዓድዋ ኲናት እንተዘይኮይና ካልእ ኣብ ዝኾነ ኲናት ብዘይ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ስዒራ ኣይትፈልጥን እያ። ከም ኣብነት ፦

1) ኣሕመድ ግራኝ ካብ ሃረር ተበጊሱ ኣብያተ ክርስትያናት እናቃጸለ ንመሬት ሓመዳ ምስ ገምጠላ እቲ ንጉስ ኣብ ገዳም ደብረዳሞ ተዓቚቡ ነብሱ ኣድሒኑ፡ ካብ ፖርቱጋል ሓገዝ ሓቲቱ፡ ፖርቱጋላውያን ንኣሕመድ ግራኝ ቀቲሎም ሰላም ኣስፊኖም።

2) ኣብ ዘበነ ሃጸይ ዮሃንስ ሱዳን ማህዳውያን ብወገን መተማ ኲናት ምስ ከፈቱ ሃጸይ ዮሃንስ ኣብቲ ኲናት ተሳዒሩ ኣብኡ ተቐቲሉ። ኢትዮጵያውያን ኣሉ መታን ከይብሉ ማህዳውያን ንርእሲ ሃጸይ ዮሃንስ ቆሪጾም ብምውሳድ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዕምዱርማን ኣብ ቤት መዘክር ይርከብ።

3) ኣብ 1977 ሶማልያ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዘይመልእ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደምሲሶም ንሓደ ሲሶ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣእትያቶ ። ሽዑ መንግስቱ ሃይለማርያም ንሞስኮውን ኩባን ምብራቕ ጀርመንን ደቡብ የመን ኣቤት ብምባል 16 000 ሰራዊት ኩባ ፡10 000 ሰራዊት ደቡብ የመንን ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋርን ኣማኸርትን ሓገዝ ረኺቡ እዩ ንሶማል ካብ ኢትዮጵያ ከውጽኣ ክኢሉ ።

ስለዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ጃህራን ፈኸራን መወዳእትኡ ኣብቲ ኲናት ምስ መጸ `ማረኝ ጭቁን ነኝ` ካብ ምባል ሓሊፉ ዘውቅዮ ነገር የሎን።

ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኢትዮጵያውያንን ዓንገልቶምን ንህዝብን መንግስትን ኣዳኺምካን ከርዲንካን ኣብ ድኽነት ኣውሪዶም እንተሰለጦም ብሓይሊ ኣይሰለጦምን ከኣ ዝተፈላለየ ብልሓት ተጠቒሞም ንዓሰብ ክወስድሉ ዝኽእሉ መንገዲ እዮም ሃሰው ዝብሉ ዘለዉ ። ስለዚ ኤርትራዊ ሓወይ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን እዩሞ ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ተጊህናን ነቒሕናን ንኹሉ ኩነታት ክንመምዮ ይግባእ። ሎሚ ክንህመል የብልናን። ሎሚ ንኹሉ ተጻብኦታት በዲህና መሬት ምስ ኣብራህናያን መሰስ ኢልና ምስ ወጻእና ንምድርቋስና ዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ንጠንቀቐሉ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !