ኣብ ድሮ ዳግማይ ወጋሕታ፡ ዝቀላቀል ዘሎ ሓቅታት!

News Opinions ትግርኛ
From Conflict to Cooperationfdgddf dffdhdf
From Conflict to Cooperation. Ethiopia’s unconditional withdrawal from Eritrean territories including Badme remains the basis.

ተወልደ ብእምነት

“ኣብ ድሮ ዳግማይ ወጋሕታ፡ ዝቅልቀል ዘሎ ሓቅታት” ብዝብል ኣርእስቲ ሓሳባይ ክገልጽ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን “ኤርትራ፡ ካብ ቀዝሒ እትወጸሉ ጊዜ” ብዝብል መልእኽቲ ሚስተር ሀርማን ኮሀን፡ ሓደ ኣባል ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ፡ ን38 ዓመታት ንጡፍ ኣገልግሎት ዝሃበ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ፍሉይ ተመክሮን ኣፋልጦን ዘዋህለለ፡ ከም ኣምባሳደር፡ ጸኒሑ ኸኣ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓላፊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምዃን ዝነጥፍ ዝነበረ ዲፕሎማሰኛ : መሰረት ዝገበረ ኢዩ ክኸውን።

ነቲ ኣርእስቲ ርእይ ምስ ኣበልካዮ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ዝብለካ፡ “ከም’ዚ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ግዳም ንእተወሰነ ጊዜ ተረሲዑ፡ ብዛሕልን ቁርን ክሳቀ ዝጸንሐ እሞ፡ ሃንደበት ተዘኪሩ፡ ናብ ማሙቅ ቦታ ክኣትው ኣቃልቦ እተገብረሉ” ብዘስምዕ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ኣቃራርባ ጌሩ ኢዩ ኣርእስቲ መልእኽቱ ዝፍልም።

ናብ’ቲ ቀንዲ ውሽጣዊ ትሕዝቶን መልእኽቱን ገሊህካ ወይ ኣቲኻ፡ ነጥቢ ብነጥቢ ክትፍትሽ እንከለኻ እትረኽቦ ሓቅታት ግን፡ ካብ’ቲ ኣርእስቲ ዝዓዘዘ ዓበይቲ ቅውም-ነገራት ዝሓቆፈ ዕቱብ ጽሑፍ ኢዩ።

1) ኣምባሳደር ኮሀን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ካብ 1993 ክሳብ 1997 ዓ/ም ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ከም ዝነበረ፡ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጠራ ምስ ኣሕተመት ግን፡ ስርዓት ወያነ ኣብ ዘየድሊ ተጻብኦታት ኣትዩ፡ ኣብ 1998 ድማ ብዶብ ኣሳቢቡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወታሃደራዊ ወራር ኣውጁ ተሳዒሩ ምስ ፈሸለ፡ ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ውዕል ንሰላም ክፍርም ከም እተቐሰበ መንጸፍ ጌሩ ኢዩ ናብ’ቲ ቀንዲ መልእኽቱ ዝኣትው። ካብኡ ንደሓር ተራን ግደን ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብ’ቲ ጉዳይ፡ ከም ‘ዘይሻራውያን’ መንጎኛታትን ኣውሓስቲን ናይ’ቲ ስምምዕ መጠን፡ (ነቲ ካልእ ጥልመታትን ኣበራትን ገዲፍካ ማለት’ዩ) ኣብ’ቲ ብዶብ ኮምሽን፡ ኣብ ኣህግራዊ ቤት-ፍርዲ ብመሰረት ቀያዲ ውዕላት፡ ሕጋዊ መኸተምታ ዝተገብረሉ ፈጽሚ፡ እቲ ዝኣተውዎ ቃል (ክታም) ኣየኽበሩን። እቲ ንኣህጉራዊ ሕግን ስምምዓትን ረጊጹ፡ ላኣላዊ መሬትና ከይለቅቕ ሓንጊዱ ዘሎ ስርዓት፡ ምትብባዕን ምድጋፍን ከይኣክል፡ ጃንዳይ ፍረይዘር፡ ነቲ ብይን ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኸተለውጦ፡ ጸቅጢታት ክትገብር ከም ዝፈተነት፡ ካብኡ ንድሓር ምምሕዳራት ዋሺንግቶን ብቀጻሊ ሻረኛ መርገጺኦም ብዕሊ ተርእዩ። ነቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ኤርትራን ምምሕዳራት መንግስቲ ኣመሪካን ዝነበረ ዝምድና ድማ ኣንቆልቍሉ። ኤርትራ ንክምሓየሽ ጻዕርን ድልውነት እኳ እንተርኣየት፡ ክሳብ ሕጂ ከይተኣረመ ምጽንሑ፡ ትዕዝብቱን ስክፍትኡን እናኣካፈለ፡ ናብ ጥዑይን ንቡርን፡ ኣብ ሕድ-ሕዳዊ ምክብባር እተመስረተ ዝምድና ንኽምለስ፡ ኣመሪካ በቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዘለዋ ተሰማዕነት፡ በቲ ውዕል ክቅየድ ተበግሶ ክውሰድ ክትጸቅጥን፡ ዝጸንሐ ተራን ግደን ክልወጥ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝእምትን ሓሳባቱ ዘፍስስን።

2) እቲ ንልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሜላን ኣተሓሕዛን፡ ብፍላይ ከኣ፡ ካብ ምምሕዳር ጆርጅ ቡሽ ክሳብ ምምሕድዳር ባራክ ኦባማ ዘሎናሉ እዋን፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነጺልካን ኣዳኺምካን፡ ንምቅታሉ ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ተጻብኦታት፡ ነቲ ተጻብኦታት ምዅኑይ ንምግባርን፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካልኦት ደገፍቲ ከተጥሪ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ሃሳዪ ውሳነታት ከተሕልፍ ክሕግዝ ተባሂሉ፡ ሓቅነት ዘይነበሮ ፈጠራዊ ስለያዊ ሓበሬታታትን፡ ሎሚ እቲ ዝጸንሐ ውዲታዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ምብላዩን፡ ነቲ ዝተነድፈ ግጉይ ስእሊ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከምዘይክኣልን ኢዩ ዝምስክር ዘሎ።

3) ምምሕዳር ዋሽንግቶን (መንግስቲ) ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ፍረ-ኣልቦ ምትእትታዋት ክትእለኽ ካብ ዝገብራ፡ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ጠንቅታትን ጸገምን ኢሉ ክጠቅሶ ዝጸንሐ፡ ተልእዅኡ ክፍጽም ዝተዓዘቦ፡ ዘይጽፉፍ ኣተኣኻኽባን ኣተሓሕዛን ስለያዊ ሓበሬታታት፡ ብኸም’ዚ ዓይነትን መልክዕን ኣገባብን ዝንጸፉ ፖሊስታትን ስጉምትታትን፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ እተፈላለየ መግለጺን ሓሳባትን የቅርብ ኔሩ ኢዩ። ከም ኣብነት እትጥቀስ፡ ብ19 ጥሪ 1996 ኣብ ናይ ኢንተልጀንስ ኮሚቴ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ፡ ቃለ-ምስክርነት ሀርማን ኮሀን ከዳምጹ ኣብ እተጋብእሉ ዕለት ፡ (Hearing of the Commission on the roles and Capabilities of the United States Intelligence Community-Dirksen Senate Office Building)

ሓደ ካብ’ቶም ኣባላት ናይ’ታ ኮሚቴ ከም’ዚ ዝስዕብ ሕቶ የቅርበሉ፡-

MR. GOSS: Mr. Ambassador, I read your comments last evening. And there was one in particular I wanted to ask about. The idea of the Ambassador commenting on all intelligence reports before they are issued in final form. I presume that that would be an ambassadorial statement attached to a report and not something blended in without source of authorship; is that correct?

መልሲ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡-

AMBASSADOR COHEN: Yes. Essentially, the collection process of the CIA is a vacuum cleaner. It takes in everything that they get, and they shove it off to Washington, whether it is garbage or whether it is high quality. And I remember when I was in Senegal, I saw a piece of paper coming across my desk. It was a CIA report. And I said this is garbage. Why are we sending it? And I called in the station chief and I said, Why did this go to Washington? And he said, Well, we are a vacuum cleaner. We take everything in and we send it to Washington. It is up to the people in Washington to decide what to do with it.

እወ! ከም’ዚ ኣብ መልሱ ሰፊሩ ዘሎ፡ ኩሉ ገፈጥ-መፈጥ (ዘይተመጻረየ) ሓበሬታታት ኣራሪኻን መስሪሕካን ዝብጻሕ መደምደምታን ዝውሰዱ ስጉምትታትን፡ ውጹዓት ኣህዛብ ዓለምና ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ቁጠባውን ኩቡር ዋጋ ክኸፍልሉ ጸኒሖም ኢዮም። ንሕና ከም ህዝብን ሃገርን እውን፡ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ኣየምለጥናን። ብሽበርተኝነት ዝተኸሰስናሉን ዝተፈረድናሉን ዝተመስርሐ ሓሶታት ብስርዓት ወያነ ዝቀረበ ምንባሩ እውን፡ ነቲ ናይ 2006 ኣብ ሶማል ክውሰድ ዝተደልየ ወታሃደራዊ ወራር፡ ኣምባሳደር ኮሀን፡ ሽዑ ነቲ ዝተኣልመ ውዲታት፡ ንውስልትና ጥበባትን ወያነ ዘቃልዕ፡ ምስ ረድዮ ፓፕሊክ ብሮድካስቲን ሰርቪስ (PBS) ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣነጺርዎ ከም ዝነበረ እዝከር።

4) እዞም ዝጠቀስናዮም ዳሕረዎት ክልተ ምምሕዳራት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ዝምድናታት ወጻእን ስለያውን ስርሓት ተመዲቦም ዝዓዩ ሰበ-ስልጣናት ነዚ እተጠቅሰ ጌጋታት እዮም ክደጋግሙ ጸኒሖም። ካብ’ቲ ዘይቅርዑው ሓበሬታ ነቂሎም፡ ነቲ ቀንዲ መሃንድስ ግብረ-ሽብርተኝነት ዝኾነ ስርዓት ወያነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ንዝፈጸምዎ ተደጋጋሚ ወራርን ምዕጣቅ ኣሸበርትን፡ ጉልባብ ምንባሩን፡ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ዓለም ከተደናግር፡ ብጃንዳይ ፍረይዘር ኣብ ጊዜ ምምሕዳር ቡሽ እተጠጅአ ኣጀንዳ፡ ኣብ ጊዜ ምምሕዳር ኦባማ፡ ብሱዛን ራይስ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከምበርክኹ፡ መፍቶ ወራር ወያነ ክንከውን፡ ነብስና ከይንከላኸል ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ጸኒሖም ድማ ብቁጠባ ተረሚስና ክንወድቅ፡ እቲ እገዳ ከምዝተርርን፡ ሓያል ስነ-ኣእምራውን ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎኣዊ ጎስጓስን ክቅጽል ተጌሩ። ኣብ’ቲ ጽሑፉ ኸኣ ኣፋዅስ ኣቢሉ ድኣ የቅርቦ እምበር ነቲ ሓቅስ ኣይከወሎን። ብምትሕሓዝ፡ ነዚ ተቀባልነት ሲኢኑ ሚዛኑ ዝፈኾሰ ውሳነ፡ ከም’ዘይሰርሕ፡ ብዙሓት ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከም ዝፈንፈንኦ፡ እንተድኣ ገለ መንግስታት ክልዓል ተበግሶ ወሲደን ድማ፡ ኣመሪካ ካብ ምቅዋም፡ ኣፋ ክትሕዝ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ እማማ ኣቅሪቡ ኣሎ።

ከም’ዚ ክግለጽ ዝጸንሐ እምብኣርከስ፡ ኣምባሳደር፡ ብሓጺሩ ዝብል ዘሎ፡ እዚ ዝመኸነ ፖሊስን ኣተሓሕዛን እዚ ብኻልእ ዝሓሸን ንኹሉ ወገናት ኣርባሒ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝመድናን፡ ነቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝጸንሐ ወጥሪ ድማ ብሓፈሻ ዘፍኩስ፡ ናብ ዝሓሸ ዝምድናታትን መገድታትን ዝኸፍት የኽእል’ዩ ካብ ዝብል ገምጋም ኢዩ ዝደፍእ ዘሎ።

ንሕና ከም ህዝብን መንግስትን፡ ብመትከል ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና፡ “ምስ ጎረባብትናን ሃገራት ከባቢናን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዝን ዝምርኮስ ናይ ጽቡቅ ጉርብትናን ሰላምን ዝምድናታት ክንምስርት” እንገብሮ ጻዕሪ ዝቃዶን ዝመሳሰልን ጥዑይ መልእኽቲ ምፍሳሱ ግዚያዊ ኣገዳሲ ኣቀራርባ ኢዩ። ነቶም ኣብ ግጉይ ጎደና ዝጸንሑ ኣካላት ክእረሙ ዕድልን ብድሆን፡ ነቶም ካብ ምርግጋጽን ክስተት ሰላምን ጸጥታን ከባቢና፡ ረብሓ ዘለዎም ሓይልታት ድማ ቅሩብነቶም ዝፍትሽ፡ እዋናዊ መልእኽቲ ይመስል።

መንጽር እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ መግለጺ ኣምባሳደር ኮሀን፡ ቅሩብነት ምምሕዳር ኦባማ ከመይ ክኸውን እግባእ? ኢልካ ምሕታትን ርእይቶ ምፍሳስን ግቡእ ኢዩ መስለኒ።

ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን፡ ነዚ ነቐፌታዊ ኣቀራርብኡ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ጭቡጥን ውድዓዊ ክውንነትን ዝነቀለ ጌረ ክውስዶ እመርጽ፡ ካብ’ዚ ብምብጋስ ናብ’ቲ ናይ 1990-91 ቅድሚ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ዝነበረ ሃዋህው ተመሊሰ፡ ተራ ናይ’ዚ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ዝገበሮ ፈተነታት ብምዝማድ፡ ተወሳኺ ሓሳባት ከፍስስ ክፍትን’የ።

እብ’ቲ ናይ ሽዑ መድርኽ፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ካብ ሓደ ነዊሕን ሕልኽላኻዊ መስርሕ ወጺኡ፡ ኪኢላታትን ተነተንቲ ሕሉፍ ተመክሮታት ኵናት ዓለምና ዘይበጽሕዎ ቅማረ፡ ነቲ ”ኣይክኣልን’ዩ-እሮማይ” ዝተባህሎ፡ ከም ዝከኣል ዝገበረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ናህሩ ዓቂቡ ኣብ ፈጣን ገስጋስ ዝምርሸሉ ዝነበረ እዋን፡ ስርዓት ደርጊ ናብ ዕንወት ዘምርሓሉ፡ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ታ ማሓዝኦም ዝኾነት፡ ኩሉ ጊዜ ብደገፍን ላቄባን እትእለ ኢትዮጵያ ክኽሰት ዝኽእል ስግኣት ፖለቲካዊ ዕልቅልቅ፡ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮንፈረንስ (ዓዲ እንግሊዝ) ወዲቡን፡ ናብ’ቲ ናይ ዘተ መኣዲ ድማ፡ ንህዝባዊ ግንባር ከም ወግዓዊ ወኪል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣበርክቶኡ ክህብ፡ ተራ ዝተጻወተ ናይ መጀመረታ በዓል ስልጣን ምዃኑ ብምዝካር፡ ነዚ ሕጂ ዘንቅሎ ዘሎ ሓሳብን መፍትሒታትን (ነቲ ቅድመ-ኩነት ንነባሪ ዝምድናታት ኤርትራ-ኢትዮጵያ መፍትሒታት ኢሉ ኣቀሚጥዎ ዘሎ ነጥብታት ንጎድኒ ሓዲገ) ሚዛንን ኣቃልቦን ዝስሕብ ኣቀራርባ ኢዩ ክብል እደፍር።

ስለ’ዚ ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ሎሚ እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ መድርኸ፡ መድርኽ ምቅይያር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት፡ ሰርቢ ወሰንቲ ተርእዮታት፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ክዝርዘር ዝጸንሐ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እተፈተነ፡ ከንቱ ፍሹል ዓንኬላዊ ሽርሕታት ተበታቲኹ፡ ብዘይ ጭብጥን መርትዖን እተበጽሑ ዓመጽቲ ውሳነታት ተቃሊዖም፡ ምስ’ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነፍስ ዘሎ ናይ ለውጢ ንፋሳት ደሚርካ፡ ሓደስቲ ክስታትን ፕሮፓጋንዳዊ ኣጀንዳታትን ከከይተበገሱ ኣብ ዝብርዕንሉ ዘለዎሉ ሰዓታት፡ ብኣንጻሩ ኸኣ፡ እቲ ንኤርትራ ካብ ማሕበር-ሰብ ዓለም ንኽትንጸል ክትዳኸም ክትምብርከኽ፡ ኣብ’ተን ትማሊ ኣንጻራ ክዓጥቃ ጸቅጢ ዝግበረለን ዝነበራ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ሓዲሽ ውሁድ ዲፕሎማሲያዊ ምርድድኣት ሰፊኑ፡ ቁጠባዊ ገስጋስ እታ ሃገር ናብ ዘተኣማምን ጥርዚ ደይቡ፡ ሓድነት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምብታኽ ዝተኣልመ ውዲታት ፈሺሉ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ዝምዕብል ተርእዮታት ኸኣ፡ እቲ ትማሊ-ትማሊ ብምወላን ትኳቦን፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ሓገዛት ሃገራት ምዕራብ፡ ብጽጋብ ሓንቂቁ ፡ “ዓለም ኣይትጽርኒ” ፈንጠራዕ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ወያነ፡ ሎሚ፡ ኣብ ናይ ሞት ዓራት ተጋዲሙ፡ ሎሚዶ ጽባሕ ዝበሃለሉ መድርኽ፡ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን፡ እታ ተስግእ ጽባሕ ከይመጸት፡ ሎሚ’ውን ከም ናይ ትማሊ ነዚ ኩነታት ኣስተብሂሉን ኣጽኒዑን ዳግማይ ደበኽ ዝብል ዘሎ ኢዩ ዝመስል።

ስለዚ፡ ምምሕዳር ኦባማን ሰበ-ስልጣናቱን፡ ነቲ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ፖሊስን ኣካይዳን፡ መገዲ ንኽቕይሩ፡ ነዚ ናይ’ዚ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ኣመት ኣብ ግምት ኸእትውዎ፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዘቀድም ዝምድናታት ከሐድሱን፡ ንጻዊዒት ሃናጺ ጽምዶ ቅልጡፍ ኣቃልቦ ክህብሉ ይግባእ።

ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ሰላምን ጸጥታዊ ምርግጋእ ረባሕቲ ዝኾኑ ሓይልታት ከ፡ ብኸመይ ይቀራረብሉን? ኢልካ ሕቶ ምልዓል’ውን ግቡእ ኢዩ መስለኒ።

1፡ ሃገራት ኢጋድ፡-

ብዘይካ ስርዓት ወያነ፡ ካብ’ዚ ዝቅልቀል ሰላምን ጸጥታዊ ምርግጋእን ናይ’ቲ ከባቢ፡ ረባሕቲ ከም ዝኾኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንክውንነት ናይ’ዚ መልእኽቲ ብዕቱብ ክሰርሕሉ ድማ ይግብኦም። ወያነ ከም ኣመሉ፡ ነቲ ኩነታት ብግልብጥሽ ከም ዘንብብቦ ጥርጥር የልቦን፡ መርኣያ ናይ ስግኣቱ ኣብ ሓደ-ሓደ መርበባት ሓበሬታ፡ ናይ ስንባደ ቃላት ይደራቢ ኣሎ። ኣብ’ዚ ከባቢና ክኽሰቱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ኣመጻጽኣኦም፡ ብታሪኽ ከም እተመሃርናዮ፡ ብዓቅምን ክእለትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ዝጭብጡ ስርዓታት ኣይኮነን ክለዋወጡ ጸኒሖም። እዚ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ወያነ እውን እንተኾነ፡ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ስርዓታት እተፈልየ ብቅዓት ከምዘይውንን ርዱእ ኢዩ። እቲ ቀንዲን ተዋሳኢን ወሳኒ ተራን ዝጻወት ምምሕዳር ኣመሪካ ድኣ ይኹን እምበር፡ ሃገራት ኢጋድ እውን ብጨለነት ናይ’ዚ ስርዓት ክድህለሉ ኣይግባእን።

እቶም ሓደ-ሓደ ብስም ተቃወምቲ ዝፍለጡ፡ ብደም ኣህዛብ ዝጣልዑ፡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ዕንኪሊል ጸሓይ ዝዓረቦም ወገናት እውን እንተኾነ፡ ብባህሪኦም ካብ ወያን ፈሊኻ ስለ ዘየርኣዩ፡ ኣብ’ቲ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶ ዝጻረር ዘረባታት ኢዮም ዘዋናጭፉ ዘለዉ። ዘበኑ ዝሓለፎ ልቢ-ወለዳዊ ናይ 3000 ዓመታት ፖለቲካዊ ጽውጽዋይ ኣልዒሎም፡ ባድመ እንተ-ተለቂቃ፡ “ዓሰብ” ከም መተካእታ፡ ንዓና ኢያ ትግባእ ዝዓይነቱ ሕዱር ሕማም ምስፍሓፍሕ ከበራብሩ ምፍታን፡ ንወያነ ከነሃህሩ ጻዊዒት ከቅርብሉ ምርእይ ዘገርም ኣይከውንን።

እዚ ዝቕልቀል ዘሎ ገምጋማዊ ሓሳባት፡ ኩነታት ኣፍቂዱ ተቀባልነት ረኺቡ ንግብራውነት በሲሉ ስጉምቲ ንምውሳድ ተብግሶ እንተተጀሚሩ፡ እዚ እንሰምዖ ዘሎና ኣውያት፡ ሚዛን ዝወሃቦ ኣይኮነን።

ንምጥቅላል፡

ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሓድነቱ ዓቂቡ፡ ሓቂ ተቀኒቱ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምትእምማን፡ ጸኒዑ ተቃሊሱ፡ ከም’ቲ ናይ ትማሊ፡ ናይ ሳላሳ ዓመታት ጥምጥም፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ሓገዝን ዝርያን፡ ገጢሙ ናጽነት ዘረጋገጸ፡ ሕጂ እውን ኣብ’ዘን ናይ 16 ዓመታት ጉዕዞ፡ ሽግ ሓቂ ዓቲሩ ንፍትሒ ስለ ዝመከተ፡ ነዚ ኣብ፡ ድሮ ዳግማይ ወጋሕታ፡ ዝቀላቀል ዘሎ ሓቂን ዝቃላሕ ዘሎ ፍሉይ ቃናታትን፡ ውጺኢት ፍረ ጻማ ጻዕሩ ምዃኑ እምንቶይ ኢዩ።፡

ዓወት ንሓፋሽ!
ዓመት ሰላም፡ ዓመት ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!!
– – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – – –