
ብ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ፣
ብሰንኪ ምቁራጽ በረራ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ናብ ከተማ ኣስመራ፡ ጉዕዞይ ካብ ከተማ ፍራንኽፈርት ናብ ከተማ ኣስመራ ብመገዲ ኣየር የመን ክኸዉን ቁጠባዊ ዓቅመይ ደሪኹኒ ኢዩ። ስለዚ ብዕለት 20-06-2014 ከባቢ ሰዓት 05:00 ድሕሪ ቐትሪ ብሰዓት ሆላንድ ኣቆጻጽራ ጉዕዞይ ካብ ኣምስተርዳም ኣሃዱ’ኢለ ጀመርክዎ።ድሕሪ ናይ 6 ሰዓታት መኪና ምዝዋር ድማ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ከተማ ፍራንኽፈርት ኣተኹ። ሓደ ለይቲ ምስ ሓወይ ሓዲረ ንጽባሒቱ ኣራፊደ ኣብ መምዘኒ ቦታ መገዲ ኣየር የመን ፍራንኽፈርት በጻሕኩ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ደው ኢሎም ስለዝረኣኩ ቁሩብ ደንጉየ ምምጻኤይ ግዳይ ነዊሕ ሪጋ ከይኸዉን ሰጋእኩ። ግን ተመስገን ፈጣሪ፡ ከም ዝፈራሕኵዎ ኣይነበረን። ካብ’ቶም ገያሾ’ቶም ጥረ ገንዘብ ፥ ናይ ሓደራ ደብዳቤ ፥ መድሃኒት ወዘተርፈ ከማልኡ ዝመጹ ይበዝሑ ነይሮም። ድሒረ ከም ዝፈለጥኽዎ፡ ኣብ ኤርፖርት ፍራንኽፈርት ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ኣነ ወዲ ገርሂ ልባ መስመር ፍራንኽፈርት ኣስመራ ፥ ንመጀመርያ ግዜ ይጓዓዘሉ ብምንባረይ፥ ተገሪሄ ንሰለስተ ሰባት ጨጉረዪ ‘ሓከፍ ሓከፍ’ እንዳ በልኩ ተሰኪፈ መልእኽቶም ተቀበልኩዎም። ድሕሪ ሰለስተ መልእክትታት ምቅባለይ ግን፡ ኣነ’ዉን ከምቶም ሙኩራት ገያሾ ፍራንኽፈርት ኮይነ።ንገሊኦም “ኣነ’ዉን ከማልእ’የ መጺኤ’’ ንገሊኦም ኸኣ“ንዓይ’ዉን ሚዛን በዚሑኑ ኢዩ ዘሎ” እንዳ በልኩ ኣፋነክዎም።
ኣብቲ ሰፊሕ ጎልጎል ኤርፖርት ፍራንኽፈርት “AIRBUS A 320” ነፋሪት መገዲ ኣየር የመን ተጸጢሓ ንዓና ክትጽበየና ጸንሔት። እታ ነፋሪት ካብ ኣብ ደገ ኮይነ ዝረኣክዋ ኣብ ዉሽጢ ምስ ኣተኩ’የ ዝያዳ ዕብየታ ኣስተብሂለላ። ንቁመት ዝተዘርግሔ ልዕሊ 30 ወንበር ተር ኢሉ ዝተሰርዔ፥ ንጎኒ ድማ ብ 8 ጽምዲ ወንበር ፥ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘሎ ኩርሲ ገዲፍካ ፥ ዝሓዘት ነበረት። ተሳፈርቲ ናይ እዛ ነፋሪት ልዕሊ 80% ኤርትራውያን ኢና ኔርና። ናይ መጨረሻ መዕለቢ ስፍራና ድማ ከተማ ኣስመራ ነበረ።
ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ እዛ ዝበረርናላ ነፋሪት ድዩ ወይስ ልሙድ ተርእዮ’ዩ፥ ኣብ ነፈርቲ መገዲ ኣየር የመን ጉዳይ ጽርየት እዛ ዝተጋዓዝናላ ነፋሪት ኣፈንፋኒ ኢዩ ዝነበረ። እታ ነፋሪትና ዓለምለኻዊ ገያሾ መጋዓዚት ነፋሪት ዘይኮነት’ሲ ገዛ ሓራስ ኣድጊ’ያ ትመስል ዝነበረት።እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎትን መስተንግዶ ንተጓዓዝቲ ካብ ኣሳሰዪቲ መገዲ ኣየር የመን ብመንጽር እቲ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ዝሽጥዎ ዘለዉ ዋጋ ኣየር ትኬት (ማለት ልክዕ ከም ዋጋ ትኬት መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ) ከነጻጸሮ ከሎኹ ፥ ዘይርትዓዊ ዋጋ ወይ ድማ ዘረፋ ኢዩ ጥራሕ’የ ክብል ዝክእል።
መገዲ ኣየር የመን ብሕጊ ሸሪዓ’ያ ትመሓደር። ኣልኮላዊ መስተ፣ ሙዚቃ፥ እቲ ልሙድ ዝኮነ ናብ ርሑቅ ዝበራ ነፈርቲ ፥ ኣብ’ቲ ነዊሕ ሰዓታት በረራ ገያሾ ንከይስልችዎም ኣዛናጋዕቲ ፊልምታት ዘርእዩ’ካ’ዉን ኣብ ነፈርቲ መገዲ ኣየር የመን የለን። እተን ተለቪጅን ኣብ ቅድሜና ተንጠልጢለን ዝነበራ መማላኽዒ ነታ ነፋሪት ክኾና ዝሰቐልዎን ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓካ። ንሓንቲ ኣሳሳዪት ናይ’ታ ነፋሪት ”ንምንታይ ገለ መዘናግዒ ተኾነና ፊልም ዘይተርእዩና ? ” ኢለ ምስ ሓተትክዋ ዝረከብክዎ መልሲ “ሓራም” ስለ ዝኮነ ኣብ መገዲ ኣየር የመን ኩልኩል ምካኑ’ያ ሓቢራትኒ። ሕጊ ሽሪዓ ኣብ ”ሰማይ ወ ኣብ ምድሪ” ዝዓይነቱ ፊሎዘፊ ኢዩ።
ሓንቲ ነገር ንመገዲ ኣየር የመን ዝተሓጎስኩሎም ነገር እንተ ሃልያ ነገር ኣኽላ (መግቢ) ብፍላዪ ከኣ እቲ ዉዑይ መግቢ ኢዩ። ጥዑም መኣዛ ዘለዎ መግቢ ነበረ። እንተ እቲ ዉዑይ መስተ (ሻሂን ቡንን) ግን ኣይግድን፥ ናይ ሰማንያታታ ዓመተ ምህረት “ቤት ሻሂ ህይወት” ኢዩ ኣዘካኪሩኒ። መገዲ ኣየር የመን ነቲ ሻህን ቡንን ምስ ሽኮር ኣሕቢሮም ኣፍሊሖም ስለዝዕዱልካ ገያሾ በብዝመረጽዎ ዓቀን ሽኮር ክጥቀሙ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ ገያሾ ዘለዎም ምርጫ ክግስምዎ ወይ ክሕረምዎ ጥራሕ ኢዩ።
ጉዕዞና ከም’ቲ ዝተመደበሉ ግዜ’ዩ ተዛዚሙ። ነፋሪትና ልክዕ ሰዓት 21:20 ኣብ ኤርፖርት ሰንዓ ብሰላም ዓለበት። ኤርፖርት ሰንዓ ናይ ቀደም ኤርፖርት ካይሮ’ዩ ኣዘካኪሩኒ። ኣቃውማን ኣሰራርሓን ናይ’ቲ መቐበል ኣጋይሽ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ኣገባብን ምሕደራን ገያሾ። ብናተይ ርእይቶ ኣብ ዘበነ እኒ እኒ፥ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ካብ ዝተማሃዘ ቅዲ ምሕደራን፥ ኣገባብ ምስትንጋድ ገያሾን፥ ዝተቀድሔ ግዜኡ ዝሓለፈ (Expired) ዝኮነ ምሕደራ ገያሾ ኢዩ። ብ ክልተ ኣውቶቡሳት ካብ ድርኹኪት እታ ነፋሪት ናብቲ ኣብ ስግር ዝርከብ መቀበል ኣጋይሽ ኣደራሽ ተጋዓዝና።ናብ’ቲ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ’ቲ ኣደራሽ ድሕሪ ሓደ ጣውላ ኣብ ኩርሲ ኮፍ’ሉ ዕድመ ናይ መርዓ ዘጽሕፍ ዝመስል ዝነበረ በዓል መዚ ድሕነት ኤርፖርት ሰንዓ (ድቢዛ ዝለበሰ) ፓስፖርትናን ፥ ቦርዲንግ ካርድናን፥ ከነረክብ ተሓበረና። ብግምት ድሕሪ ፍርቒ ሰዓት ይኸዉን እቲ በዓል መዚ፡ ነቶም ኣብ ጎደና ሓርነት ”ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ” ዝሸጡ ቖልዑ ክመስል፥ ናይ’ዛ ኩላ ኣዳም ፓስፖርትን ቦርድ ካርድን ኣብ ትሽትሹ ከዚኑ በብሓደ ሽምና ’ዳ ጸውዔ ክዕድል ጸኒሑ፥ ሃንደበት ን ሓደ ገያሻይ ኣብ ጥቅኡ ዝነበረ ፥ ነቶም ዝተረፉ ደቒ ዓድካ ዓድሎም፥ ኢሉ ብ ጀምላ ሃቦ።
ብኣቆጻጽራ ሰዓት የመን 10:30 ምሸት ስለዝነበረ፡ ነፋሪትና ክትበረሉ ዝተመደበላ ሰዓት ከኣ 11:00 ሰዓት ምሸት ብምንባሩ “እቲ በዓል መዚ የመን ድሕነት ኤርፖርት” ከም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝሸጡ ቆልዑ ኣብ ጎደና ሓርነት ፓስፖርትታትና ብጃምላ ንሓደ መጋይሽትና ምሃቡ፡ ግዜ ንምቊጣብ ዝተጠቀመሉ ሜላ’ዩ ኢለ ተቀበልክዎ። ድሕሪ ሒደት ደቃይቅ ናብ እተን ዘምጻኣና ኣውቶቡሳት እንደገና ክንስቀል ተሓበረና። ሃንቀውታይ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ከኣ ብኡ መጠን ዛየደ። ግን እተን ዝተሳፈርናለን ኣውቶቡሳት፡ ድሕሪ ሓጺር ግዕዞ ኣብ ሓደ ድርኹኪት ሓደ ህንጻ ጠጠው ምስበላ ነገሩ ደንጹዩኒ። እቲ ህንጻ ማዕርፎ ገያሾ ናብ ካልእ ሃገራት ዝገሹ (Transit Hall) ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ሰብ ደንጽዩዎ ሓበሬታ ከጣይቅ ጀመረ። ድሕሪ ክንደይ ሃሰውሰው ሓደ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረብ በዓል መዚ መገዲ ኣየር የመን ተረኪቡ። ካብ እቲ በዓል መዚ ዝተረክበ ሓበሬታ ዘርዕድ’ዩ ነይሩ። እቲ በዓል መዚ ቃል ብቃላ “ኣብ ማዕከናት ዜና ከምትከታተልዎ ዘለኩም የመን ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኢያ ዘላ። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብዚ ኤርፖርት`ዚ ናይ ቶክሲ ምቕይያር ተገይሩ ነይሩ። ስለዚ ብሓደ ሓደ ተክኒካዊ ጸገማትን ንድሕንነትኩም ክንብልን ግዜ በረራኩም ተቀይሩ ኣሎ።” በለና።
. . . . ይቕጽል