መንእሰያት ህግደፍ ጨ/ሰሜን ኣመሪካ፡ ንፕሮጀክት “ሓደ መንበቢ ታብለት ንሓደ ተመሃራይ” ዝውዕል 33 ሽሕ ዶላር ወፍዮም

News ትግርኛ
RORA Eritrean Digital Library’ project ypfdj e-reader
The development of digital libraries in all higher learning institutions in Eritrea is taking shape with the launch of a national platform for digital resources known as the ‘RORA Eritrean Digital Library’ project. The success of this digital information sharing program will reform the way education is delivered in Eritrean higher learning institutions.

ካብ ሓዳስ ኤርትራ

ሳተፍቲ መበል 11 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣታዊኡ ንፕሮጀክት “ሓደ ኤለክትሮኒካዊ መንበቢ ንሓደ ተመሃራይ” ዝውዕል 33,275 ዶላር  ወፍዮም። ብምትሕብባር ኣባላት ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ምስ ማእከል ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ኣብ ምፋርቕ 2012 ብውሱን ዓቕሚ ዝተጀመረ ፕሮጀክት “ሓደ መንበቢ ንሓደ ተመሃራይ”፡ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሃገራውያን ውዳበታትን ንምዕዋቱ ብንጥፈት ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ ዛጊት ድማ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ከተማ ቺካጎን ለንደንን ኣስታት 500 መንበቢ ታብለትታት ተላኢኹ ኣብ ዝተፈላላየ ኮለጃት ዝርከቡ ተመሃሮ ተጠቀምቲ ክኾኑ ምብቅዖም ይፍለጥ።

ከም መርኣያ ናይ’ዚ እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸየድ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ላስቬጋስ ዝተቓንዐ መበል 11 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ኣገዳስነት’ዚ ፕሮጀክት ብዕምቈት ድሕሪ ምዝታይ፡ ንእለት 16,725 ዶላር ከምዘዋጽኡ፡ 16,550 ዶላር ንምውፋይ ድማ መብጽዓ ከምዝኣተዉ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምዕዋት ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን በብዓቕሞም እጃሞም ከበርክቱ ድሕሪ ምልባው፡ ኩለን ሃገራውያን ውዳበታት ነዚ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ኣብ መደብ ስርሐን ኣእትየን ክነጥፋሉ ጸዊዖም።

ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ተመሃራይ ዝተማልአ ናይ ምንባብ ዕድል ዝፈጥር ፕሮጀክት ‘ምዕጣቕ ኤሌክትሮኒካዊ መንበቢ መጽሓፍቲ’ ዝሰፍሐ ተቐባልነት እናረኸበ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቊጽሪ ለገስቲ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

– – – – – – –
ALSO READ : Technology to Enhance Education in Eritrea: Digital Library with e-Reader Tablets
– – – – – – –