ሕልናኹም፡ ኣእምሮኹምን ልብኹምን ኣበይ ኣሎ፧ (ቀዳማይ ክፋል)

News Opinions ትግርኛ
ወይጦታት ወያነን ሰብ ኣልቦ ሕልና ከደምትን ሓዬ ተሓተቱ። ገዛኻ ኣንዲዱ ኣብ ገዝኡ ዘዕቁበካ ሓላዬ ዲዩ? ሞጎጎኻ ኣፍሪሱ እንጀራ ዝቶኾበልካ ለጋስ ድዩ? ንስድራኻ ብዘይ ንሕስያ ሓሪዱ ንብዓትካ ዝደርዘልካ ለዋህ ድዩ? መን’ዩ እቲ ሓላዬ? እቲ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ንዝሓሸ ህላወ ህዝበይ ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎ ሓወይ፡ ንሱ እዩ ሓላዬይ፡ ምሳይን ኣባይን ስለዘሎ። ልቢ ንግበር ኤርትራዊያን!
ወይጦታት ወያነን ሰብ ኣልቦ ሕልና ከደምትን ሓዬ ተሓተቱ። ገዛኻ ኣንዲዱ ኣብ ገዝኡ ዘዕቁበካ ሓላዬ`ኻ ዲዩ? ሞጎጎኻ ኣፍሪሱ እንጀራ ዝቶኾበልካ ለጋስ ድዩ? ንስድራኻ ብዘይ ንሕስያ ሓሪዱ ንብዓትካ ዝደርዘልካ ለዋህ ድዩ? መን’ዩ እቲ ሓላዬ? እቲ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ንዝሓሸ ህላወ ህዝበይ ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎ ሓወይ፡ ንሱ እዩ ሓላዬይ፡ ምሳይን ኣባይን ስለዘሎ። ልቢ ንግበር ኤርትራዊያን!

ሰሎሞን ምስግና (ሚሲሳጋ-ካናዳ)

ሰላምታይ ይብጽሓኹም ዶ ኢለ ክጅምሮ። ሕልናኹም፡ ብጽልኢ ዝተቓነየ፡ ኣእምሮኹም ብሓሶትን ቅርሕንትን ዝተበረዘ፡ ልብኹም፡ ትርግታ ወይ ሕርመት ጸላኢ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ካሊኢት ዝትርግ፡ ብሰራውርኩም ዝሓልፍ ደምኩም፡ ተጸንቒቑ፡ ናይ ጸላኢ ትካቦ ደም ተቐቢልኩም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩናት ክርምሸሽን፡ ንስኻትኹም ኣብ ስደት ኮይንኩም ክተጣቕዑ፡ ብሃንቀውታን ሃረርታን ትጽበዩ ዘለኹም፡ ቆርበት በጊዕ፡ ክዱናትን ተኹላታትን ነቐዛትን፡ ኣብዘሃለኹም ሃሊኹም ከመይ ትኾኑ።

ሕልናኹም ምሳኹም ከይህልው፡ ኣብ መቐለ ገዲፍኩማ፡ ኣእምሮኹም ኣብ ቆፎ ርእስኹም ኣሎ ከይንብል፡ ከም ጽሉላት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ ኣመሪካ ኔው ነጀው ትብሉ። ልብኹም ልምዳዊ ወይ ተፈጥሮዊ ትርግታ ምሕራም ገዲፋ፡ ኣብ ደቒቕ 3000 ወቒዒ ክትሓርም ካብ ትጅምር፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኮይኑዋ። ኣብ መቐለን ተንቤንን ከይትትኰስ ኢዩ ዘፍራሓና ዘሎ። ኣልቦ ልቢ ኮይኑኩ ቀንፈዘው ከይትብሉ።

ታሪኽ ኤርትራ፡ ንዓኻትኩም ምግላጹ፡ ኣገዳሲ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ንርእስኹም ኣብቲ ታሪኽ ስለዘለኹም። “ማህጸን ኣደ ጉራምራ” ይብሉ ቀዳሞት። እወ፡ ካብ ሓንቲ ከርሲ ዝተወለዱ ኣሓዋት፡ ዝተፈላለየ ጠባያትን ባህርያትን ሒዞም ኪጓዓዙ ባህሪያዊ’ኳ እንተኾነ፡ ነታ፡ 9 ኣዋርሕ ኣብ ማህጸና ሓቑፋ፡ ንዓመታት ዝዕበየት ወላዲት፡ ግን ኣይጠልሙን። ክትሳቐን ክትሽገርን ኣይፈቕዱን፡ “ኣደ” “ወላዲተይ” “ኣብሻይ” “ማማየ” እንዳበሉ በብዓቕሞም ኢዶም ንሓገዝ ክዝርግሑ ይፍትኑ። ምኽንያቱ ወላዲትን ሓብሓቢትን ስለዝኾነት።

ሎሚ ነዚ ክብሪ ዘለዎ ባህሊ፡ የህሲስኩም፡ ወሊዳ ከምዘይበለደት፡ ኣብዝብጻሕ ኣብጺሓ ከምዘይየዕበየት፡ “ወፊርኩም እተዉ” ኢላ ሞራል ከምዘይሃበት። “ጻዕዳ ይጽናኹም” ኢላ ከምዘይመረቐትን ከምዘይ ኣፋነወትን፡ ካብ ማህጸና ከምዘይወጻኹም፡ “ንዓይ ይጥዓመኒ” ዝዓይነቱ ኣብ ፈቐዶ ስደት፡ ተሰዲድኹም፡ ጸላኢ ንምሕጓስ፡ ኣብ ልዕሊኣ፡ ቦንባታት ክዘንብ፡ ንብረታ ንኽዝመት፡ ማህጸና ንኽድፈር፡ ቆርበታ ብመርዛም ጋዝ ተቓጺሉ ኪቕለጥ፡ የዕጽምታ ብታንክታት፡ ኣብታ ንስኻትኩም ዝዓበኹምሉ ገዛ፡ ክርገጽን ክጭፍለቕን፡ ብምፍቕቅድኩም፡ “በድን” ኢለ ተጸወኣኹም ኣይትሓዙለይ።

ሎሚ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ነቲ ብሃንቀውታን ሃረርታን ዝጽበዮ ሰላም፡ ንምርካብ፡ ዝከየድ ዘሎ፡ ብውሽጥን ብደገን ጻዕርታት፡ ድኽመታትን ጉድለታትን’ኳ እንተሃለዎ፡ ደጊም ናብ ጥፍኣት፡ ሞትን ሃሰያን ዝምነይ ዝኾነ ዜጋ ከምዘየለ ፍሉጥ ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ነቲ ኣብዚሓለፈ ሳምንቲ፡ ካብ ሲኣይኤ ዝረኸቡዎ ትካቦን ፍናንን፡ ደረቶም ነፊሖም፡ “ሰላም ክንረክብ፡ ንኤርትራ ክንወራ ኣለና” ኢሎም ዝፍክርዎ ዘለው፡ ፈኸራ፡ ካብቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝፈከርዎ ፍልይ ዝበለ’ኳ እንተዘየሎ እቲ ዝገርም፡ ነዚ ናይ ፈኸራ ዳንኬራ ብኣካል ንምስታፍ፡ ናብ መቐለን ደብረዘይትን፡ ትመላለሱ ዘለኹም፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እንዳውለብለብኩም፡ ንኩናት ትደፋፍኡ ዘለኹም ዕሱባትን፡ ሕልናኹም ዝዓረበ፡ ሓቢርኩም ምስቶም ዝፍክሩ ዘለው ከምዚትጠፍኡ ኣብ ግምት ክትእትውዎ ይግባእ። ንሞት ዝሓጽየኩም ከኣ ጥይት ኤርትራውያን ዘይኮነ፡ እታ ብኢደ ወነንኩም ክትትኩስዎ ትወላውልዋ ዘለኹ፡ ብረት ናባኹም ገጻ ከምተቕንዕ ኣይትረስዑ።

ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን “ወንቤደታት” እንዳበሉ ዝዋፈርዎም ወተሃደረታቶም፡መሬት ኤርትራ፡ መቓብሮም ኮይና፡ ኣብ ቀይሕ ባህርና፡ ጥሒሎም ድራር ዓሳ ዝኾኑ፡ ውሑዳት ከምዘይነበሩ፡ ታሪኽ ምግንጻል ከድልየኩም ኢዩ። ምስ ስርዓት ወያነ ዝተገበር፡ ዘየድሊ ኩናት’ውን እንተኾነ፡ ወርቃውያን ዝኾኑ መንኣስያትና፡ ንስለ ክብርን፡ መሰልን፡ ንስነ ሕድርን፡ ልኡላውነትን፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ወዲቖም፡ ሃገር ደጊም ጠጠው ኢላ ባንዴራ ንክውልብለብ መስዋእቲ ከፊሎም፡ ኣብታ ክብርቲ ሃገሮም ከኣ፡ ወርቓዊ ዝኾነ ሓመድ ለቢሶም። እቶም ክወሩ ዝመጹ፡ ብኣሽሓት ዝተዋፈሩ ወትሃደራት ስርዓት ወያነ ከኣ፡ ጸሮና፡ ቁርሲ በሊኦም፡ ኣስመራ፡ ዝበለጸ ፍሩታታትን በሊኦምን፡ ኣብ ሆቴላት ተመሲሖም፡ ኣብ ባጽዕ ዓሳ ክድረሩ ዝሓሰቡ፡ ጎላጉል ባድመን፡ ዛላምበሳን ጸሮናን፡ ዓሰብን ውሒጡዎም ተሪፉ። እዚ ከኣዩ ዘይቅየር ታሪኽ ንዝሓለፉ ነዊሕ ዓመታት፡ ምስክር ኮይኑ ዓለም ዝገርሞ።

ሎሚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስርዓት ወያነ፡ ብልቡ፡ ከይሓሰበ፡ ብማዕዶ ብዝርእዮን ብዝሰምዖን፡ ቤላቤለው ሰኺሩ፡ ነት ኣብ ሃገሩ ዘሎ ቅልውላዋት ንምጭዋይ፡ “ኩናት” ኢሉ እንተዓወጀ፡ ሎሚ ዘይኮነስ ገና ብኣንተቡኡ እንከሎ ኢና፡ ተቐሪብናሉ ዘለና። ኣብ መፋርቕ 2012፡ ንሰላምን ንምርድዳእን ናብ ኤርትራ፡ ብሓላፍነትይ በጺሐ ምስ ፕረሲደንት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክራኸብ መደብ ኣለኒ ዝበለ፡ እሞ ሎሚ ድኣ እንታይ’ኮን ረኺቡ ኢዩ ንኩናት ዝጭድር ዘሎ፧ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናው፡ ዝርከቦ ካልኦት ሰለስተ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራ ምስ ኦባማ ንምርኻብ ቅድሚ ምብጋሱ፡ “ኩናት፡ ኩናት” ይጨኑዎ ከምዝነበረ፡ ንሰምዖ ነይርና። ናይ ሰለስተ መዓልቲ ቫኬሽንንን ሞራልን ኣብ ኣመሪካ ተፈጺሙ ሃገሩ ከይበጽሐ፡ ኣብ ፈረንሳ ከይዱ፡ እታ ኩናት ኩናት ዝጨነወት ኣፍንጭኡ፡ ኣብ መልኣከ ሞት፡ ከምዝበጽሐ ህዋሳቱ ትነግሮ ነይራ።

ሎሚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኩናት ከበሮ፡ ከስምዕ፡ ወይ ድሌት ወራር ከምዘለዎ እንተፍለጠ፡ ኩናት፡ ዝሓቶ፡ ማእለያ ዘይብሎ ወጻኢታትን ጉልበትን፡ ከምቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝነበረ ሓቦ ኣብ ቦቱኡ ኣሎ ድዩ፧ ቁጠባዊ ሎጂስትክ፡ ሞራል፡ ልዕሊ ኩሉ ናይ ወተሃደራት ተዳላውነት ኣሎ ድዩ፧ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህጽረት ቀረብ ክሳብ ክንዳይ ዓብይ ጉድኣት የምጽእ ኣሎ፡ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዪ። ምናልባት ኣዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዓመታት ተወሲኑ ዘሎ እገዳ እንተዘይነብርሲ፡ ኹነታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከምይ ምዃነ ኢልና ክንሓትት ንነብስና ንግደድ። ንድሕሪት ተመሊስና ቅድሚ 1998 ዝነበረ ኩነታት ምዝካር የድልየና። ኮይኑ ግን ሎሚ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ብምዕራባውያን ብሕልፊ ብመንግስቲ ኣመሪካ ትሕገዝን እገዳ ዘይተገበረላ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ቅልውላዋት፡ ኣብ ህዝባ ዘሎ ተረባጽነትን ዘይምትእምማንን፡ ግን ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብዕጽፍታት ይበልጽ። ብዛዕባ ኩናት ምዝራብ ቀሊል ይኸውን፡ ኣብ ኵናት ዝዓበየን ዝበሰለን ግን ብዛዕባ ኵናት ኣይዛረብን ኢዩ። ስለዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንመሪሕነት ኤርትራ ንምእላይ፡ ኩናት ክእውጅ እንከሎ፡ ንሳዕቤናቱ ኩሉ ንድሕሪት ገዲፍና፡ ብክልተ መልክዕ ክንርእዮ ይግባእ።

ቀዳማይ፡ ህላውነቶም፡ ንምርግጋጽ ዝካየድ ኵናት፡ ካልኣይ፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቀሎ ዝዓይነት፡ ንኢትዮጵያ ደምሲሶም፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ሶማል ኮይኑ፡ ንነሕድ ሕዱ ክናቖት እሞ፡ ንሳቶም ንኽሓድሙ።

ኣብዚ ክልቲኡ ትንታኔ፡ “ሓውኻ ኣበየሎ” ዝብሉ፡ ሕልነኦም ዝዓረበ፡ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ፡ ደሞም ዝተጸንቀቐ “ኤርትራውያን” ድኣ እንታይ ኮን ይኸውን መጻኢኦም፧

ይቕጽል