
ካብ መስከረም ዶት ኔት፡
ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ንሃገረ ኤርትራ ወሪርና ነመንግስቲ ኤርትራ ካብ ስልጣን ክንኣልዮ ኢና ዝብል ዘረባ ምስ ኣስመዔ፡ ወይጦታት ደብረዘይትን ኣዋሳን ባንዴራ ኢትዮጲያ ከንበልብሉ ጀሚሮም ኣለዉ፡
ምግቡዕባዕ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ነቶም ኣብ ቀሚሽ ለውጢ ተኸዊሎም ዝነበሩ ከዳዓት ኣብ ቃልዕ ክውጽኦም ክኢሉ ኣሎ። እዞም ወይጦታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ድሮ ኩናት ጀሚሮም ስለ ዘለዉ፡ ምስኦም ኣብ ኩናት ክንሽመም ክንግደድ ኢና።
ሃይለማሪያም ደሳለኝ፡ ንምንታይ ከምዚ ዓይነት ድፍረት ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ክስንዝር መሪጹ፡ ንዑኡን ንመንግስቲ ኢትዮጲያን ዝምልከት እዃ እንተኾነ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ግን ኣብ ናይ ሃገር ምክልኻል መድረኽ ኣሰጋጊሩና ኢዩ።
– – – – – –
በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ተስፋ ኒውስ፡ ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደው ክምንብል ብወግዒ ነፍልጥ። ባሕ ዘይበሎ እንተሎ ይተሓነቅ!!
ዓወት ንሓፋሽ!!