ጻዕዳ ይጽናሕካ ምስ መንገዲ ኣየር የመን፡ ኣይ መርገም ኣይ ምረቓ (ካልኣይ ክፋል)

News Opinions ትግርኛ
ካብ ሆላንድ ናብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ኣየር የመን እንዳተጓዓዝኩ ካብ ዘጋጠመኒ
ካብ ሆላንድ ናብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ኣየር የመን እንዳተጓዓዝኩ ካብ ዘጋጠመኒ

ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ድሕሪ ክንደይ ሃሰውሰው ሓደ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረብ በዓል መዚ መገዲ ኣየር የመን ተረኪቡ። ካብ እቲ በዓል መዚ ዝተረክበ ሓበሬታ ዘርዕድ’ዩ ነይሩ። እቲ በዓል መዚ ቃል ብቃላ “ኣብ ማዕከናት ዜና ከምትከታተልዎ ዘለኩም የመን ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኢያ ዘላ። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብዚ ኤርፖርት`ዚ ናይ ቶክሲ ምቕይያር ተገይሩ ነይሩ። ስለዚ ብሓደ ሓደ ተክኒካዊ ጸገማትን ንድሕንነትኩም ክንብልን ግዜ በረራኩም ተቀይሩ ኣሎ።” በለና።

ኣስዒቡ፡ “ጽባሕ ንግሆ ልክዕ ሰዓት 6:00 ናብ ከተማ ኣስመራ ክንበርር ኢና ” በለና። ስምዒታትና ኣብ ክልተ ተፈራረቀ። በቲ ሓደ ወገን እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ሰዓታት ንበረሉ ምድንጓዩ ኣባሳጨወና ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ህይዎትና ከድሕኑ ኢሎም ዝተላእኩ መልኣክቲ ኮይኖም ተሰሙዑና። ግን ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ናብ ካልእ ሃገራት ዝበራ ነፈርቲ ክበራ ስለ ዝተዓዘብና ሕርቓና ገንፈለ። እቶም መሳኪን ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር የመን ሽዑ ለይቲ ተመዲቦም ዝነበሩ ከረጋጉኡና ኩሉ ዝካኣሎም ገበሩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ምስ ሓላፊኦም ብተለፎን ከራኩቡና ፈቲኖም ኣይሰለጦምን። ነቶም ኣብ ኣስመራ ዝቅበሉና ኣሕዋትናን ፈተውትናን፡ ቀንፈዘው ኢሎም ክጽበዩ ከየምስዩ፡ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ሞባይል ተለፎኖም ናብ ኤርትራ ክንድውል ኣፍቂዶሚልና ነይሮም።ረቢ ይባርኮም። 

ዓቕለይ ስለ ዝጸበበኒ ኣብ እታ እንኮ ነጻ ቀረጽ ዱካን ኤርፖርት ሰንዓ ዘወር ክብል ጀመርኩ። ዝዓጅበኒ ኣቕሓ ወሲደ ሕሳብ ክከፍል ናብ’ቲ ካሳ ምስ ከድኹ። ክልተ ጎራዙ ኣብ ኽሊ 20ታት ዝጽግዓን ፥ ሓደ ጎቦዝ ኣብ ኽሊ 30ታት ዝጽጋዕን ኤርትራውያን ዜጋታት ረከብኩ። እዘን ጎራዙ እዚኤን ኣብ እታ ንእሽቶ መዕረፍ ኣጋይሽ 3 መዓልቲ ዝገበራ ኢየን። ብመሰረት መደብ በረርአን ኣብ’ዛ ህሞት እዚኣ ኣስመራ ክህልዋ’ዩ ዝግብአን። እንተኮነ ብሓበሬታ ‘ኢሻላህ’ ዳሕራይ ክትኬዳ ኢክን፡ ምሸት ክትኬዳ ኢክን፡ ጽባሕ ክትኬዳ ኢክን፡ ወዘተ ትንፋሰን ዝሞለቓ ምካነን ምስ ሓበራኒ ዝተሰምዓኒ ስምዒት ሕጂ ክገልጾ ቃላት ይውሕደኒ ኢዩ። እቲ ቀደም’ሲ ፈረንጂ ካበይ ኢካ መጺካ ኢሎም ክሓቱኒ ከለዉ፡ ኤርትራ ኣበይ ከምትርከብ ከረድኦም ይሽገር’የ ነይረ። እንተ ሎሚ ግን ከም ዝተረገመ ህዝቢ፡ እቲ ኤእከ’ዩ ኤርትራዊ ስለ ዝረክቦ ዘሎ፡ ንምንታይ ሰብ ይስደድ ኣሎ? ንምንታይ’ዩ ከ ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክበትኽ ዝፍትን ዘሎ ክገልጽ’ዩ መሬት ዝዓርበኒ ዘሎ። እተን ጎራዙ ብሕጋውያን ስራሕ ኣምጻእቲ ኣብ ኤርትራ ክሰርሓ ናብ ሱዑዲ ዓረብ ከምተላእካን፡ ድሕሪ ናይ 3 ወርሒ ባርባራዊ ናይ ባርነት ኣተሓሕዛ ስዑዳውያን ግን፡ ሰኪሐን ናይ ሰለስተ ወርሒ ደሞዘን ከይተከፍላ ናብ ኤርትራ ክምለሳ ዝወሰና ኢየን ነይረን። እቲ ጎበዝ ከኣ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ፡ ክፉእ ሪኡ ናይ እቲ ዝሸመትኦ ኣቕሓ ሕሳብ ኣብ ክልተና ተማቂልና ክንከፍሎ ተማሕጸነኒ። ኣነ ከኣ ጠለቡ ብሓጎስ ተቀበልክዎ። መጋይሽተይ ብዙሓት ኣረጋውያን ብድካም ተዘሪሮም ኣብ ሳሎን ዝተገንበዉ፡ ብርኽት ዝበላ ኣዴታት መዓንጣ ዘይቆጾሩ ቆሉዑ ዝሓዛ (ብዘይ ኣቦታቶም) ኢዮም ነይሮም።ኣብ ሞንጎና ካብ ሃገረ ኣመሪካ ቆልዑ ሒዘን ን 24 ሰዓታት ዝተጓዓዛ’ዉን ነይረናና። እቶም ቆልዑተን ብድካምን ጥምየትን ተሸጊሮም ዓንገረር ኢሎም ክበክ’ዩ ከለው ምርኣይ ከብድካ ዝበልዕ ህሞት ኢዩ ነይሩ።

ከም ዘይሕለፍ የለን ሰዓታት ሓሊፉ ከባቢ ሰዓት 4 ንግሆ ምስኮነ ”ያላ ! ያላ ! ን ኣስመራ ትኬዱ ተሳፈርቲ ተቀረቡ” በለና ሓደ በዓል መዚ መገዲ ኣየር የመን። ኩሉ ኣብቲ መጸበይ ኣጋይሽ ዝነበረ ሰብ ናብ ኣስመራ ዝከይድ ስለ ዝነበረ ኣዳራሽ ጥርሑ ተረፈ። ድሕሪ ደጊም መዓትና ተወዲኡ’ዩ፡ ግዕዞና ክዛዘም ጥራሕ ሓደ ሰዓት ተሪፉና ኣሎ እንዳበልና ከለና ግን……….። ኣብ’ቲ ኣደራሽ ”መጀመርያ ናብ ካርቱም ከምንበርር ድሕሪኡ ኣስመራ ከምንከይድ ” ዝናፈስ ወረ ተጨንወ። ግን ብዕሊ ዝተዋህበና ሓበሬታ ኣይነበረን። መገዲ ኣየር የመን ሓበሬታ ” ኢሻላህ ” ኢዩ። ድሕሪ ኣብ ነፋሪት ደይብና መዕጠቂ ቁልፍና ምዕጣቅና ኢዩ፡ መጀመርያ ካርቱም ድሕሪኡ ኸኣ ኣስመራ ከም ንዓልብ ዝተሓበረና።
መቸም ድሕሪ ናይ 12 ሰዓታት ካብ ዝተመደበ ሰዓት ምድንጋይና፡ ዕለት 22-06-2014 ልኽዕ ሰዓት 03፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሰላም ዓሊብና። ግን ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተኩ ዝረከብክዎ ሓበሬታ ኣጋጣሚ ፍጻሜ ናይ’ዛ መስመር ሎሚ መዓልቲ ዘይኮነ ነዳዲ ንምቁጣብ፡ ነታ ንጽባሒቱ ትኣቱ መስመር ካርቱም ኣስመራ ከዋሃህዱ ዝገብርዎ ልሙድ ኣሰራርሓ መገዲ ኣየር የመን ምካኑ’የ ተሓቢረ።

ብምሕደራ ኤርፖርት ኣስመራ ተካሒስና ኢና። ነዛ ኹላ ትንፋሳ ሞሊቓ ዝጸንሔት ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ መእተዊ ቪዛ ወቒዖም ባልጃታትና ኣለይ መለይ ክንብል ኣክኢሎሙና ኢዮም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ሕጂ ተኣታት’ዩ ዘሎ ኣገባብ ምሕደራ ርሑቕ ገያሾ፡ ማለት ባጤራ ናይ ወጻኢ ስጋብ 10000 ዶላር ከየመዝገብካ ከተእቱን ከተውጽእን ምፍቃድ፡ ናይ መውጽኢ ቪዛ ን 10 ዓመት ዘገልግል ምሃብ፡ ግዜ ናይ ገያሾን ሃልኪ ናይ ሰራሕተኛታት ኢምግረሽን ኤርፖርትን ዝቑጥብ ብምካኑ ክምጎስ ዝግብኦ ስጉምቲ ኢዩ።

እታ ምጭውቲ ንእሽቶ ከተማ ሚላኖ ትመስል ከተማ ኣስመራ ኣይከምቀደማን ጸኒሓትኒ ።ጋግየ’ያ ኣብ ”ከተማ ጁባ” ዘለኩ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ብሰንኪ ሕጽረት ኤለክትሪክ እቶም ኣብ ኮምቡሽታቶ ኣብ ”ጎደና ሓርነት” ተር ኢሎም ተሰሪዖም ዘለዉ ቤት ሻሂታትን ዝተፈላለዩ ዱካናትን ነብሲ ወከፎም ኣኣብ ኣፍደጊኦም ናይ ዉልቆም ጀነረይተር ወሊዖም ስርሖም ከሳልጡ ከሎዉ፡ እቲ ”ሩርርር” ዝብል ካብ እተን ኩለን ጀነረይተራት ዝወጽእ ድምጺ ኣብ ኣእምሮካ ዝፈጥረልካ ጭንቀት ክልመድ ዘይከኣል ኣበሳጫዊ ድምጺ ኢዩ ኔሩ። ”ቀትሪ መደበር የውዕለኒ፥ ምሸት ኮምብሽታቶ የምስየኒ” ኮይኑ ኣሎ ማሕላና። እቲ ቀደም ”ትሓምሽሸኒ” ወይ ”ዓይኒ ብርከይ ተስእነኒ” ዝነበረ ኢሉኒ ሓደ ተዋዛያይ ዓርከይ። ግን ድሒረ ዝረከብክዎ ዘይተረጋገጸ ”ሓበሬታ እንዳ ሻሂ ” ጠንቂ ናይ’ዚ ናይ ሎሚ ቀነ ምቁራጽ ኤለክትሪኽ ገለ ኣካል ናይ’ታ ኣብ ሕርጊጎ ዘላ ጀነረይተር ስለ ዝተቃጸለ፡ እቲ መቐየሪ ኣቕሓ ድማ ካብ ደገ ተኣዚዙ ስለ ዝመጽእ ስጋብ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ግዜ ብምውሳዱ ምካኑ’የ ሰሚዔ። ከጋጥም ዝክእል ሽግር’ዩ። ግን በዓል መዚ ኤለክትሪክ ኤርትራ ኣብ ሰዓቱ ንኩቡራት ዓማዊሎም ኣብ ማዕከናት ዜና ሙሉእ ሓበሬታ ናይ’ቲ ተረኪቡ ዘሎ ጸገም ክህብዎም ይግባእ ኔሩ። ማለት እንታይ ምካኑ እቲ ሽግር ? ነቲ ሽግር ንምፍታሕ እንታይ ከምዝገብሩ ዘሎዉ ወዘተ ኣብ ክንዲ ምሕባር ብኣንጻሩ መሰል ሓበሬታ ዓማዊል ግሂስካ፡ ዓሚል ግዳይ ባዕላዊ ትንተናታትን ብስጭትን ጭንቀትን ክትገብሮ ዓገብ ኢዩ።።

ኣብ ሞንጎ እዚ ጽሑፍ እንዳ ጸሓፍኩ ከለኩ፡ ብዛዕባ ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ጫፋት ዓለምና ዝነብሩ ሰባት ክሓስብ ጀመርኩ። ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ብመንግስታዊ ትካላት ሕሉፍ ሓሊፎም ነታ ካብ ኢድ ወዲ ሰብ ወጻኢ ዝኮነት ጽሓይ መዓስ ትበርቅ መዓስ ትዓርብ ኣብ ማዕከናት ዜናታት ክሕበርዎም እንከሎዉ፡ እቶም ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብታት ከኣ ነዛ ኤለትሪክ ”ልቺ” ሰብ ዝህበካን ዝከልኣካን፡ ትመጻሉን ትከደሉን ስለ ዘይሕብሩ፡ ኣዴታትና መዓስ ይላፍዋ፡ መዓስ እንጀራ ይስንክታ፡ ሓርቢትወን ኣሎ። ”ተጀምረኒ’ሲ ኣለካ ፥ ተወድኣኒ ዲካ ? ” ኢለን ክደርፋ ምውዓለን ሓደ ካብ እቲ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።

ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ኤርትራ ክራማት ጽቡቅ’ዩ ኔሩ። ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ግዜ ስጋብ 3 ግዜ ዝዘንበሉ መዓልታት ኔሩ። ኣብ ገለ ገለ ህሞታት’ሞ ኣብ ሆላንድ’ድየ ዘለኩ ወላስ ኣብ ኤርትራ ኣነ’ዉን ዝተደናገርክሉ ግዜ ኔሩ’ዩ። ከመይ’ሲ ኣፍልጦይ ናይ ቐደም ዝነበረ ኣብ ኣስመራ ዝናብ ካብ 10 ደቂቅ ስጋብ 30 ደቂቅ ሓያል ድሕሪ ምዝናቡ ፥ ጽሓይ ከምዝበርቕ ጥራሕ’ዩ ኔሩ። ሎሚ ዓመት ግን ልዕሊ 1 ሰዓት ዘኒቡ ዝናብ ምስ ኣቃረጸ፡ ጽሓይ ይበርቅ’ሞ መሊሱ ኸኣ ይዘንብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ይስልስ ኔሩ። ኽላእ ዋእ ! ናይ ለዘበን ክራማት ገለ ዓይነት’ዩ ኔሩ። ግርም ዝኮነ ደስ ዝብል ክራማት እዩ። ክንደይ በሮቕሮቕ ክብል’ዩ ከይትብሉኒ እንዳ ተሰከፍኩ’የ ‘ምበር፡ ክልተ ኣጋጣሚታት ድየ ክብለን፣ ፍጻሜ’ድየ ክብለን፣ ቀልዲ’ድየ ክብለን፣ ዘይፈለጥክዎ ዘለኩ። ንዓይ ንዉልቐይ ዝምልከት ከዕልለኹም ቃሕ ኢሉኒ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ድሕሪ’ቲ ጽሓይ ሙሉእ ሓጋይ ትንፋሶም ኣምሊቓቶም ምጽናሓ፡ ህዝቢ ኣስመራ ዝናብ ካብ’ቲ ልሙድ ግዜ ዝዘንበሉ ደንግዪዎ ተጨኒቑ ከሎ፡ ሎሚ ዓመት’ሲ እምበር’ዶ ዝናብ ክመጸና’ዩ’ሉ እንዳ ተሰከፈ ከሎ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ’ቲ መዓልቲ መርዓና ዝናብ ስለ ዝዘነበ ”ርሑሳት መርዓውቲ” ተገዚምና። ኣቀድም ኣቢሉ’ዉን ዉራይ መርዓ ኣትዩ ፥ ሓማውተይ ልቸ (ኤለክትሪኽ) ስለ ዘይነበረ ተሸጊረን መጠቓ ክስንኽታ፡ ከም ፍታሕ እሞ ጀነረይተር ንካረዪ ኢለን ምስ ደምደማ፡ ሽግር ዓባይ ጀነረይተር ሕርጊጎ ብሃንደበት ስለዝተፈትሔ ልቸ (ኤለክትሪኽ) መጸት’ሞ፡ ወዮ ቆልዑ ሰምበል እቲ ስክፍታ ኣዴታቶም ክሰምዑ ዝቀነዪ፡  ነታ ልቺ ናይ ገዛውቶም ሽም መርዓተይ ”ዊንታ” ኢሎም ሓድሽ ሽም ኣጠመቕዋ።

ብምክንያት ውልቃዊ ጉዳየይ፡ እቲ ናብ ሆላንድ ዝምለሰሉ ግዜ ንክልተ ሰሙን ከናውሖ ስለ ዝወሰንኹ፡ ሓበሬታ ከጣይቕ ናብ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር የመን፡ ናብ’ቲ ጥቓ ባንኺ ኣባይትን ንግድን ኣብ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ዝርከብ ከድኩ። ምስ’ቲ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝረኣክዎ ሕማቅ ምስትንጋድን ምሕደራን ገያሾ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር የመን ኣስመራ ክከይድ ከለኹ፡ ንኹሉ ሕማቕ ከጋንፈኒ ዝክእል ነገራት ስነ ኣእምሮኣዊ ምድላዋትን ምቅርራባትን ጌረ’ሉ’የ ከይደ ኔረ። ግን ብኣንጻር ናይ’ቲ ዝገመትክዎ’ዩ ጸኒሑኒ ኹሉ ነገራት። ኣቀባብላ ዓማዊል ይኩን ኣገባብ ምሕደራ መገዲ ኣየር የመን ኣብ ከተማ ኣስመራ ብግምጣል ናይ’ቲ ስግኣታተይን ስክፍታታየን ኮይኑ’ዩ ጸኒሑኒ ። ብጣዕሚ ድማ ተደነቅኹ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሎም ሰራሕተኛታትን፡ ኣመሓደርቲ መገዲ ኣየር የመንን ኣብ ኤርትራ ከመስግነኹም ይደሊ። ስለ እቲ ትሕትናኦም፡ ስለ እቲ ምቁሉል ኣቀባብሎኦም፡ ስለ እቲ ስሉጥ ምሕደራኦም።

ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር የመን ኣስመራ ሓደ ቀዋሚ ምዱብ ሰራሕተኛ ኣሎዋ ዓማዊል ሰብ ጉዳይ ኣብ ሪጋ ን ከዪተዓማመጹ ዘማሓድር። እቲ ኣማሓዳሪ ሪጋ ዓማዊል መገዲ ኣየር የመን ከከም ኣማጻጽኣካ (በብሪጋካ) ቁጽሪ ይዕድል። እተን ምቁልላት ድሕሪ ኮምፑተር ኮፍ ዝበላ ወይዛዝርቲ ድማ በብተራካ ቁጽሪ ‘ዳ ጸውዓ ከከም ኣተኣትዋካ ጉዳይካ ሰሚዔን ኣብ መስኮት ኮምፑተረን ተወኪሰን ሕቶታትካን ጉዳይካን ኣሳሊጠን ከከም ኣመጻጽኣካ የፋንዋካ። ግደ ሓቒ ክዛረብ፡ እዚ ኣገባብ ምሕደራ ሪጋ፡ እዚ ኹሉ ናብ ኤርትራ ክመላለስ ስጋብ ሕጂ ኣብ ዉልቃዊ ትካላት ይኩን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ርእየዮ ኣይፈልጥን ኢየ። እዚ ኣገባብ ምሕደራ ሪጋ እዚ ኣዝዩ ፍትሓዊ ዝኮነ ንዝዕምጽ ሪጋ ብዓርከይ ዓርክካ ንዝዕምጽ ሪጋ ኢሉ ስለ ዝሓከኹክካ ዓሚ፥ ግድን ክትሓኸኒ ኣለካ ሎሚ ኢሉ ዕድል ዘይህብ ናይ ሪጋ ምሕደራ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ መገዲ ኣየር የመን ጨንፈር ኣስመራ በዚ ምሕደራ ሪጋ’ዚ ክምስገኑ ይግብኦም። መቸም ሰብ ክባሃል ከሎ ዝሓስብ ምካኑ’ዩ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ‘ምበር ኣብ ዝተጨነቀሉ ግዜ፡ ኣብ ዝተባሳጨወሉ ግዜ፡ ባህርያት ናይ ኣራዊት ኣለዎ። ሰብ ኣብ ተስፋ ዝቆረጸሉ ግዜ ብድሕረዪ’ዛ መሬት ሳዕሪ ኣይብቖላ እዚ ዓይነቱ ባህርያት የርኢ’ዩ። ሰብ ኣብ ግዜ ጭንቂ ኣብ ግዜ ጸበባ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ክፍጽም ይረኤ ኢዩ። ስለዚ ሰብ ወዲ ሰብ ፍጹም ስለ ዘይኮነ ጓሳ ከም ከብቲ ገና የድልዮ’ዩ ዘሎ። እዚ መክንያት እዚ’ዩ’ከኣ ምሕደራ ሪጋ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኣገዳሲ ገይርዎ ዘሎ።

ዝተዓደለኒ ቁጽሪ ሪጋ በጺሑ ፊት ሓንቲ ወይዘሪት ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር የመን ኮፍ በልኩ። መምጽእየይ መክንያት ምስሓበርክዋ ብፍሕሽው ገጽ ”ቁሩብ ደቃይቅ’ሞ ሃበኒ ነጻ ቦታ እንተሎ ክርእየልካ’የ ” በለትኒ። ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ ገጻ ካብ መስኮት ኮምፒተር ናባይ ኣቅኒዓ ”ዝከበርካ ዓሚል ዕድለኛ’ካ ነጻ ቦታ ተረኪቡ ኣሎ” በለትኒ። ክከፍሎ ዘለኒ ዕዳ ናይ መቀየሪ ቲኬት (መናውሒ) ሕሳብ ምስ ሓተትኩዋ፡ እታ ፍሕሽው ገጽ ዝተዓደላ መንእሰይ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር የመን ፍሽክ ኢላ ”ኣብ መገዲ ኣየር የመን ነጻ ናይ ዕለት ምቅያር ኣገልግሎት ኢና ንህብ” ኢላ ምስ ሐበረትኒ፡ ኣብ ኣጋ ምምላሰይ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ካብ ሆላንድ ዝተማላእክዎ ሑሩጭ’ዉን በብቁሩብ ከይተረድኣኒ ዳርጋ ናብ ምንጋፍ ቆፎይ በጺሔ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት’ዉን ዝከፍሎ ዝነብርኹ ሕሳብ ከም እሾክ ክወግኣኒ ጀሚሩ ስለ ዝነበረ፡ ቆርመድመድ ‘ዳልኩ ከለኩ እዚ ብስራት እዚ ምስምዔይ፡ እዛ ቆልዓ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር የመን፡ እተን ንሕማቕ ግዜ ኢለ ዓቂረየን ዝቀነኩ ከባቢ 200 ዩሮ፡ ከም’ዛ ካብ ጅባኣ ዝሃበትኒ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ ብታሕጋስ ፍንጫሕ በልኹ። ቁሩብ ምስ ጸናሕኩ ግን ካሕሳ ናይ እቲ ኩሉ ዘከላበቱና ኢዩ፡ መደዓዓሲ ናይ’ቲ ኹሉ ዝሓለፈኩዎ’ዩ ኢለ ብዛዕባ ካልእ ውራየይ ክሓስብ ጀመርኩ።

. . . . ይቕጽል