ጻዕዳ ይጽናሕካ ምስ መንገዲ ኣየር የመን፡ ኣይ መርገም ኣይ ምረቓ (ሳልሳይ ክፋል)

News Opinions ትግርኛ
ካብ ሆላንድ ናብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ኣየር የመን እንዳተጓዓዝኩ ካብ ዘጋጠመኒ
ካብ ሆላንድ ናብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ኣየር የመን እንዳተጓዓዝኩ ካብ ዘጋጠመኒ

ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

እዛ ቆልዓ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር የመን፡ እተን ንሕማቕ ግዜ ኢለ ዓቂረየን ዝቀነኩ ከባቢ 200 ኤሮ ፥ ከም’ዛ ካብ ጅባኣ ዝሃበትኒ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ። ብታሕጋስ ፍንጫሕ በልኹ።ቁሩብ ምስ ጸናሕኩ ግን ካሕሳ ናይ እቲ ኩሉ ዘከላቦትና ኢዩ።መደዓዓሲ ናይ’ቲ ኹሉ ዝሓለፈ’ዩ ኢለ ብዛዕባ ካልእ ውራየይ ክሓስብ ጀመርኩ።

ድሮ እተን ዝወሰኽወን 2 ሰሙን ሓሊፈን ዕለት 15-08-2014 ኮይኑ፥ ናብ ሆላንድ ዝምለሰሉ ዕለት ኣኺሉ ኣቕሑተይ ክጠራንፍ ጀመርኩ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝሓለፈ 3 ሰሙን ሰማይ ድሕሪ ቐትሪ ብግመ ተሸፊኑ ኣጋምሸት ክዘንብ’ዩ ቐንዩ። ሎሚ መዓልቲ ግን ከሙኡ ኣይነበረን። ምሸት ምስ ኮነ ከኣ’ሞ እታ ዓባይ ወርሒ ኣስመራ ምስ’ተን ዱሙቓት ከዋኽብቲ ደቓ ንዓይ ከፋንዋ ምስ ኣባጅጎ ዝተላዘባ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዒኒ። ኣነ’ውን ከብደይ ሓቦጭቦጭ ‘ዳ በለኒ ተቛጺርኩም ኣለኩም ኣይበለና ኣብ ቀረባ ግዜ ተመሊሰ ክርኤክን’የ ምስ ነብሰይ ተቛጺረ ኣለኩ ኣብ ቀረባ ግዜ ዳግማይ ክርእየክን በልክወን ብልበይ። ብሓቒ ነገር ፓስታን ፒሳን (እንጀራ) ሕሱም ኮይኑኒ’ዩ እምበር፡ መሊሰ 2 ሰሙን ክውስኽ ኣይምጸላእኩን ነይረ። እንደገና ኸኣ መሊሰ 2 ሰሙን ተትስልስ’ውን ኣይምስተመነክዋን ኔረ ን ከተማ ኣስመራ። 

ኣብ ቦርዲንግ ካርዲ ኣየር ቲኬተይ ልክዕ ሰዓት 05:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኤርፖርት ኣስመራ ክርከብ ከም ዘለኒ ኢዩ ዝሕብር ኔሩ። ብመጠኑ ንኣሰራርሓ መገዲ ኣየር የመን ስለ ተረዲኤዮ ዝነበረኹ ግን ከባቢ ሰዓት 7:00 ምሸት ምስኮነ’የ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዓለም ለካዊ ኤርፖርት ከተማ ኣስመራ ተረኺበ። እቲ ኹሉ ዝሕተት ቅጥዒ ብኣስመራ ኤርፖርት ኣማሊኤ ከም’ተን መገዲ ኣየር የመን ዘፍቅዱልካ ልኽዕ ሚዛን ሒዘ ስለ ዝመጻኩ ከባቢ ሰዓት 8:00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ኣስመራ ተዛንየ ኣብ’ቲ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዝርከብ መጸበይ ኣጋይሽ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሰዓት ንበረላ ይጽበይ ነበርኩ። መሕለፊ ግዜ ክኮነኒ ኢለ ምስ ሓደ ብግምት 10 ዓመት ዝዕድሚኡ ተዛራባይ ቆልዓ ምስ ወላዲት ኣዲኡ ጥራሕ (ብዘይ ኣብኡ) ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ዕላል ጀመርኩ። ኣነ ”ከመይ ኔሩ መገሻ ” ኢለ ምስ ሓተትክዎ ዝመለሰለይ መልሲ ኣስሒቑኒ ኢዩ። እቲ ቖልዓ ኣብ ዓሚቅ ስምዒት ኣትዩ ”ኣነ ኣብ ኤርትራ ወዲ ንጉስ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ኹሉ ሰብ’ዩ ዝፈትወኒ። ንግሆ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ፓላሰ (ናይ ቀደም ሆቴል ኢንተርኮቲነንታል በዓል 5 ኮከብ ኢዩ) ይቆርስ፡ ይሕንብስ፡ በቓ ኣነ ኣብ ኣስመራ ንዘልኣለም ክነብር ኢየ ዝደሊ በለኒ። ኣየ ናይ ቖልዓ ነገር ወላዲ ኣቦኡ ብሰንኺ ሕጽረት ኢዱ (ገንዘብ ወይ ግዜ ) ይከዉን’ምበር ጅብኡ ዝመልኣሉ ሰብ ተትከውን’ሲ መጀመርያ ምስ ወዱን ሰበይቱን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ናብ ‘ታ ዝናፍቓ ዓዱ ክመጽእ ኣይምጸልኤን ኔሩ። ካልኣይ ከኣ 100 ዩሮ፥ 200 ዩሮ ክቁጡብ ኢሉ ምስ እዛ ምስ ገሃነብ ትወዳደር መገዲ ኣየር የመን ከምዝሰዶዶ ከይተረድኦ፡ ኣቡ’ኡ እንዳ መወሎ ኣብ ኣስመራ ክቅመጥ ምምናዩ፡ ብልበይ ቆልዓ ኮይንካ ኩሉ ሻዕ ተትነብር በልኹ።

ነፋሪትና ካብ ከተማ ኣስመራ ናብ ከተማ ሰንዓ ክትበረሉ ዝተመደበላ ሰዓት 10:10 ምሸት ኢዩ ዝነበረ። ግዜን ከልብን ከይጸዋዕካዮም’ዮም ዝመጹ ከም ዝባሃል ከይተረዳኣና ሰዓት 10:10 ኮነ። ስክፍታና ኸኣ ብኡ መጠን ወሰኸ። ልኽዕ ሰዓት 11:00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ኣስመራ፡ ብመጉልሒ ድምጺ ”መገዲ ኣየር የመን ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ኤርፖርት ክትዝንቢ ድሕሪ ምጽናሓ፥ ናብ ሰንዓ ክትምለስ ከም ተገደደት ተሓበረና። እቲ ተደጊሉ ዝቀነየ ኣብ ውሽጥና ብሰንኪ ምኽልባት ኣመጻጽኣና ዝተፈጥረ ብስጭትን ሕርቃንን ዳግማይ ገንፈለ፡ ጎሃረ።ቓል ቓል ኢልና ተቓጸልና ። ነደድና።

ሕጂ ክሓስቦ ከለኩ፡ መገዲ ኣየር የመን ንኤርትራውያን ስጋብ ክንደይ ንዒቆምና ከም ዘለዉ ጥራሕ ኢዩ በሪሁለይ ዘሎ።

ከመይ’ሲ ኣቀዲመ ከም ዝሓበርኩኩም፡ ዓርቢ ዕለት 15-08-2014 እታ ዝበረርኩላ መዓልቲ ”ወርሕን ከዋኽብትን ንዓይ ከፋንዋ ኢለን ምስ ኣባጅጎ ዝተቋጸራ” ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኔሩ። ኣብ ኣድማስ ትርኢት ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዘይነበረ ንመጀመርያ ግዜ ቐትሪ ደበና፡ ኣጋምሸት ዝናብ ዘይብሉ ምሸት። ሰማይ ኣስመራ ኸኣ ሰማያዊ ኣድማሱ ተቐዲዱ ድምቕቲ ወርሒ ምስ ከዋኽብቲ ፉሩያት ኮይነን ዝረኣያላ ምሸት’ዩ ዝነበረ።ኬፍ ዘለዎ ምሸት።

ዪዋኣይ ተለቢሙለይ`ሲ፡ መገዲ ኣየር የመን ”ደይ ክረምቲ ኢዩ” ክንእመን ኢና ተባሂሉ ሻሽ ዝመስል ጻዕዳ ሓሶት ኢዮም ምሂዞምልና። እቲ ዝያዳ መስሓቓት ዝገብሮም ንመገዲ ኣየር የመን ከኣ (ዳሕራይ ኣብ ከተማ ፍራንኽፈርት ኣብ ንዓልበሉ ግዜ ኣብ ሰማይ ፍራንኽፈርት ከም ዝተዓዘብክዎ) ኣብ ፍራንኽፈርት ሓውሲ ኽረምቲ እዚ ዓይነቱ ኩነታት ኣየር ምንባሩ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ዝነበረ ግመ ኣብ ልዕሊ ፍራንኽፈርት ይበዝሕ ምንባሩ ኢዩ። እቲ ዝያዳ ዝገርም ነገር ከኣ እቲ ኣቀዲሙ ኣብ ኣስመራ ኤርፖርት ”ግመ ስለ ዝተሸፈነ ክዓልብ ኣይደፍርን’የ” ኢሉ ናብ ሰንዓ ተመሊሱ ዝተባህለ ፓይሎት፡ ብዘይ ወላ ሓንቲ ጸገም ብልዑል ዉሕልነት ኣተዓላልባ ነፈርቲ ኣብ ከተማ ፍራንኽፈርት ብሰላም ከዕልበና ምኽኣሉ ኢዩ። እዚ ፓይሎት እዚ መገዲ ኣየር የመን ”ኣስመራ ግመ ስለ ዝኮነ ተመሊሱ ” ዝተባህለ፡ ኣብ እቲ ደበና ዝዓሰሎ መዓልቲ ሓውሲ ኽረምቲ (Winter) ኣብ ከተማ ፍራንኽፈርት ብሰላም ከዕልባ ነፋሪት ምኽኣሉ፡ ንሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ክምልስዎ ክገድፎሎም ‘ምበር (ማለት ኣብ ፍራንኽፈርት ዝሓሸ ምዕቡል ሓገዝ ናይ ሰራሕተኛታት ስቪልኣቭየሽን ኣሎ ኮይኑ ድዩ ? ወይስ ምዑቡል መሳርሒ ኣቅሑት ኣሎ ኮይኑ ወይስ እቲ መዕልቦ ነፈርቲ ኣስመራ ጸገም ዘለዎ ክትዓልበሉ ኣብ ቕነ ኽራማት ግን እቲ ናይ ፍራንኽፈርት ምቹእ ኣብ ሓጋይን ክረምትን ብዘይ ጸገም ክትዓልበሉ ትኽእል ኮይኑ ድዩ? ) ስለ ዘይፈለጥኹ ዘለኩ። ስጋብ ሕጂ ነቲ ምክንያቱ ክርድኦን ክቕበሎን ኣይከኣልኩን ኣለኩ።

ናብ ኤርፖርት ኣስመራ ክመልሶኩም። ኣርባዕተ መጓዕዝትና ንጡፋት ኤርትራውያን ብናይ ዉልቒ ተበግስኦም፡ ” ቖጽሊ ኣውድቁልና ንዓኩም ወኪልና ን መገዲ ኣየር የመን ክንምግቶ ኢና ” እንዳ በሉ ነዛ ምልእቲ ኣዳራሽ ኮለልዋ። ህዝቢ ከኣ ጻዕዳ ይጽናሕኩም፡ የሳልጠልኩም፡ ጽቡቅ የስምዓና ኢሉ፡ መሪቑ ኣፋነዎም። እቶም ንጡፋት ኣሕዋትና ”ሓደ ክንከዉን ከም ዘለና፡ ንሕና ብስም ኩልና ናብ መገዲ ኣየር የመን ጠለብ ከነቅርብ ኢና” በሉና።  ቀጺሎም ድማ ”ዕላማና ኣብ ኣስመራ ፓላስ (በዓል 5 ኮከብ ሆቴል ብናይ ቀደም ሽሙ ኢንተርኮንቲንታል) ኣደቂሶም ክኽሕሱና ከምዘለዎም ክንምግቶም ኢና” ኢሎም መደር’ኦም ኣስሚዕም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ሓደ ተዋዛያዪ ወዲ ”እዞም ወከልትና’ሲ ካብ ዞባ ማእኸል (ደቒ ኣስመራ ኣይመስለንን ክብል ዝተጠቀመሉ’ዩ ዝመስለኒ) ዝመጹ ኣይመስለንን፡ ኣብ ጥቓ ስድራካ ከለካ’ሲ ካሕሳ ክኮነና ሆቴል የሕድሩና ኢልካ’ዶ ይሙጎት ኢዩ ? እንታይ ጣቓ ኣልዎ እዚ ? ገለ ሚኢታዊት ካብ እቲ ዝከፈልናዮ ኽቡር ዋጋ ቲኬት ይመለሰና ኢሎም ግዳ ዘይምግቱ። እንታይ ዘረብኡ’ዩ እዚ፡ ኣስመራ ምሕዳር ተኮይኑ’ሲ ኣነስ ምስ ስድራይ’የ ዝሓድር ” በለኒ።

ዋላ’ኻ እቲ ሕርቓንን ብስጭት ኣብ’ቶም ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሑ ገያሾ ‘ዳ በረኸን ዳ’ወሰከን ይከይድ ምንባሩ ዘሻቕል ተነበረ፡ ኣነ ግን ዝያዳ ኣብ’ቶም ንጹሃት መዓንጣ ዘይቖጸሩ ህጻናት ዝርእዮ ዝነበርኹ ዘይንቡር ኣደቃቕሳን፡ ዓቅሎም ጸቢብዎም ብጭንቀት ተዋሒጦም ምስ ኣዴታቶም ብቖምሽቲ ኣደይ ዓንቂፉኒ ክቓየቁ ክሰምዕን ክርእዪን ከለኹ ዝያዳ ከብደይ ይበልዓኒ ኔሩ። እዚ ካብ 100 ዩሮ ስጋብ 200 ዩሮ ክንቁጡብ ኢልና ብመገዲ ኣየር የመን ዝመጸናዮ መገዲ ምስ እዚ ኹሉ ጸገማት ነሕልፎ ዘለና ኣወዳዲረ፡ መኽሰብ ዲዩ ወይስ ኽሳራ’ዩ ኢለ ምስ ነብሰይ ኣብ ምጉት ገጢመ ኔረ።

ኣብ ከምዚ ናይ ብስጭትን ሕርቃንን ሰንፈላል ህሞት ከለና ድማ ተጋዓዝቲ መገዲ ኣየር ግብጺ፡ ናብ’ቲ ዝጸናሕናሉ መጸበዪ ኣጋይሽ መዕርፎ ነፈርቲ ተጸንበሩና። ነፋሪት መገዲ ኣየር ግብጺ ትበረሉ ሰሌዳ ሰዓት 04፡00 ወጋሕታ’ዩ ነይሩ። ዋላ’ኻ ተሳፈርቲ መገዲ ኣየር ግብጺ ንዓና ምስረኣዪና፡ ከም ናህና ዕድል ከየጓንፎም ተሰኪፎም ተነበሩ፡ ግን መገዲ ኣየር ግብጺ ኣብ መደቦም ከምቲ ኣብ ሰሌዳ በረሮኦም ዝሓበርዎ ኢዮም በሩሮም። ኣብ’ታ ህሞት እቲኣ ዝተሰምዓትኒ ስምዒት ክሓብኣልኩም ኣይደልይን ኢየ። ኣነ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዓሚል ናይ መገዲ ኣየር ግብጺ’የ ኔረ፡ ብሰንኺ ናይ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ምቕራጽ መገዲ ኣየር ግብጺ “ሕጂ ኢና ነዚ ህዝቢ ንጭፍጭፎ ኢሎም ዝተከተልዎ ናይ ስስዔ ኣከያይዳ ማለት 2 ስጋብ 3 ዕጽፊ ካብ’ቲ ናይ ቀደም ዋጋ ምሕታቶም፡ ነዚ ናይ ስስዔ ተግባራቶም ንምኹናን ናይ ተቓውሞ ድምጸይ ንምስማዕን ኢለ ነቲ ብመገዲ ኣየር የመን ክጋዓዝ ዝወሰድክዎ ውሳኔ ተጣዒሰሉ’የ ኔረ። ሽዓ ምሸት ግደ ሓቒ ንምዝራብ ነቶም ብመገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ሆላንድ ዝበሩ ዝነበሩ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣዕርኹተይን መሓዙተይን ቀንኤሎም ኔረ።

ሓለፍቲ ናይ’ታ ምሸት ኣብ መገዲ ኣየር የመን 3 ግዜ ኣኪቦምና ነይሮም። ፍረ ዘይብሉ ኣኬባ። ሓበሬታ ”ኢሻላህ” እምበር ዋላ ሓንቲ ዝጭበጥ ሓበሬታ ኣይነበሮን እቲ ሓበሬታኦም። ኣብ መወዳእታ ዝተዋህበና ሓበሬታ ግን እቶም ናብ ኤውሮፓ ንበርር ብሓንቲ ፍልይቲ ነፋሪት ብቀጥታ ካብ ኣስመራ ናብ ፍራንኽፈርት ን ክንበርር ፍሉይ መስመር ክዋሃቦም ናብ ስቪልያቨሽን ፍራንኽፈርት ሓቲቶም መልሲ ይጽበዪ ከም ዘለዉ ኢዩ ። ቖልዓ ክበክየካ ከሎ መኤበዲ ክኮኖ ትህቦ ሓለዋት ወይ ካሬሜላ እዚ ዓይነቱ ሓበሬታ ኢዩ።

ሕጂ ምስ ተመለስኩ ናብ ሆላንድ ኣብ ”ጎግል” ዝረከብክዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርፖርት ፍራንክፈርት ኣብ ሓንቲ ደቂቅ ሓንቲ ነፋሪት ክትበርር ከላ፡ ሓንቲ ነፋሪት ከም ትዓልብ ኢዩ። እቲ ሰሌዳ ምብራርን ምዕላብን ድማ ተወሓደ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከም ዝስራዕ’የ ኣንቢበ። እሞ እንታይ ክረክቡ ድኣ’ዮም’ሞ መገዲ ኣየር ”ኢሻላህ ” እንዳ ፈለጡ ከም ዘይከዉን ከሎ ተስፋን ሃፋን ገሮምና ዝሓደሩ። ሕጂ ንሶም ክምልሱለይ ኣይጽበዪን’የ። ንመዓደጊ ግዜ ጥራሕ ዝተጠቀምሉ ሜላ’ዩ ኔሩ። እቶም ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ብጾትና ፡ ርኽብ መስመር በረርቲ ነፈርቶም ካብ ኤውሮፓ ናብ ኣመሪካ ዝወስድኦም ስለ ዝተመሓላለፈ፡ ስጋብ ሶኒ (ዓርቢ’ዩ ኔሩ) ኣብ ኣስመራ ክጸንሑ ምካኖም ፡ ዘይዕላዊ ተባራሪ ወረ ክጭኖ ጀመረ።
ዋላ’ኳ ናይ’ቶም ዓቅሚ ኣዳም ዝበጽሑ ኣጋብዝን ጎራዙን ከሙኡ’ዉን ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ኩነታት ዘደንግጽ እንተነበረ፡ ግን ዝያዳ ከብድካ ዝበልዕ ዝነበረ ኩነታት እቶም ቖልዑ’ዩ።

ብመጉልሒ ድምጺ ኤርፖርት ኣስመራ ”ተጋዓዝቲ መገዲ ኣየር የመን፡ ነቶም ኣብ ሰንዓ ካልእ ነፋሪት ቀይሮም ናብ ካልእ ሃገር ዝበሩ ኣውሪድና ጉዕዞና ቀጥታ ናብ ከተማ ፍራንኽፈርት ክከዉን ኢዩ” ተባህለ። እቲ ሰንፈላል ኬይና ዘሕለፍናዮ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝነበረ። ሕጊ ተፈጥሮ ከምዘገድዶ ከኣ ዝኣተወ ክወጽእ ስለ ዘለዎ፡ ሽንተይ ክክዕዎ ናብ ሽንቲ ቤት ኣበልኩ። ምስ ገለ ኣሕዋት ከም’ዚ ከማይ ሽንቲ ክክዕው ዝመጹ ዕላል ጀመርኩ። እቲ ዘዕለሉኒ ዕላል እቲ ከም ጥምየት ከብደይ ዝፈልጦ ባህልን ልምድን ኤርትራውያን ኢዩ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም እተን ዝተረፍኦም ናቕፋ ን ኣዕርኩቶምን ቤተሰቦምን ኣወፍዮም ጥራሕ ጅብኦም ኣብ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝኣተው፡ ሕጂ መስተዪ ሻሂን ቡንን ስኢኖም ተሸጊሮም ከም ዘለዉ ኢዮም የዕሊሎሙኒ። ንዓይ’ዉን ዝተጋነፈኒ ኩነታት ስለ ዝነበረ ”ሓቅኹም ኣጣላቕዮምና’ድዮም መገዲ ኣየር የመን” ካብ ምባል ሓሊፈ ዘበርኸትኩሎም ሓገዝ ኣይነበረን። እንቲ ምንታይ’ሲ ኣብ’ታ ህሞት እቲኣ ጅባይ’ዉን ምድረበዳ ኮይና ስለ ዝነበረት።

ከባቢ ሰዓት 05:00 ወጋሕታ ምስኮነ ናብ ነፋሪት ክንድይብ ክኢልና። ነፋሪትና ሰዓት 06:45 ኣብ ሰንዓ ምስ ዓለበት፡ ብቀጥታ ናብ ከተማ ፍራንኽፈርት ክንበርር ስለ ዝኮና ኣኣብ ዘለናዮ ቦታ ኮፍ ክንብል ተኣዘዚና። እቶም ካብ ሰንዓ ዝሳፈሩ ገያሾ ከኣ ኣብ ጥርሑ ዝጸንሖም ቦታ ኮፍ ክብሉ ምካኖም ተሓበረና። ብቋንቋ ኣሳሰዪቲ መገዲ ኣየር የመን ” FREE SEATING ” ኢዩ ዝባሃል። ኣብ ኣውቶቡስ እንዳ ”ሰታዮ” ድየ ዘለኩ ? ወይስ ኣብ ኣውቶቡስ እንዳ ”ሓረጎት” ድየ ዘለኩ ? ወይስ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር የመን ? ንገለ ህሞት ጠፊኡኒ ኔሩ።

ልኽዕ ሰዓት 08:00 ንግሆ ምስ ኮነ ግን ካብ ኤርፖርት ከተማ ሰንዓ በሪርና ከባቢ ሰዓት 03:00 ድሕሪ ቀትሪ (ድሕሪ ናይ 8 ሰዓታት ካብ ዝተመደበ ግዜ ምድንጋይ) ብሰላም ኣብ ኤርፖርት ፍራንኽፈርት ዓለብና። ዕላማ ናይ’ዚ ዘዘንትወልኩም ዛንታ (ጽሑፍ)፡ ቀዳማይ ሰብ ብመገዲ ኣየር የመን ን 100 ስጋብ 200 ዩሮ ክቁጡብ ኢሉ ዝቆርጾ ቲኬት፡ ብዋጋ ወርቃዊ ግዜን ሕርቃንን ብስጭትን ምኳኑ ንምሕባር ኢዩ። ካልኣይ ከኣ ነቶም ተገሪሆም ድዮም ወይስ እንዳፈለጡ ካብ መገዲ ኣየር የመን ቲኬት ዝቆረጹ’ሞ ዝተንከላበቱ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብ 2004 ዓመተ ምህረት ብፈረንጂ።ሓደ ንግዳያት ናይ ነፈርቲ ምድንጋይን፥ምስራዝ መደብ መገዲ ኣየራትን ካሕሳ ክኽፈሉሉ ዘኽእል ሕጊ ኣውጆም ምህላዎም ንምሕባር ኢዩ። ብመገዲ እዚ’ዉን ነቲ ስጋብ ሕጂ ስለ ዘይፈለጠ ጥራሕ ናይ ካሕሳ መሰሉ ኣማሪሩ “እንተ’ተን ኣጣል’ሞ ወሲዶመን ኢዮም፥ ግን ንሕና ጸርፊ ዝገደፍናሎም የብልናን” ዝብል ብሂል ቀዳሞት እንዳደጋገመ
ሕርር ዝበለ ወገነይ፡ ካሕሳ ዝረክበሉ መገዲ ከም ዘሎ ንምሕባርውን ኢዩ።

ኣስዒበ ሓደ መለጋግቦ ”Links ” ይሰደልኩም ኣለኩ። ምእንቲ እቶም ከማይ ግዳይ ሕማቅ ምሕደራ መገዲ ኣየር የመንን ካልኦት መገዲ ኣየራትን ዝከኾኩም ገያሾ ዝያዳ ሓበሬታ ረኪብኩም ንመስልኩም ጠጠው ክትብሉ፡ን ዝያዳ ሓበሬታ ናይ’ዚ ኣብ ዌብ ሳይት ኤውሮፓ ነዚ ኣብ ታሕቲ ለጢፈዮ ዘለኩ መለጋግቦ ”Links” ጠውቂኩም ከፊትኩም ኣንብቡ።

እዚ ወዲ ሓንኩም ደቂ ኤረይ።