ንብዓት ህዝቢ ትግራይ እሞ መን ይስምዐዮ?

News Politics ትግርኛ
ህዝቢ ትግራይ ኣይጠኣሞን
ህዝቢ ትግራይ ኣይጠኣሞን፡ ብሽሙ ክንደይ ስርቕን ግፍዕን ይፍጸም፡ እሞ ህዝቢ ትግራይ እንተማረረ፣ ንሕና ከም ተጋሩ ቃንዛ ህዝብና እንተተንፈስና፣ ‘ዓርዩታ’ እንተበልናስ በዚሑና ድዩ?

ወዲ አበይቲ

ገለገለ ደቂ ዓደይኮ ንቲ ስርዐትን ምምሕዳርን ኣምሪርና እንወቐሰሉ፣ እንኹንኑሉ ምኽንያት ኣዐርዩ ዘይተረደኦም ይመስለኒ፡ በሉ እዚአን ሓዙላተይ፡ ኣብ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ድማ ክለዓላ ይግበአን፡፡

1) ናይ 115 ቢልዮን ብር ሃገራዊ ኢንቨስትመንት ብፅሒት ዘለዎ መከላከያ ኢንጅነሪንግ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ክገብር ዝሰለዖ ገንዘብ 300 ሚልዮን ብር ጥራሕ እዩ፡፡ ጉድኩም ረኣዩታ እምበኣር፡ እሞ እዚስ ሱቕ ዶ ይበሃል? የቐስን ዶ?

2) ኣብ ትግራይ ዝስራሕ ፕሮጀክት ፌደራል መንግስቲ ወይ ኣይጅመርን፣ ወይ ከይተወደአ ይተርፍ፣ ተሳኺዑ እንተተባሂሉ ንዓመታት ተጓቲቱ ተረሚሱን እዩ፡፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ክበፅሕ ኸሎ ብፍሉይ “በጀት ሓፂሩ”፣ “ትራንስፎርመር የለን…” እዩ ዝበሃል፡፡

ኣብነታት፡-

ሀ./ ማሳማሳ እቲ ዓብዪ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ ናይ ቆቦ ፕሮጀክት መስኖ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ጎልጎል ራያ ንምንታይ ደው ኢሉ ተሪፉ? ናይኒ ቆቦ፣ በለሳን ካልኦትን ስራሕ እንትጅምሩ፣ ፕሮጀክት ጎልጎል ራይ ንምንታይ ንበይኑ ትራንስፎርመር ተሳኢኑሉ (እዚ ፕሮጀክት ቅድሚ ከባቢ 17 ዓመት ተጀሚሩ ዝነበረ እንትኸውን ህንፀቱ ዳርጋ 85 % በፂሑ እንተብቅዕ ህ.ወ.ሓ.ት እንትትፈናጨል ኣንጃ ዝጀመሩዎ ኩሉ ከይውዳእ ይፍረስ ብዝብል ውሳነ ኣቶ መለስ ብ1993 ግዕዝ ክፈርስ ዝተገበረን ጸኒሑ ድማ ኣብ መእተዊ ሚለንየም ዳግም ናብ ህንጸት ዝተኣተወ እዩ)፡፡ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝተወጠኑ ስራሕቲ መስኖታት ተወዲኦም ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ንታ ናይ ጎልጎል ራያ ፕሮጀክት ንበይና ከመይ ትራንስፎርመር ከምዝተስኣነላ መገረሚ እዩ፡፡

ለ./ ክሳብ ታሕሳስ 2006 (2014 ብፈረንጂ) ክውዳእ ዝተብሃለ ፋብሪካ ሹኮር ወልቃይት ኣበይ ኣሎ? 32 %? ንምንታይ ካብ ኩለን ክስርሓ ዝተብሃላ ፋብሪካታት ኣዝያ ተጎቲታ? ብስሩ`ኸ ኣብ ውሽጢ ቀፀልቲ 5 ዓመታት ናብ ስራሕ ንምእታዋ እንታይ ዝሓዝናዮ መደብ ኣለና?

ሐ./ ተከዘ ፍልፍል ሓይሊ ኤለክትሪክ ክንደይ ዓመት ወዲኡሉ፤ ሐዚኸ ክንደይ ሜጋዋት የመንጩ ኣሎ፤ ንምንታይ ከምቲ ትልሙ ዘይተጉዓዘ?

መ./ ኣካል ቀዳማይ ብርኪ GTP ዝነበረ ህንጸት መስመር ባቡር ወልድያ-መቐለ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ዘይተጀመረ? ከመይከ ደቀይ ንበይኑ ልቓሕ ቶሎ ዘይግነየሉ? እቶም ኣለቃሕቲ እውንዶ “ኣበየናይ ክልል ንዝስራሕ እዩ?” ይብሉ እዮም?

3) ከተማ መቐለ ብፃምእ ጎሮረኣ ቃዕቃዕ እናበለን ካብ ኩለን ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ማይ ፀገም እናሃለወት ፌደራል መንግስቲ 2.1 ቢልዮን ብር መዲቡ ንጎንደር ናይ 100 ዓመት ናይ ማይ ፕሮጀክት ክሰርሕ ዝሰናድአሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለኩም? ብርግፅ ሓለፍቲ ኢንተርፕራይዝ ማይ ትግራይ ናይ መቐለ ፀገም ማይ ዘየዳግም መፍትሒ ካብ ዝርከበሉ በብዓመቱ ንማይ በጀት እናፍቀዱ እቲ ዝበዝሕ ናብ ጁብኦም ብምግባር ፃምእ ህዝብና ዘይትነፅፍ ተሓላቢት ላሕሞም ክትከውን ከምዝደልዩ ተፈሊጡ ዝሓደረ ሓቂ እዩ፡፡

4) ኣብቱ ገጠር ልምዓት ተረኺቡ ዝብሃል ዘሎ ልምዓትስ እንተኾነ ኣብቲ ሓቂን ዘረባን ናይ ሰማይን ምድሪን ኣፈላላይ እንድዩ ዘሎ? ካብ ዓመት ናብ ዓመት ከብዶም ከዐንግሉ ዘይኽእሉ ሓረስቶት ኣይኮኑን ዶ ኣብ ቴሌቭዥንን ሬድዮን እናቐረቡ ብትእዛዝ ሓለፍቲ ወረዳ “ክንድዚ ኣብ ባንኪ ኣለኒ፣ ኣበይ ደኾን መጥሓን ኣላትኒ፣ ኣበይ ድማ ገዛ ኣለኒ በሉ እናተብሃሉ ኣብ ዝጠመየት ከብዶምስ ርብዒ ሚልዮን ፍርቂ ሚልዮን ኣለና” ክብሉ ዝውዕሉ ዘለዉ፡፡

መርአያ እንትብሃል እኳስ ካብ ጣብያ ኣርብሃ-ወ-ኣፅብሃ ወፃኢ ካሊእ ትግራይ ዘየሎ ይመስል ዝመፀ ዲያስፖራ፣ ዝመፀ ፈረንጂ ኣይ ቁሸት ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ እንዶ ክርኢ ዝግበር፡ ናብ ካሊእ ገጠርከ ናበይ ተወሲሱ ይፈልጥ? ‘ልምዓት ገጠር’ እንትትብሃል ካልኣይ መላዕልቲ ገጠር እኳ ዘይብላ፤ እንተ ሕሶት እሞ ናታቶም፡ 3 ቢልዮን ፈልሲ ተኺልና ዝብሉ ደፋራት እኮ እዮም (እቲ ተኽሊ ንምትካል ኣካለ-መጠን ዝበፅሐ 2.2 ሚልዮን ናይ ከተማን ገጠርን ነባሪ ትግራዋይ ሕድሕድ ከባቢ 1400 ፈልሲ ተኺሉ ማለት እዩ!)፤ 100 % ሓረስታይ ትግራይ ሞዴል ኮይኑስ ይብሉ እንዶ፡ እቲ ዘረባ ካሊእ፣ እቲ ሓቂ ካሊእ! ንመን የታልሉዎ ከምዘለዉ እውን ዝገርም እዩ፡፡

5) ጉዳይ ት.እ.ም.ትስ እንተዘየልዐልናዮ ይሐይሽ፡፡ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ብርኪ ሓፍ ከብላ ካሕሳ ስውኣትና ተባሂለን ብስም ህዝቢ ትግራይ ተኸፊተን ናይ ውሑዳት ጉጅለታት ሽሻይ ኮይነን፤ ዋንነተን ካብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ወፂኡ ናይ ውሑዳት ምዃነን ከይኣክል፤ ብስምና ዝተነገደ ከይኣክል፤ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት እዚ ዝብሃል ኣበርክቶ ዘይምግባረን ከይኣክል፣ ሐዚ እውን ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ዘለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጉልበትን ትግራዋይ ይብዝብዛ ኣለዋ፡፡

እኒ ፋብሪካ መሰቦ ድማ ሕሉፍ ሓሊፉዋስ እቲ ኣብ መቐለ ዝምረት ስሚንቶስ ኣብ መቐለ ብዝለዓለ ዋጋ ትሸጦ፡፡ ብናይ ባዕላ መጎዓዐዝያ ንባህርዳር ወሲዳስ ኣብ መቐለ ካብ እትሸጠሉ ዋጋ ብዝሓሰረ ዋጋ ትሸጦ፡፡ እቲ ኣፈላላይ ዋዕዋዕ ብዝሕ ኢሉስ ሐዚ ሐዚ ቁሩብ ወሪዱ እምበር ገለገለ ሰባት “ስሚንቶ መሰቦ ኣብ መቐለ ካብ ትገዝእ ኣብ ባህርዳር ገዚእኻ ናብ መቐለ ምምፃእ ይሓስር” ክብሉ ይስምዑ ነይሮም፡፡ ድማስ ካብ ካሊእ ስሚንቶ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ክልኩል እዩ፡፡ ተኣምር እኮ እዩ!

6) ኣብ ብሄራዊ ፈተናታት ብፍላይ ፈተናታት 10 ክፍሊ ብበዝሒ ተምሃሮ ምሕላፍ ኮነ ብጠቕላላ ፅሬት ትምህርቲ ኣብነት ዝነበረና ህዝቢ፣ ካብዚ 7 ዓመት ኣቢሉ ብተኸታታሊ ብበዝሒ ምውዳቕ ተምሃሮ ቀዳሞት፣ ብፅሬት ትምህርቲ ጭራ ዶ ኣይኮንናን። ኣብ ኢደይ ዘለዉ ናይ 2001፣ 2002፣ 2003፣ ከምኡውን 2004 ዓ.ም ዓስራይ ክፍሊ ብሄራዊ ፈተናታት ብበዝሒ ወደቕቲ ኣብ ቅድሚት ኣለና፡፡ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እውን ካብዙ ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ Education made us what we are።  ኣብዚ ዘመን ፡ ሞት ትምህርቲ ሞት ማሕበረሰብ እዩ፡፡

7) ኣብ 24 ዓመት 20 ኪ.ሜ መንገዲ ኣስፋልቲ ዋና ከተምኡ ክሰርሕ ዘይኽእል ኣምር ልምሰትን ጉሕለትን ዝኾነ ምምሕዳር፣ ስራሕ ብፅዋን ናይ ሕሶት ኣሃዛትን ከከሓሕስ ዝደሊ ምምሕዳር፣ ዝተጠፋፈአ ተጠፋፊኡ በብዓመቱ ካብ 30 – 40% በጀት ክልል ፈሰስ ዝገብር ምምሕዳር፣ ወርሒ ሰነ ተፀብዩ መንገዲታት ዜብራ ዝቕልም ክልል መንግስቲ፣ ሓረስቶት ዘይዓቕሞም ክልቅሑን መደባርያ ክገዝኡን እናገደደ ንህዝቡ ድከት ዘእቱ ምምሕዳር፣ ንታሪኽ መንነትን ህዝቡ ዘይጣበቕ እኳ ድኣስ ታሪኽ ቀዳሞት ኣያታትና ክሃስስን ኣቦታትና ከይኸብሩን ፀለሎ ዝኸድን ኣብ ዝባኖም ተሰቒሉስ ካብኦም ኣዝዩ ነዊሑ ክርኢ ዝደሊ ስርዓት፤ ልምሰት፣ ጉሕለት፣ ግዕዝይና፣ ሕስድና፣ ቁሸታዊነት፣ ምጉጅጃል፣ ፅዋ፣ ሕሶት፣ መግለፂኦም ዝኾኑ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዘሽከርክሩዎ ስርዐት!

እሞ ደቀይ፡ እንተማረርና፣ ቃንዛ ህዝብና እንተተንፈስና፣ ‘ዓርዩታ’ እንተበልናስ በዚሑና ድዩ?

ኩልና ኩነታት ዓድና ይምልከተና እዩ እንብል ተጋሩ ኣብ ዝኸድናዮ፣ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ነዚኦም ኣልዒልና እንተዘይተዘራሪብና፣ ንዝምልከቶ እንተዘይሓቲትና፣ ሰኸፈትና እንተዘይገሊፅና ፣ ብዛዕባ መፍትሕታቶም እሂን ምሂን እንተዘይተበሃሂልና… ኣበይ ድኣ ኣሎ እቶ ሓልዮት?