
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ፡
ኣብዛ እንነብረላ ፕላኔት ሸውዓተ ኣህጉር ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዘለዉ ናይ ገዛ ይኹኑ ናይ በረኻ እንስሳታት ኣለዉ። ከም ኣብነት ኣብ ደቡብ ኣሜርካ ኣግማልን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዘለዋ ብቕርጸን ይኹን ብእቃውመአን በበይነን እየን እዜን ነናተን ዝነብራሉ ከባቢ ( Habitat) ኣንበሳ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ነብሪ ኣብ እስያ ካንጋሮ ኣብ ኣውስትራልያ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል።
ደቂ ሰባት ውን ኣብ ኣህጉር ይኹን ኣብ ሃገር ወይ ኣብ ዓዲ ነናቶም መበቆላዊ ቦታ ኣለዎም። ስለዚ ደቂ ሰባት ናትና እንብላ ዝተወለድናላ ካብ ከርሳ ተመጊብና እንዓብየላ፡ ወሊድና ውላድና እነዕብየላ ምስ ሞትና ከኣ እንቕበረላ መበቆል ዓዲ ኣለትና። እዛ ዓዲ እዚኣ ምስ ትንፋስና ዝተኣሳሰረት እያ ስድሪ ካብኣ ውን ኣማሕሊፍና ኣይንህብን ኣድላዪ እንተኾይኑ ህይወት ንኸፍለላ።
እዚ ናይ ደቂ ሰባትን መሬትን ምትእስሳር ከም ስጋናን ቆርበትናን ዘይፈላለዩ ፡ ሓደ ብዘይት ሓደ ክህሉ ኣይክእልን እዩ ። ዓድታት ተኣኪበን ወረዳ የቝማ፡ ወረዳታት ከኣ ተኣኪበን ኣውራጃ ከቝማ ከለዋ ኣውራጃታት ከኣ ተኣኪበን ሃገር የቝማ ። ስለዚ ከኣ እዩ ሰብ ብዘይ ዓዲ፡ ዓዲ ከኣ ብዘይ ሰብ ትርጉም ዘይህልዎም።
ዝኾነ ሰብ ኤርትራዊ እየ ክብል እንተኾይኑ መበቆል ዓዲ ክህልዎ ኣለዎ። ምስ ዘይህልዎ ወይ ወጻእተኛ እዩ ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝገበረ እሞ ዜግነት ናይ ኤርትራ ዝተዋህቦ ክኸውን ኣለዎ ።
ንሕና ኤርትራውያን ውን ኣቃውማ ሕብረተሰብና ከምዚ ስለ ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ እዛ መበቆል ዓዱ ለምሊማን ማዕቢላን ክርእያ ይምነ ዝከኣሎ ዘበለ ኩሉ ክገብር ከኣ ድሕር ኣይብልን። ኩሉ ኤርትራዊ ነታ መበቆል ዓዱ እንተ ደኣ ሃኒጽዋን ኣማዕቢልዋን መላእ ሃገር ኣብ ሓደ እዋን ትምዕብል ኣላ ማለት እዩ ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ወረርትን ርእሰ ሓያላንን ዝገጠመ ፡ ነጻነቱ ዝተጎናጸፈን ዘውሓሰን ፡ ኣብ መሬቱ ሓያል ፍቕርን ፡ ሓድነትን መትከላዊ እምነትን ስለ ዘለዎ እዩ ። ኤርትራውነትን ኤርትራን ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም ። እቲ ህዝቢ ብዘይታ ሃገር ፡ እታ ሃገር ብዘይት ህዝቢ ትርጉም የብሎምን።
ኣብ ዝኾነ ሃገር ምስ እንኸይድ ብመጀመርያ እዘን ክልተ ሕቶታት እዮም ዝሓቱኻ። መን ኢኻ ? ናይ ኣየናይ ሃገር ዜጋ ኢኻ ዝብላ እየን ። ካብዚኤን ሓንቲ እንተ ጎዲላ እታ ሓንቲ በይና ዋጋ የብላን። ስለዚ ህላዌና ህይወት ክህልዎ እንተ ደኣ ኮይኑ እታ ሃገር ክትህሉ ኣለዋ ። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ክብረቱን መሰረት ህላዌኡ ካብ ምንጋጋ ዓመጽቲ ንምውጻእ ንሰላሳ ዓመታት ደማዊ ቃልሲ ዘካየደን ኣዝዩ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ እዩ ። ነታ ብቕልጽምና ዘምጻእናያ ነጻነት መንዚዖም ጸሓይና ኣጸልሚቶም ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ካርታ ዓለም ክሓኩና ናይ ምሉእ ዓለም ሓገዛት ኣኻኺቦም ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ኣኽቲቶም ኣብ ዘይሓሰብናዮ ወሪሮሙና።
እንተኾነ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ካብ ታተ ዝብል ህጻን ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ሽማግለ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ነቲ ሽሾ ሰራዊት ጸላኢ ብኽትገልጾ ቃላት ዘይትረኽበሉ ጅግንነት ናብ ሓሙዅሽቲ ቀይሩ ነጻነቱ ኣውሒሱ ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ግርህነትን ኣጉል እምነትን ቀታሊ ስሕበት ምዃኖም ዝያዳ ክርዳእ ክኢሉ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ነቕ ዘይብል ሓድነቱን ጽንዓቱን ተውፋይነቱን ልኡላውነት ሃገሩ ኣኽቢሩን ኣውሒሱን ይርከብ ። ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ነዛ መሬቶም ሃገሮም ደሞም ከፊሎም ኣረኪቦሙና ጥራይ ዘይኮነስ ንሕና ውን ደምና ከፊልና ክንሕልዋን ከነልምዓን ከነለምልማን ከም ዘሎና ምዒዶምናን ምሂሮሙናን ኣውሪሶሙናን እዮም።
ኣብ ዓለም ብኽብሩ ልዕሊ መሬት ልዕሊ ሃገር ዝስራዕ ዋላ ሓደ ነገር የለን። እታ ህላዌና እውን እንተኾነት ድሕሪ እታ መሬት ወይ ሃገር እያ እትስራዕ፡፡ እቲ ምንታይሲ ክትነብር እንተደኣ ኮይንካ እታ እትነብረላን እትዓብየላን መሬት ወይ ሃገር ምስ ሞትካ ውን እትቕበረላን መሬት ወይ ሃገር ስለ ዝኾነት ። ናይ ዱር ኣራዊት ከም ኣብነት ነታ መሬቶም ካብ ኣካሎም ብዝወጽእ ፍሉይ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ እናገበሩ ንብምሉኡ ዶብ ይሕንጽጽሉ። ካልእ ኣራዊት ናብታ ዶብ ምስ በጸሐ ዘይናቱ ምዃኑ ፈሊጡ ነገር ከይመጾ ይምለስ፡ ሓይሊ ድስምዖን ደላይ ነገር እንትኾይኑ ድማ ጥሒሱ ይኣቱ ናብ ሞት ዘብጽሕ ኲናት ከኣ የካይዱ።
ንሕና ደቂ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ግዳይ ወራርን መግዛእትን ዝኾንናን ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ኣሕዋትናን ኣሓትናን በጃ ዝኸፈልናን ኣብ ፈቐዶ ዓለም ኣብ ስደት ፋሕ ኢልና ከርፋሕ መነባብሮ ዘሕለፍናን ነሕልፍ ዘለናን ልዕሊ ዝኾነ ናይዛ ዓለምና ነባሪ ህዝቢ ሃገርና ከነፍቅርን ከነልምዕን ክንሕሉን ክንቃለስን ይግብኣና ።
እቲ ዝሓለፈ ዘመነ መግዛእቲ ተመሊሱ ክመጸና ንምነ ዲና ? ክብሪ ሃገር ቀሊል መሲሉካ ብዋዛ ፈዛዛ ካብ ኢድካ መሊቛ እንተ ኸይዳ ዳግማይ ንምርካባ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ዝወስዶ ግዜን ዝሓቶ መስዋእትን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ምዝንባልን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ኣሓትን ብልኡላውነት ሃገር ጸውታ የሎን ! ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ኤረ ወዲ ሰብ ምስ ሞተ ትሕቲ መሬት ምስ ሰፈረ ዋላ ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይክእልን እዩ ፡፡ ዝግበር ልዕሊ መሬት ብህይወት ከሎኻ እዩ ። ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈሌና እንታይ ንበልዕ ኔርና እንታይ ንኽደን ኔርና እንታይ ንረግጽ ኔርና ኣብ ከመይ ዓይነት ገዛ ንነብር ኔርና እንታይ ዓይነት መጊና ኔራትና ኣይኮነን ዝትረኸልና እንታይ ደኣ ንህብናን ሃገርናን እንታይ ጌርና እትብል እያ ንዘንት እለት እትንገረልና። ካብ ማህጸን ኣዴና ጥራሕና ንውለድ ክንመውት ከሎና ጥራይና ናብታ ጉድጓድ ንኣቱ። ንብረት ይኹን ገንዘብ ኩሉ ጠንጥንናዮ ኢና ኣብታ ጉድጓድ ንኣቱ።
ስለዚ ኣብዛ ርእሲ ምድሪ ከሎና ንህዝብናን ንሃገርናን ጽቡቕ ታሪኽ ሰሪሕና ንሕለፍ። ንደቅና ነጻን ምዕብልትን ብማንም ዘይትድፈር ሓያል ሃገር ንግደፈሎም ! እቲ ናብ ፍጹም ዓወት ዘብጽሓና ነቕ ዘይብል ሓቀኛ መትከል ህዝባዊ ግንባር ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘበራብርን ካብቲ ተሰሚሞሞ ዘለዉ ዓዘቕቲ ዘውጽእ ኣህጉራዊ መትከል እዩሞ ከይብሕጎግ ኣጽኒዕና ንሓዞ ! ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሃገር ኣለና፡ እዛ ቅድስቲ ሃገር ኣብ ከርሳ ብማዕድን ድዘቕበበት ኣብ ከርሲ ባሕራ ኣኺሉ ዝተርፍ ሃብቲ ሓቚፋ ኣላ ። እቲ ኣብ መሬታ ዝፈሰሰ ደም ሓላላት ደቃ ናብ ወርቂ፡ ናብ ፈልማሊ ማይ ተቐይሩ እዩ፡፡
ሕጂ እቶም ብህይወት ዘሎና ነዚ ጸጋታት እዚ ኣብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን መጻኢ ወለዶታትናን ከነውዕሎ ሕድሪ ኣለና። እዚ ሕድሪ እዚ በታ ብደም ሰማእታት ዝጨቀወት ጥውዮ ነጸላ ተጠቕሊሉ ተዋሂቡና እዩ ። መስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ክንገር ከሎና ኡይ መዓስ ኢልና ወደየ ጓለየ ኢልና ነጸላ ተዕጢቕና መዓስ በኺና ! ዕልል ዓወት ንሓፋሽ ኢና ኢልና ። ስዉኣትና ንዘለኣለም ልብናዩ ሰፈርኩም ቅሰኑ ሕድርኹም ከነጽንዓ ኢና ፡ ከምቲ ባህግኹም ከምቲ ትምኒትኩም ሕድርኹም ከነተግብሮ ኢና ኢና ኢልና።
ጸላእትና ብሰላም ክንነብር ዘይደልዩ ክንወድቕን ብድኽነትን ድህረትን ተጠቒዕና ክንተርፍ ካብኡ ቀጺሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንጠፍእ ከም ዝደልዩና ፡ ህዝብን መንግስትን ፈላልዮምን ኣናቚቶምን ብሒል ጎቦ ኣትዮም ክጎብጡና ከም ዝደልዩ ፡ ድኹማትን ተምበርከኽትን ሃሰው ኢሎም ብምዕሳብ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ብምስላፍ ንምድኻምና ለይትን ቀትርን ከም ዝጽዕሩ ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ይግባኣና ።
እዞም ብወያነን ኣሳሰይቱን ተዓሲቦም መዝሙር ወያነ ድዝምሩ ዘለዉ ወይጦታት ክንምክቶምን ከነቃልዖምን ኣለና ! ንእንቋቝሖ ተመን ሕንዚ የብሉን ኢልካ ተሳጊርካዮ ኣይትሕለፍ ከም ዝበሃል ፡ ነዞም ዕሱባት መጋበርያ ጸላኢ ዋላኳ ዘውቅይዎ ነገር ኣይሃልዎም ትም ኢልካ ግን ክረኣዩ የብሎምን ። ኣዴኻን ሃገርካን መተካእታ የብለንን ፡ ኣዲኡን ሃገሩን ኣሕሊፉ ዝህብ ውላድ ኣይወለድ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!